ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን በዓለ ልደትን
ኣብዚ እዋን ጽምብል በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን እዚ ገለ ካብቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ በዓለ ልደት ዘስተንተኑሉ ቅዉም ሓሳብ ምስል ቢልና ንዘክር። እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣዘዝዎ መገዲ ሓድነት በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓበርዎ ብርሃን ሓቅን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ኣልቢኖ ሉቻኒ ኣብ 1971 ዓ.ም. ኣብ ፖርቶ ማርገራ ኣብዝ አዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ዝገለጽዎ ትርጉም በዓለ ልደትን ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ታራንቶ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዘስመሩሉ ሓሳብ ብዮሓንስ መበል 23 ዳግም ምቅላሑን ኣብ እዋን ዓቢይ ውግእ ዓለም ፒዮስ መበል 12 ዝበለዎን፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
በዓለ ልደት ሓጐስን ብርሃንን ሰላምን እዩ። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን እተዋህበ ትምኒት ዚሕድስ እዋን እዩ። ውልደት እቲ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ዝነበረ ኢየሱስ ንዓለም የብርህ ንልቢ እውን ይሕድስ። ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ናብዚ ቈልዓ ንኽንጥምትን እዚ ነቲ ሕጻን ምጥማት ድማ ህይወትናን ሕልምታትናን ናብ ናይ ሓቂ ተስፋ ርህው ዝገብር ምዃኑ የመላኽት. . . ።
ፍርንቸስኮ፥ ኢየሱስ ወጅሂ ኣብ ይገልጸልና
ውልደት ወትሩ ምንጪ ተስፋ ኢዩ፡ ዘዐምብብ ተስፋ ህይወት ዘርህው ቃል ኪዳን ተስፋ መጻኢ እውን እዩ። ዕለት 25 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኢየሱስ ምእንታና ተወልደ፥ እዚ ምእንታና ኣብ ዝብል ዘሎ ንሕናውነት ወይ ኵላትና ሓለፋታት ዘይብሉ ዶባት ዘይብሉ ውልደት ምዃኑ የረጋግጸልና እንክብሉ፥
ኵላትና ሳላ እዚ ቈልዓ እዚ ናብ ኣምላኽ “ኣቦ” ቢልና ንኽንቀርብን ክንጽውዖን በቒዕና። ስለዚ ሳላ እዚ ቈልዓ እዚ ኵላትና ንገዛእ ርእስና ንኸይንዓጽውን ናይ ሓቂ ኣሕዋት ክንከውን ንኽእል። እዚ ዝተዓደለና ሕውነት እዚ ሰገር ኵሉ ቋንቋታትን ባህልታትን መንነትን ሃገራውነት እዩ! ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን!
በዓለ ልደት ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንየው ኣሉታዊ ተግባራቱ ኣምላኽ ቀዲሙ ከምዘፍቅረና እዩ ዘረጋግጸልናን ዘዘኻኽረናን ንዓይን ንዓኻትኵምን፡ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍናን ‘አፍቅረኩም አዩ - ወትሩ አፍቅረኵም እየ ይብለና!
ዝብል ሓሳብ ዕለት 24 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ንበዓለ ልደት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። ኣብ 2020 ዓ.ም. እውን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስነቶም ንበዓለ ልደት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥
ኣብዚ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ማሓድሮኣዊ ቅልውላው ከምኡ እውን ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ታሪኻዊ ህሞት ካብ ቅድሚ ሎሚ ብዝያዳ ሕውነት የድልየና። ኣምላኽ ድማ ነዚ ሕውነት እዚ ንዓና ወዱ ኢየሱስ ብምሃብ የረጋግጸልና። ከመይሲ እዚ ሕውነት እዚ ኣብዘይ ንጹር ስምዒት ዝቖመ ኣይኰነ። ኣብ ሓቀይና ፍቕሪ እተመስረተ ምስ ካልእ ካባይ እተፈልየ ኪራኸብ ስቓዩ ናተይ ኪገብር ካብ ስድራ ቤተይ ዓሌተይ ሃይማኖተይ ዝተፈልየ እውን እንተዀነ ብዘየገድስ - እቲ ኣብ መንጐ ሰባትን ኣህዛብን ዘሎ ርክብ ኣብዚ ሓቂ እዚ ዝጸንዔ እዩ!
