ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ቅድስና ጻዕርን ሕድገታት ጥራሕ ዘይኮነ ሓጐስ እውን እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ሕዳር ዓመትዊ በዓለ ኵሎም ቅዱሳን ምኽንያት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነገዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር “ብዘይ ሓጐስ እምነት ጽኑዕ ጻዕርን ጨቛንን ትኸውን ብጓሂ ድማ ክትሓምም ትኽእል እያ” ከምዝበሉን “ቅድስና ብሓገዝ እግዚኣብሔር እቲ ንዓለም ዝቕይር ትንቢት ብጹዓን እያቶም ምእንጋድን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ማለት ምዃኑ ገሊጾም ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም - “እቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ዓለም ዘይትግደሰሎም ቅዱሳን ብገንዘብ ብሓይልን ዘይኮነስ በጽዋር ጸሎት ኣቢሎም እያቶም ዝድግፍዋ!” ዝብል መልእኽቲ እውን ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ኵሎም ቅዱሳን ባሕቲ ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1-12 እተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ ግዚኣብሔር፥ ንገሊኡ ባህርያት ቅድስና እቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ትምህርቲ ብጽዕና ናይ ኢየሱስ መርሓ ግብሪ ተባሂሉ ዝግለጽ ትምህርቲ እንከብርሁ፡ “መልእኽትን መርሓ ግብርን ኢየሱስ መገዲ ትሕትና ለውሃት ልዝብነትን ፍትሕን ሰላምን” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥
ቅዱሳን ናይ ክርስትና ሓጐስ መሰኻኽር እያቶም
“ቅድስና ብጻዕርን ብሕድገታትን ጥራይ ዝግበር ናይ ሕይወት መርሐ ግብሪ ኣይኰነን ልዕሊ ዅሉ ብኣምላኽ እተፈቐርካ ውላድ እግዚኣብሔር ምዃንካ ዝፈጥሮ ሓጐስ ርኽበት እዩ።” እዚ ጒዳይ እዚ ንሰብኣዊ ስዕራን ዘይኮነስ እንቕበሎ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ እንክገልጹ፥
ቅዱሳን ኢና ከመይሲ እቲ ቕዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ህይወትና ክነብር ስለ ዝመጸ። ስለዚ ኸኣ ኢና ብጹዓን ዝዀንና። ክርስትና ዘምጽኦ ሓጐስ ቅጽበትዊ ወይ ቀሊል ሰብኣዊ እወታዊ ኣረኣእያ ዘይኰነስ ንዅሉ ኵነታት ብፍቕሪ ተደሪኹ ብትብዓትን ብርታዐን ብፍቕራዊ ሓልዮት እግዚኣብሔር በቲ ካብ ኣምላኽ ብዝመጽእ ሓይሊ ኣቢሉ ከምዝስገር ርግጸይና ካብ ምዃን እዩ። ቅዱሳን ኣብ ብዙሕ ጸበባ እውን ከይተረፈ ነዚ ሓጐስ እዚ ይነብርዎን ይመስክርዎን፡ ብዘይ ሓጐስ እምነት ጽኑዕ ጻዕርን ጨቛንን ትኸውን ብጓሂ ድማ ክትሓምም ትኽእል። . . .
