ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ በዓለ ልደት ሓገዝን ሓጐስን ከነወፍይ ይዕድመና!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ “ምትንሳእ” ከምኡ እውን “ተሃዊክካ ምኻድን” ኣብ ዝባል ቃላት ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ እታ “ምትንሳእ” እትብል ግሲ ማርያን ብኸመይ ተበግሶ ወሲዳ ንቕድሚት ክትስጒም ከም ዝኸኣለት ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ግጒይ ምርዳእ ወይ መቕጻዕቲ ከስዕበላ ዝኽእል ዘይተጸበየቶ ጥንሲ ከይትጭነቕ ወይ ከኣ ነዚ ዜደንቕ ተመክሮ እዚ ብኸመይ ከም እትቆጻጸሮን ምሉእ ብምሉእ ከም እትርድኣቶ ዘረጋግጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ዕለት 19 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኰይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም፥ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 1, 39-45 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፥ ኣብዚ ቅድስቲ ማርያም ንኤልዛቤጥ ዘመዳ ክትበጽሓ ምኻዳ ዘዘንትው እሞ ብፍላይ ከኣ “ተንሲኣ ተሃዊኻ ከደብ” ዝብል ቃል መሰረት ገይሮም ከምቲ ማርያን ንኤልዛቤጥ ዝገበረቶ ንሕና እውን ንኻልኦት ብልግሲ ክንበጽሖምን ሓሴት ኢየሱስ ከነብጽሓሎም ተሓዊኽና ተንሲእና ንኺድ” እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ራብዐይቲ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት፥ ነቶም ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን “ተንስኡን ናብ ልደት ዘእግዚኣነ ተሃዊኵም ኪዱ” ብዝብላ ቃላት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ነቲ ማርያም ነታ ነፍሰ ጹር ዝነበረት ኤልዛቤጥ ክትበጽሓ ምስ ከደት ዘዘንተው ቃለ ወንጌል መሰረት ገይሮም፥ ምርያም በቲ ዝፈጸመቶ ምብጻሕ ኣቢላ ድማ “ሓጐስ ኢየሱስን ናይቲ ኣብ ማሕጸና ናይ ዝጸሮቶን ወልደ እግዚኣብሔር ሓጐስ” ኣካፈለታ እዚ ድማ ኣብቲ  ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ጸሎታ ትገልጾ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተንሲእካ ተሃዊኽካ ኪድ!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ “ምትንሳእ” ከምኡ እውን “ተሃዊክካ ምኻድን” ኣብ ዝባል ቃላት ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ እታ “ምትንሳእ” እትብል ግሲ ማርያን ብኸመይ ተበግሶ ወሲዳ ንቕድሚት ክትስጒም ከም ዝኸኣለት ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ግጒይ ምርዳእ ወይ መቕጻዕቲ ከስዕበላ ዝኽእል ዘይተጸበየቶ ጥንሲ ከይትጭነቕ ወይ ከኣ ነዚ ዜደንቕ ተመክሮ እዚ ብኸመይ ከም እትቆጻጸሮን ምሉእ ብምሉእ ከም እትርድኣቶ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ብድሆታት እዚ ኣየሰነፋን ወይ ኣይኣለያን ኣብ ኣምላኽ ትውከል ድማ ነበረት፡ ነታ ብዕድመ ዝደፍአትን ዝሓረሰትን ኤልዛቤጥ ከተሰንያ ብትብዓት ድማ ክትሕግዛ ድማ ናብኣ ከደት።

ንኻልኦት ንኽትበጽሕዎም ጸዓሩ!

ንሕና እውን ልክዕ ከም ማርያም ካብ ብድሆታት ጸገማት ኣሉታዊ ሓሳባት ክንወጽእን እሞ ንኻልኦት ሰባት ክንበጽሖም ክንሕግዞምን እዩ ዝግብኣና። ምስ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ብጽምዋ እተበለዐ ሰብ ክንድውል ወይ ግብረ ሰናይ ንኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ዓቢዪ ከም ዝዀነን “ናብኡ ንጽጋዕ” እንተ ዄይና ኪሕግዘና እዩ ወትሩ ሓገዜ ኣይፈልየናን እዩ።

ምንባርን ሓጐስካ ምግላጽን

ኣስዒቦም እታኢ “ቐልጢፍካ ምኻድ” እትብል ሓረገ መሰረት ገይሮም ካልእ ነገር ክንገብር ወይ ዕኑድ ናይ ምዃን ፈተና እናሀለወ ክነሱ መዓልታዊ ህይወትና ብሓጐስ “ብምትእምማን ንቕድሚት ምጥማት” ማለት ምዃኑ ገሊጾም ማርያም “ስጒምቲ” ናይታ ልቡን ህይወቱን ብኣምላኽን ብሓሴት ኣምላኽ ዝተመልአ” ሰብ መግለጺ እያ። ስለዚ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእስና “ስጒምቲ” እንታይ ምዃኑ ከምኡ እውን ብተስፋን ጒልበትን ተተሓሒዝና ንቕድሚት ንስጒም እንተ ሎና ንርእስና ንሕተት። ብጓሂ እንተ ድኣ ተጐቲትና ንኣምላኽ ናብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘይነብጽሖ ክንፈልጥ ኣሎና። መዓልታዊ ጸገማት እናሀለወና ክነሱ ንዅሎም ሰባት እወታዊ ኣረኣእያ ንኽገብሩ ኣተባብዕዎም ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ጥዕያት ተዋዘይቲ ክዀኑ ኣተባብዕዎም፥ እቲ ቀዳማይ ክንገብሮ እንኽእል ናይ ግረብ ሰናይ ተግባር ከም ማርያን ንኤልዛቤጥ ዝገበረቶ “ህድኣትን ፍሽኽታ ብምዝዓሰል ወጅሂ “ሓጐስ ኢየሱስ” እነብጽሕ ንዅን ቢሎም፥ እታ እተባርከት ኣደ “ተንሲእና ናብ በዓለ ድለት ቀልጢፍና ክንከይድ” ትሓግዘና ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ምስቶም መንፈሳውያን ነጋዶ ከምዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Dec 2021, 23:26