ንር.ሊ.ጳ. ካብ መላእ ዓለም ካብ ወሰናስን ካብ ቘልዑ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ
ዕለት 17 ታሕሳስ መበል 85 ዓመት ዕድመኦም ተራን ትሑትን ብዝኾነ ኣገባብ ዘኪሮም ንዝወዓሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ መላእ ዓለም ሃገራትን ምእመናን ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ይበጽሖም ከምዘሎን ብዙሓት ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ገጸ በረኸት ዕምባባ ሱፍ ከምዝቐረበሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን እተፈላለያ እምነትን ቘልዑን ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዝነብሩን ኣብታ ቅዱስነቶም መበል 85 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ዝዘከሩላ ዕለት ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽትታት ከምዝበጸሖምን ንድኻታት ኣሕዋትን ኣሓትን ወኪሎም ጳጳሳዊ ቤተ መጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭዝኪ ዝትሰነዩ ሽዱሽተ ገዳም ሓደር ንቕዱስነቶም ናይ ሱፍ ዕምበባ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎምን ቅዱስነቶም መዓልቲ ልደቶም ምስ ድኻታትን ምስ ስደተይናታትን ክራኸቡ ብዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት ከም ዘሕለፍዎዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ
ብምኽንያት ዓመተ ልደቶም ካብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምዝበጸሖምን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንጳጳስ ዘሮሜ ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእክቲ ከምዘመሓላለፈን ኣብ መልእኽቱ እውን “ኣብ ኢጣሊያ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኪደት ሲኖዳውነት ከበግሳ እንከለዋ ብርሃን ክርስቶስን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝህብዎ መምርሕን የሰንየና ብሓባር ኴንና ነዚ ምውዕቕን ዜጸናንዕን ብርሃን እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሓውን ሓብትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሕድጋት ዚነብሩ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ሰማዒ ንዘይብሎም ቆላሕታን ሓልዮትን ንዘድልዮም ከነብጽሕ ጽዉዓት ኢና” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
መልእኽቲ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል
ኣብ ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፥ “ኣብያተ ክርስቲያን ንትውፊተን እሙናት እኳ እተኾና ስም ኣምላኽ ኣብ መላእ ምድሪ ንምስፋሕ ብሓባር ክዓያሉ ዘኽእለን ልዑል ርክብ ኣለወን፡ እቲ ኣብ መንጐአን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ሕብረተሰብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ንምዝርጋሕ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ንእዋናዊ ብድሆታት ግቡእ ምላሽ ንምሃብ ዝሃቀነ እዩ” ብዝብል ሓሳብ ናይ ሞክሶን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብቲ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 85 ዓመት ልደቶም ኣብቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘሎ ሓባራዊ ሃይማኖታዊ ሓላፍነት ዜጒልሕን ነቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃቫና ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብን ከም ዝዝከሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ካብ መላእ ዓለም ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ንቕዱስነቶም
ርእሰ ብሔር ፈደራላዊት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መንፈሳውን ግብረ ገብን ኣብ ምንቕቓሕ ህይወቶም ዘወፍዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎምን ናይ ሮማ ከተም ከንቲባ ሮበርቶ ጓልቲየሪ እውን በቲ ኣብ ትዊተር ዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ዝፈነውዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ “ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ሕውነትን ሰላምን ዚገልጽ ኵላዊ ጻውዒትን ንሰባት ብዛዕባ ምቅርራብ ነቶም ዝደኸሙ ኣቃልቦን ፍጥረትን ተፈጥሮን ምክንኻንን ብቓልን ተግባርን ንመላእ ዓለም ዝዛረቡ” እንክብሉ ንቕዱስነቶም ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ መግለጺ ሰናይ ምንዮት
ኣብ ወሰናስን ከተማ ሮማ ዝነብሩ ቈልዑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝእለዩ ካብቲ ዝወደቕሉ መሪር ድኽነት ንኽላቐቝ ዝተፈላለያ ሰብኣውን ህንጸታዊ ደገፍ ዝረኽቡ ብምኽንያት ውልደት መበል 85 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈን ካብ ሃገሮም ኣርጀንቲና ብዙሕ መልኽታት ከምዝበጸሖምን እቶም ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ዘገልግሉ ብቐረባ ዝፈልጥዎም ካህናት ሓደ ካብኦም ኣባ ኾሰ ማሪያ፥ “ጳጳስ ዘሮሜ ኾርገ ስልጣናዊ ትምህርትዅምን ምዕዶታትኵምን ምኽርታትኵምን ብምስዓብ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ሕዙናትን ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተሓረጉን . . . ቢሎም ኣብ ቃልሲ ሕሰምን መከራን ቅርጻዊ ድኽነትን ብእጸ ፋርስ ንዝሳቐዩ ካብቲ ዝወደቐሉ ጸልማት ዓለም ንኽላቐቑ ኣብ ቃልሲ ንርከብ ቅርጻዊ ድኽነትን ንግድ እጸ ፋርስን ዝቓወም ዓቢይ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ነዳልው ኣሎና እዚ ንዓዅም ከም ህያብ ነቕርቦ ባህ ከም ዝበለኵም እውን ኣይንጠራጠርን” ዝብል ሓሳብ ዝተሰምሮ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲክን ሲር ናይ ዜና ኣግልግሎት ጠቑሱ ይሕብር።