እንክብሉ ኵላዊ ሕውነት ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
በነዲክቶስ መበል 16: ከሃሌ ኵሉ ኣብ በዓለ ልደት ሕጻን ኮነ
በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ሳልሳይ ሺሓው መዋዕል ፍጥረት ሰብ፥ ዕለት 25 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም. ልደት ክርስቶስ “ንህላወ ኵሉ ሰብ ሓድሽ ተስፋ ዝህብ ፍጻሜ ድሕነት” ምዃኑ እንክገልጹ፥
ኣብ እዋን በዓለ ልደት እቲ ከሃሌ ኵሉ ቈልዓ ይኸውን ሓገዝን ዕቝባን ድማ ይሓትት። ኣምላኽ ስጋ ለቢሱ ብምውላዱ ሰብኣዊ ምዃንና ንሓደጋ የቃልዖ . . . በራትና ብምኵሕኳሕ ናጽነትና ኣብ ሕቶ ኣእተወ። ነቲ ምስ ህይወት ዘሎና ርክብን ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ርድኢት ክንምርምር ይሓትተና። እዚ ዘለናሉ እዋናዊ መዋእል እዚ ደቅሰብ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝተበራበርሉ ተገይሩ እዩ ዝግለጽ። ይዅን እምበር ብዘይ ክርስቶስ ንሰብን ዓለምን ንኽበርህ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ንበይኑ እዅል ኣይኮነን! (ዕለት 25 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም.)
ዕለት 17 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም. “በዓለ ልደት ብዛዕባ ትርጒምን ዋጋን ህላወና እነስተንትነሉ ፍሉይ እዋን እዩ!
ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ዕለት 24 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ልደት ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥
ብርሃን ልዕሊ ዅሉ ፍልጠት ማለት እዩ! እዚ ኸኣ ምስቲ ናይ ሓሶትን ድንቍርናን ጸልማት ክጻረር እንከሎ - ብርሃን ሓቂ ማለት ይኸውን። እዚ ብርሃን እዚ ህያው ይገብረናን መገዲ ሓቂ ድማ ይሕብረና። ብርሃን ምዉቕ ስምዒት ዘሕድረልና ፍቕሪ ማለት እውን እዩ። ፍቕሪ ኣብ ዘለሉ ብርሃን ኣሎ። ኣብ ጽልእ ዘሎ ዓለም ኣብ ጸልማት እዩ ዝነብር። ኣብ ደምበ ቤተ ልሄም እቲ ዓለም ዝጽበዩ ዝነበረ ብርሃን ተኸስተ፡ በቲ ኣብቲ ደምበ ደቂሱ ዝነበረ ቈልዓ ኣቢሉ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ ዘሎ ናይ ፍቕሪ ሞጐስን ክብርን ይገልጸልና ኣብ ጐደና እዚ ፍቕሪ እዚ መታን ክመርሓና`
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኽር።
ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ በዓለ ልደት ናይ ሰብኣውነት - በዓል እዩ!
ኣብ 1978 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ድሕሪ ምሕራዮም ሒደት እዋርሕ “ሃገራውን ኣህጉራውን ቡራኬ” እንክህቡ “በዓለ ልደት በዓለ ሰብኣውነት እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣቃሊሖም፥
እዚ መልእኽቲ እዚ ንዅሉ ሰብን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን አቐርቦ፥ በዓለ ልደት በዓለ ሰብኣውነት እዩ። ሰብ ተወልደ፡ ኢየሱስ ሓደ ካብቶም ብቢሊዮናት ዚቝጸሩ እተወልዱን ኣብ ምድሪ ዝተወልዱን ሰባት ኰነ፡ ኢየሱስ ኣብቲ ዝተወልደሉ ህሞት ቈጸራ ህዝቢ ድማ ነበረ። እዚ ኸኣ ሓደ ሓጸይ ሮማዊ ኣብ ግዝኣቱ ክንደይ ግዙኣት ከምዘለዎ ክፈልጥ ኣብ ዝደለየሉ እዋን ምውላዱ ይረጋግጸልና። ኢየሱስ ሓደ ካብቶም ብሚሊዮናዝ ዝቑጸሪ ሰባት ኰነ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብውልደቱ ገዛእ ርእሱንዘይደጋገም ፍሉይን እንኰን እዩ! ልደት ኢየሱስ ብዕቱብ እነብዕሎ እንተድኣ ኰይና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉዩን ዘይድገም እንኰን ምዃኑ ንምስክር! (1978 ዓ.ም.)
