ድለ

መበል 35 ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቆጵሮስን ግሪኽን

ቅዱስነቶም ኣብ ጉዕዞኦም ነተን ናይ በረራ ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት ኢጣሊያን ግሪኽን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዘካይድዎ መበል 35 ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ መገሻ ልክዕ ሰዓት 11.00 ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ቆጵሮስ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝበጽሑን ቅዱስነቶም ኣብ ጉዕዞኦም ነተን ናይ በረራ ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት ኢጣሊያን ግሪኽን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክቡር ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ሰርጆ ማታረላ

ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ቆጵሮስን ግሪኽን ክነቅል ከም መንፈሳዊ ነጋዳይ ንጥንታዊ ዓይኒ ማያት ሃረር እናበልኵ ምስቶም ኣብ እምነትን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባትን ኣሕዋትን ኣሓትን ንምርኻብ ዘሎኒ ሓያል ባህጊ አካፍለኵም። ንኣዅም ክቡር ርእሰ ብሔርን ንብምሉኡ ሕዝቢ ኢጣሊያን ምውዑቕ ሰላምታይ እናቕረብኵ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ሓባራዊ ምትሕብባርን ህድኣትን አተባብዕ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብቲ ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ግሪኽ ርእሰ ብሔር ካተሪና ሳከላሮፑሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ናብ ቆጵሮስ ዘካይዶ ምብጻሕ ንኸሳልጥ ብናይ ግሪኽ ናይ በረራ ዶብ ክሓልፍ እንከለኹ ንኩብርነትክን ንዜጋታት ሃገር ግሪኽን ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ። ድሕሪ ቆጵሮስ ነቲ ኣብ ግሪኽ ንዘካይዶ ሓዋርያዊ ምብጻህ ብሃንቀውታ እናጠመትኩ በረኸት ኣምላኽ ንዅሉ እምነ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቆጵሮስ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቆጵሮስ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቆጵሮስ
03 December 2021, 08:13