ቢሎም ኣተሓሒዞም ብዛዕባ እቲ ሓደ ካብ ባሕታውያን ኣበው ጓሂ “ንሕይወት ዘበላሽው ሓሰኻ ልቢ” እንክብሉ ዝሃብዎ መብርሂ ጠቒሶም፥ ነዚ መሰረት ገይሮም ኵሉ ንገዛእ ርእሱ “ሕጒስ ክርስቲያን ድየ ቢሉን - ሕጒሳት ክርስቲያን ዲና ቢልና ንሕተት። ሓጐስ ዲና እነስፍሕ ወይ ከኣ ገጽ መቓብር ዘሰልኪ ጓሂ ኢና ነስፍሕ። እምኣበር ብዘይ ሓጐስ ቅድስና ከምዘየለ ኣይንረስዕ! ብዘይ ሓጐስ ቅድስና የልቦን።”
ምልኣት ህይወት ኢየሱስ ብምስዓብ ዝብጻሕ እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ምስ ከምዚ እዩ ዝግበር ዝብልን ምስ ግዜ ኣምጸኦ ዝውሕዝ ጸረ ምስሉይነት ዝኾነ ብጽዕና ንድኻታትን ንጽጉማትን ንዝጠመዩን ደለይቲ ፍትሒ ሰባት ብጹዓን እያቶም ዝብል ትምህርቲ”
ዓለምሲ ሓጐስ ንምርካብ ሃብታም ሓያል ወትሩ መንእሰይ ምዃን (ጸላእ ብዕድመ ምድፋእ) ከምኡ እውን ዝናን ኣሳልጦን ልዕናን ክትረክብ ከም ዘሎካ እዩ ዝገልጽ። ኢየሱስ ነዚ መለክዒታት እዚ ኣወጊዱ ትንቢታዊ መልእኽቲ ኣበገሰ - ንዕኡ ብምስዓብን ቃል ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ናይ ሓቂ ምልኣት ህይወት ይርከብ። እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጥኻ ድኻ ምዃን ማለት እዩ። ንኣምላኽ ቦታ ንምሃብ ገዛእ ርእስኻ ባዶ ምግባር ማለት እዩ። እቶም ሃባትም ዓወትን ቅሳነትን ከም ዘለዎም ዚኣምኑ ኵሉ ነገር ኣብ ገዛእ ርእሶም የሰርቱን ንእግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ገዛእ ራሶም ዕጽዋት ይዀኑ። እቶም ድኻታት ምዃኖም ዚኣምኑን ግና ንገዛእ ርእሶም እዅላት ከምዘይኮኑ ዚኣምኑ ግን ንእግዚኣብሔርን ነሕዋትን ክፉታት እያቶም። ኣብዚ ድማ ሓጐስ ይርከብ!
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ኣስዒቡ፥
ትምህርቲ ብጽዕና፥ ትንቢት ሱር በተኻዊ ለውጢ ንዓለም እዩ
ቅዱስነቶም ትምህርቲ ብጽዕና ትንቢት ሓድሽ ሰብኣውነት ማለት ብዛዕባ ሓድሽ ኣነባብራ ዝሕብር ምዃኑ እንከብርሁ፥
ካብ ካልኦት ጸብለል ኣክንዲ ምባል ንርእስኻ ከተንእስን ንኣምላኽ ሕድሪ ምእንቲ ክትህብን። ገዛእ ርእስኻ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝጽዕን ክኸውን ኣብ ክንዲ ምፍታን ዓቃል ምዃን፡ ብዛዕባ ርእስኻ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትሓስብ ገባር ምሕረት ምዃን ንኻልእ ምሕላይን ምእንቲ ፍትሕን ሰላም እትዓዪ ምዃን፡ ቅድስና እቲ ንዓለም ዝልውጥ ትንቢት ብሓገዝ እግዚኣብሔር ኣብ ህይወትካ ምእንጋድን ኣብ ግብሪ ምውዓልን። ድሕሪኡ ንርእስና ከምዚ ኢልና ክንሓትት ንኽእል፥ ትንቢት ኢየሱስ እምስክር ድየ? ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝረኸብክዎ ትንቢታዊ መንፈስ እገልጾ ዶ? ወይ ከኣ ንዝዓዪ ጽቡቕ እንተ ዀይኑ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ከም ዝኾነ ገይረ ብምሕሳብ ነቲ ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክዎ ምሾትን ትህኪትን እየ ልማዱ ዝገብሮ? ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ እተነበዮ ዜሐጒስ ሓድሽ ትንቢት ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ጌጋ ዜግልጽ ልሙድ ምዕርምራም ኢየ ዘብጽሕ? እዘን ሕቶታትን እዚኣተን ንገዛእ ርእስና ምቕራብ ንዓና ክሕሸና እዩ።
ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም፥ ቅድስተ ድንግል ማርያም “ካብቲ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም ንሓያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም ንዝተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም ዝብል መንፈሰይ ንእግዚኣብሔር ኣምላኸይ ተዕብዮ ጸሎት ምስጋናኣ ኣቢላ “ ባራኺ መንፈሳ ከተካፍለና በማላድነታ ንጸሊ ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።