ዕለት 19 ታሕሳስ 1999 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህረተ ክርስቶስ፥ ‘በዓለ ልደት በዓለ መለኰታዊ ፍቕሪ እዩ። እግዚኣብሔር ካብ ፍቕሪ ተበጊሱ ብክርስቶስ ተበጀወና ኣብ መንግስቱ እውን ይጽበየና’፡
ከም ዝበሉን ዕለት 25 ታሕሳስ 2000 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ ሃገራውን ኣህጉራውን ቡራኬ እንክህቡ፥ በዓለ ልደት ብፍላይ ነቶም ዚሳቐዩ ሰባት ዚቐረበ በዓል ምዃኑ እንከመላኽቱ፥
ህጻናት ይቕጥቀጡን ይዋረዱን ይጥንጠኑን ኣንስቲ ይዕመጻ ይምዝመዛ መንእሰያት ናይ ትርጒም ኣልቦ ርእየት ዓለም ምሩኻት ይዀኑ ዓረጋውያን ይሕረጉ . . . ስደትን ዓመጻን ውግእን ኣብ ዝበዝሐ ኵርና ዓለም ይርአየ ኣሎ . . . ሓደ ሰብ ንህይወቱ ወይ ንህይወት ካልኦት ፈራዲ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ይሓስብ፡ ንሞት ዘቐድም ፈተና እናበርትዐ ይኸድ ኣሎ - ናይ ሞት ባህሊ ዘስፍሕ ፈተና፡
ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ፥ ናይ 1971 ዓ.ም. ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ስብከት
ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ኣልቢኖ ሉቻኒ ነሓሰ 1978 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ተሓርዮም ናይ ር.ሊ.ጳጳስና መጸውዕ ስሞም ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ እንክብሉ ዝሓረዩ ዕለት 22 ታሕሳስ 1971 ዓ.ም. ከም ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ፖርቶ ማርገራ ንናይ ማዕድን ሰራሕተይናታት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ጐይታ - ይብሉ - ንርእሱ ሓውና ንኽገብር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጐና ኣሕዋት ኴይና ምእንቲ ክንመላለስ ገዝእ ርእሱ ትሑትን ንኡስን ገበረ። ኣሕዋት እትብል ቃል ኣገዳሲት እያ፡ ሕውነት ኣብ መንጐ ኵሉ፡ ነዚ በዓለ ልደት እዚ ብሕውነት መንፈስ ድማ ንንበሮ። . . . ኢየሱስ ሓደ ከማና ኰነ፡ ናይ ንፍሲ ህድኣት ክህበናን ናጻ ከውጽኣናን መጸ” ኣስዒቦም እውን፥
እንሆ እቲ መብልዕ ማል እንሆ እቲ ሰላም! ጐይታ እዛ ዓለም እዚኣ! ገዛእ ርእስኻ ሓደ ካባና ገበርካ ሓውና ኰንካ፡ ገዛእ ርእስኻ ትሕት ብምባል!
ከም ዝበሉን ዕለት 22 መስከረም 1971 ዓ.ም. ገና ኣቡን እንከለዉ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ንኻልኦት ንኽንሓስብን ኣብ ነኣሽቱ ነገራት እውን” እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፡ “ጐረባትብትና የዕርዅትና ብውፉይ ፍቕሪ ንቕረቦም፥ ሓሴት ኣብቲ ነኣሽቱ ነገራት እዩ ዝርከብ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ናይ ፍቕሪ ባህሊ ኺዕወት እዩ!
