ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ፍሉይ በዓል መዚ ሰምዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ፍሉይ በዓል መዚ ሰምዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ፍሉይ በዓል መዚ ሰምዮም

ንብጹዕ ኣቡነ ማክሪካስ ኣብቲ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ኣብ ጐድኖም ኰይኑ ዝዓዪ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ዘመሓድሪ ቤት ጽሕፈት ዝውክሉ ኣካላት ዝሓቁፍ ሓደ ፍልዩ ሽማግለ እውን ከም እተመዘ

ናይ ጳጳሳዊ ዓቢዪ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያ ፍሉይ በዓል መዚ ኮይኖም ንኸገልግሉ ብቕዱስነቶም እተሰምዩ ብጹዕ ኣቡነ ሮላንዳስ ማርክሪካስ ክሳብ ነዚ ሓድሽ ሓላፍነት እዚ ምምዛዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዘገልግሉ ከምዝነበሩን እቲ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ናይ ዓቢይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ቍጠባውን ሃብቲ ገንዘብን ምምሕዳር ዝብል ኮይኑ ናይቲ ባዚሊካ ሊጡርጊያው ስነ ስርዓትን ሓዋርያዊ ጒስነትን ኣብ ኢድ ናይቲ ባዚሊካ ሊቀ ካህናት ብጹዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ታህሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጳጳሳዊ ዓቢይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ናይ ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ፍልዩ ኣመሓዳሪ ከምዝሾሙን እዞም ነዚ ሓላፍነት እዚ እተመዙ ብጹዕ ኣብኑ ሮላንዳስ ማርክሪስካ ወዲ 49 ዓመትን ተወላዲ ሊትዋኒያ ከምዝኾኑን ነዚ ሓድሽ ሓላፍነት እዚ ቅድሚ ምሕራዮም እውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ተመዲቦም ከገልግሉ ዝጸንሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንብጹዕ ኣቡነ ማክሪካስ ኣብቲ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ኣብ ጐድኖም ኰይኑ ዝዓዪ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ዘመሓድሪ ቤት ጽሕፈት ዝውክሉ ኣካላት ዝሓቁፍ ሓደ ፍልዩ ሽማግለ እውን ከም እተመዘን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይቲ ዓቢይ ባዚሊካ ሓዋርያዊ ጉስነትን ፍጻሜታት ሊጡርጊያ ዝምልከት ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይቲ ባዚሊካ ሊቀ ካህናት ብጹዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ኰይኑ ከምዝቕጽል ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

17 Dec 2021, 08:30