ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብቲ ኣሿኽ ሓጹርን ናይ ጽልኢ መርዝን ምሕዋይ! ር.ሊ.ጳ.፥ ካብቲ ኣሿኽ ሓጹርን ናይ ጽልኢ መርዝን ምሕዋይ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብቲ ኣሿኽ ሓጹርን ናይ ጽልኢ መርዝን ምሕዋይ!

ዘለዎ፣” እቲ ሰብኡትንእ ኣስንትን ዝሳቐይሉ ዝሽየጥሉን ጊላዎት ዝኾኑሉን ኣብ ሊቢያ ኣብ ዝርከብ መዓስክራት ዝወርዶም ኵነኔ” ገሊጾም ነዚ ዘሕዝን ፍጻመታት እዚ ከም ልሙድ ምቕባል መድሃኒት ዘይርከቦ ቀስ እናበለ ንዅሉ ዝቐት ሕማም እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ቆጵሮስ ሓዋርያዊ ጒዕዞእም ምስ ስደተይናታት ኣብ መደብ ጸሎት ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳዊ መራሕትን ምእመናንን ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት ብምስታፍ እንክዛዝሙ፥ ኣቡኡ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ “ኵሎም ደቁ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ዝነብሩላ ናይ ሰላም ዓለም” ኣብ ዝብል ሕልሚ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ በቲ ዝህብዎ ምስክርነት ኣቦሎም “ኣምላኽ ንመንግስቱን ንፍቕሩን ፍትሑን ሰላሙን ነቶም ንኣሽቱ ይገልጸሎም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መስቀል ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ነቶም ናብ ቆጵሮስ ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ወኪሎም፥ “ፍልልያት ዘይኮነ ምዕጻውን ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድን እዩ ከፍርሃና ዘለዎ፣” እቲ ሰብኡትንእ ኣስንትን ዝሳቐይሉ ዝሽየጥሉን ጊላዎት ዝኾኑሉን ኣብ ሊቢያ ኣብ ዝርከብ መዓስክራት ዝወርዶም ኵነኔ” ገሊጾም ነዚ ዘሕዝን ፍጻመታት እዚ ከም ልሙድ ምቕባል መድሃኒት ዘይርከቦ ቀስ እናበለ ንዅሉ ዝቐት ሕማም እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ደጊም ጓና ዝበሃል ሓደ እኳ የልቦን

ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓመ ዝመጹ ኣርባዕተ ስደተይናታት ብዛዕባ መንነቶም ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍዎ በሰላ ጽልኢ ብዛዕባ ጒዕዞኦም ከምኡ እውን ብዛዕባ ሕልምታቶም ብምምስካር ታሪኾም ምስ ኣካፈሉ፡ ር.ሊ.ጳ. “እቲ ምስክርነት ናይቶም ስደተይናታት ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ትንቢታዊ ሓይሊ ብዝያዳ ንኽንርድኦ የኽእለና። ደጊም ምስ ቅዱሳንን ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽን ደቂ ዓዲ ኢኹም ትነብሩ ዘለኹም እምበር ኣጋይሽን መጻእተይናታት ጓኖትን ኣይኮንኵምን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንክርስቲያን መስቲያት ኢኻትኵም

ቅዱስነቶም ዛንታታት እቶም ስደተይናታት ልክዕ ከምቲ ንክርስቲያን ማሕበርሰብና ከም ዝጸልውን ንሕና እውን ብዛዕባ መንነትና ንኽንሓትት ዜዘኻኽረና “መስቲያት” እዩ። “ጽልኢ ነቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ርክብ ከም ዝምርዞ” የዘኻኽረና` ካብ ግጭት ናብ ሕብረት ክንጓዓዝ ብባህግታትና ኣቢሉ ይዛረበና።” ኣምላኽ “በቲ እተኸፋፈለ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ምንጽጻግን ተጻይነትን ንኽንዓግብ ዘይኮነ ብሕልምታቱ ተመሪሕና ኣብ ታሪኽ ብሓባር ክንጓዓዝ እዩ ዚደልየና።”

ናይ ሕውነት ኣንጠረይናታት ምዃን

“እታ ብዜሳቒ ምግምማዕ ምልክቲ ዝኾነት” ደሴት ቆጵሮስ “ብጸጋ ኣምላኽ ቤት ዕዮ ኣሕዋት” ክትከውን ከም እትኽእል ተስፋይ እገልጽ። እዚ ንኽፍጸም ክልተ ነገራት ማለት “ንኽብሪ ኵሉ ኣፍልጦ ምሃብን” ከምኡ እውን “ነቲ ኣቦ ኵሉ ዝኾነ ኣምላኽ እሙን ምዃን” የድሊ። “እዚ ክልተ ነገራት እዚ ክፍጸም ዚኽእል እንተድኣ ኮይኑ እቲ ሕልሚ ካብ ግጭት ናብ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ካብ ጽልኢ ናብ ፍቕሪ ብጭቡጥ ስጒምትታት ዝቘመ ናብ መዓልታዊ ጉዕዚ ኪትርጐም ይኽእል እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሱቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና!

ቅዱነቶም ነቲ ንስደተይናታት ዜጋጥሞም ዘሎ ስቓይ ዘይምግዳስ ንምስናፍ ብውዕዉዕ ስምዒት ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ብዛዕባ እቲ በብመዓልቱ ዜጋጥም ዘሕዝን ፍጻመታት ምንባብ ስለ ዝለመድናዮ እዚ ኸኣ ብሓቂ ዓቢይ ጓሂ ይፈጥረለይ።”

. . . መግብን ሓገዝን ናጽነትን ሕውነትን ዚደልዩ ሰባት ብኣሿኽ ሓጹር እተሓጽረ ዶብ ከጋጥሞም እንከሎ ብሓቂ ልብኻ የጉሂ፡ ጐይታ ንሕልና ኵላትና ኣብ ቅድሚ እዚ ነገራት እዚ የበራብሮ። ክውን ነገራት ከምዘሎ ብምንጋረይ ይቕረ በሉለይ እንተኾነ ግን ስቕ ኢላን ኣብቲ ዘይምግዳስ ዝመልኦ ባህሊ ተዋሒጥና እናረኣና ከይረኣና ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና!” ቢሎም ዘስምዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስዒቢ እታ ጐይታ ዝመሓረና ኣቡነ ዘበሰማያት ጸልት ተደጊሙን ገጸ በረኸት እውን ቀሪቡሎም ልክዕ ሰዓት 16.10 ተሰናቢቶም ንምሕዳሮም ናብ ሕንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከምዝኸዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

04 December 2021, 23:07