ኣብ 1975 ዓ.ም. ዓለም ብሰንኪ እቲ ሱር ዝሰደደ ብናይ ተጻራርነትን ተጋራጫውን ርእየተ ዓለም ኣብ ዝተናወጸሉ እዋን ንመዛዘሚ ቅዱስ ዓመት ቅዱስ ማዕጾ እንክዓጽዉ “ጐይታ ኢየሱስ ንዓ” ዝብል ጸሎት እንከዕርጉ፥
ጽልእ ባእሲ ኣይፋል፥ ኦ ክርስቶስ መከራን ድሌን ኵሉ ትፈልጦ ኢኻ እሞ ኣድማስ ዘተን ፍቕርን ካብ ፍቕሪ ዝውለድ ፍቕርን ሓድሕዳዊ ምፍቓርን ጸግወና። ኢየሱስ ስልጣነ ፍቕሪ ኣብቲ ዘየቋርጽ ማሕበራዊ ቃልሲ ክዕወት ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ንዓለም ከኣ ናይ ደቅሰብ ተኣምራዊ ምልዋጥ ክዕድላ እዩ!
ዕለት 25 ታህሳስ 1969 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ፥ እታ ናይ ሎሚ ዓባይ - በዓለ ልደት - ምስጢረ ስጋዊ እዩ ዘዘኻኽረና፡ ዘደንጽው ክውንነት ድማ እዩ፡ እግዚኣብሔር ሰብ ኩነ!
ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ዮሓንስ መበል 23: በዓለ ልደትን ኪደት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን
በዓለ ልደት 1962 ዓ.ም. ምስቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻሜ ዝተተሓሓዘ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23: ንምእመናንን ንህዝቢ ዓለምን ብራዲዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥
ናይ ለምዘበን በዓለ ልደት ናይቲካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ምልክታ ዘለዎ እዩ፡ እቲ ካብ ዕለት 11 ጥቅምቲ ክሳዕ ዕለት 8 ታሕሳስ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ ለምዘበን በዓለ ልደትን ንሓድሕዱ ዝተደጋገፈ ኰይኑ ኣሎ። . . . ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከተብዕልን ከምኡ እውን በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ከተብዕል ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓቀይና ሓጐስ ምእንቲ ክጽገው ኢየሱስ እያ እትእውጅ።
ኣብ በዓለ ልደት 1959 ዓ.ም. ‘ኵሉ ሰብ ኣብ ቤተ ልሄም ቦታኡ ክረክብ ኣለዎ። . . . ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ሎሚ በቲ ናይ ሰላም መልእኽታ ኣቢላ ኵሉ ንኽሓብርን ክተሓባበርን ትጽውዕ። . . .
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ፒዮስ መበል 12፥ መልእኽቲ ኢየሱስ ኣብቲ ጸልማት ዓለም የቓልሕ
ኣብ 1942 ዓ.ም. መላእ ዓለም ብካልኣይ ወግእ ኣብ ዝተናወጸሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብ ድሮ በዓለ ልደት ብራዲዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ጸልማት ዝወረሮ ዓለም ሰማያውያን ሓቅታት ይዅልዕ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን፡
ኣብ በዓለ ልደት 1951 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ራዲዮ መልእኽቲ፥ `ኣብ ዓዓመት ከምዚ ዝኣመሰለ ለውሃት ዝመልኦ በዓል ንኹሎም ምእመናን ዓለም ኣብቲ ዝተወለደ ሕጻን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነትን ተስፋን ፍቕሪ ዘሕብሮም ምስጢራዊ ማእስር ከምዘሎን በዚ መሰረት ንመላእ ዓለምን ሕዝብን ኣባታዊ ሰላምታይ አቕርብ!
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቡራኬ፥ “ኢየሱስ - ይብሉ - ኣብ ደንበ እዩ ተወሊዱ እንተዀነ ግን ብፍቕሪ ማርያምን ዮሴፍን ድማ ማሞቐ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ስጋ ልቢሱ ብምውላድ ፍቕሪ ስድራ ቤት ወፈየ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ስድራ ቤታት ማለት ብዛዕባ እቶም ሎሚ በቲ ዘሎ ለብዒ ምኽንያትን ስዒቡ ብዝመጸ ምፍንታት ክራኸቡ ንዘክእሉ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤቶም ክውሸቡ ዝተገዱ ሰባት እሓስብ፡ በዓለ ልደት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነታ ስድራ ቤት ከም መበቈል ህይወትን እምነትን ገይሩ እንደጋና ንኸራኸብ ኣጋጣሚ ይኹነና። ፍቕርን ዘተን ይቕረታን ሓድነትን ሓባራዊ ሓኣጐስን እንቕበለሉ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ቦታ ምንጪ ሰላም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።