ር.ሊ.ጳ. ኣብ ፊሊፒንስ ምእንቲ እቶም ግዳያት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝኾኑ ይጽልዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ መሪሖምን ሓቢሮምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ንቲ በቲ ራይ ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ እተጠቕዐ ህዝቢ ፊሊፒንስ ቅዱስ ሕጻን ምጽንናዕን ተስፋን ክጽግወ ንጸልዩ ቢሎም፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነቲ “ምጽንናዕን ተስፋን ዘምጽእ ቅዱስ ሕጻን” ነቶም ግዳያት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝዀኑ ህዝቢ ፊልፒንስ ኣወኪፎም ቅርበተይን ጸሎተይ አረጋግጽ ከምዝበሉን ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይ መደራጋሕን ኣእዋም ምውዳቕን ብዘስዕብ ዘሎ ህቦብላ ልዕሊ 146 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት እውን ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ምእንቲ እቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍሊፒናውያን ክንጽሊ እንክሓቱ፥ “ቅዱስ ሕጻን ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ምጽንናዕን ተስፋን ኵኖም” ቢሎም “ነቶም ዝሳቐዩ ኵሎም ብጭቡጥ ሓገዝ ሓደራ ነቕርብ” እንክብሉ ከምዘተባብዑ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ፊሊፒንስ እቲ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ኣብ ናይ ፊሊፒንስ ማእከላይ ዞባ ደሴታት ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ነቲ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዔ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ብርቱዕ ጻዕሪ የካይድ ከም ዘሎን እቲ ኣብ ሰዓት 195 ኪሎ ሜትር ዝጓዓዝ ክሳብ 270 ኪሎ ሜትር ዝጓዓዝ ዘሎ ራይ ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ህይወት ሰብን ተፈጥሮን ንብረትን ብርቱዕ ጥፍኣት የስዕብ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።