መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ ሮማ ጳጳስ ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ዘመሓላልፍዎ ናይ 2022 ዓ.ም. ናይ ሰላም መልእኽቲ ዕለት 21 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ጽርሓ ናይ ኵለንትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ላዕለዎት ኣካላት ብሓባር ናይ ትካላት ሕርሻ ሰራሕተይናታትን ናይቶም ዝነቀሳቐሱ ዝይርኡያትን ወሃቢ ቃል ኣቡባካር ሱማሆርን ብዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ወግዓዊ ከም ዝኸውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 21 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ልክዕ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 11.30 እቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት እቲ ካብ 1968 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ዓዓመት ዕለት 1 ጥሪ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ዘመሓላልፍዎ መበል 55 መልእክቲ ሰላም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ጽርሓ ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ብቐጥታ ብመረብታዊ ውሕዘት ከምዝመሓላለፍ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዝወሃግ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ኵልትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እዚ ተቐያሪት ዋና ጸሓፊ እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊን ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ምኽትል ሓላፊ ኣባ ፋቢዮ ባጆን ናይ ትካላት ሕርሻ ሰራሕተይናታት ማሕበር ኣቦ መንበርን ዝዓዩ ግና ህቡኣን ተንቀሳቀስቲ ተገይሮም ናይ ዝሕዘቡን ዜጋታት ወሃቢ ቃል ኣቡባካር ሱማሖሮን ዘሳተፈ ከምዝኸውን ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይዚ ናይ 2022 ዓ.ም. መበል 55 መልእኽቲ ሰላም ኣርእስቲ ዕለት 13 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ከም እተሃበረን እዚ መልእኽቲ እዚ ኸኣ ኣብ ሰለተ ትሕዝቶ ከምኡ እውን ነባሪ ሰላም ንምሕናጽ ከነስተንትነሉል ስጒምቲ ኽንወስደሉን ዘሎና መገድታት ዝሕብር እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵልትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ንምድንፋዕ ብዝብል ዕላማ ዘቖምዎ ናይ ኵልንትናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት በቲ ናይ መልእክቲ ሰላም ኣቢሉ ኣብ እዋናውን መጻእን ግዜ ንኵልንትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝድግፍ ሓሳብ ከቕርብ ከምዝኾነን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵሪያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ንኽለዋወጡ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፥ “ናይ ግዜ ምልክታ ብዓይኒ እምነት ነንብቦ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።