ር.ሊ.ጳ. መበል 40 ዓመት ኣስታሊ መእለይ ስደተይናታት፥ እናዓበየ ናይ ዝኽይድ ‘ንሕና’ ተስፋ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ስነ ስርዓት “ወጅሂ ናብ መጻኢ” ብዝብል ኣርእስቲ እቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝቖመን በቲ ማሕበር ዝመሓደር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መእለዪ ማእከል ጨንፈር ኢጣሊያ መበል 40 ዓመት ምስረታኡ ዝኽሪ ምኽንያት ብምግባር ናብ ዝቐረበ ናይ ኣሳእል ምርኢት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ተስፋ ዝግበረሉ ባህሊ እናዓበየ ብምኻዱ ካብ ሕሉፍ ጌጋታት የዕቍበና። ስደት መብዛሕቲኡ ግዜ “ምስ ሰብኣዊ ምድረበዳነትን” ከምኡ እውን ምስ “ዓለም ለኻዊ ዘይምግዳስን” ዚጋጮ “ናይ ሓቂ ሓርነት” ከም ዘይኰነ የጒልሑ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ናብቲ ናይ ኢየሱሳውን ማእከል መእለይ ስደተይናትትን ተመዛበልትን ጨንፍር ኢጣሊያ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ቅዋሜ ዝቐረበ ስነ ስርዓት ምረቓ መኽፈቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ክሳብ ዕለት 28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ንዝኽሪ እዚ በዓል እዚ ብፍራንቸስኮ ማላቮልታ ዝተሳእለ ኣብ ጐደናታት ከተማ ሮማ ወጅሂ ስደተይናታት ዘርእይ ታሪኽ ስደትን ስደተይናታትን ዘዘንትው ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣድሪያን ዘኵሪናል ዚቐመ ምርኢት ክሳብ ዕለት 28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ንበጻሕቲ ክፉት ከምዝኸውን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ምርኢት ኣሳእል ናይ ሮማ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ጨንፈር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ መሪቖም ከምዝኸፈትዎን ኣብቲ ስነ ስርዓት ናይ ዞባ ላዚዮ ኣመሓዳሪ ኒኮላ ዚንጋረቲን ናይ ሮማ ከንቲባ ሮበርቶ ጓልቲየሪን እውን ከምእተረኽቡ ኣፍሊጡ።
ቍጽሪ እቶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ይውስኽ ኣሎ
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቶም ኣብ ዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመት ናይቲ ማእከል ኢየሱሳውያን መእለይ ስደተይናታት ዋና ኣመሓደርቲ ኮይኖም ዘገልገሉን ናይ ኢየሱሳውያን መእለይ ስደተይናታት መደብ ዘንቀሉን ዘኪሮም እቶም በዚ መእለይ ስደተይናትት ዝተኣልዩ ብዙሓት ምዃኖምን ገሊጾም እቲ መእለይ ስደተይናታት መግቢ ወይ ናሕሲ ጥራይ ዘይኩነስ ኣብ ርክቦምን ሓባራዊ ምፍላጥን ንኽዓብዩ ሕንጸት ከምዝረኸቡን “ናብ ሓርነት ኣብ ዚግበር ጒዕዞ ንኺሳተፉ ዘለዎም ስምዒትን ብርታዐን” ኮይንዎም እዩ ቢሎም፥
ኣርብዓ ዝብል ቍጽሪ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ምወከሲታት ዘለዎ ቍጽሪ እኳ እንተዀነ ብዛዕባ እቶም ናብ ምድሪ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም ንኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ እተጓዕዙ ህዝቢ እስራኤል ከም እንዝክር ኣየጠራጥርን እዩ። ካብ ጊልያነት ሓራ ዝወጹ ወለዶ ህዝቢ ንምዃን ብዙሕ ጸገማት ዘለዎ ግዜ ኣሕሊፉ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመታት ታሪኽ ወድሰብ ከይተረፈ መስመራዊ ምምሕያሽ ኣይገበረን ከመይሲ ቍጽሪ ኣቶም ካብ ሃገሮም ክሃድሙ እተገዱ ሰባት ብቐጻሊ ይውስኽ ስለ ዘሎ።
መብዛሕቲኡ ግዜ ኣንጻር ምድረ በዳ ደቅሰን ኢኻትኵም እትቃለሱ
“መብዛሕትዅም ካብቲ ምስ ጊልያነት ዚመሳሰል ኵነታት መነባብሮ ክትሃድሙ ኣለኵም - ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ መሰረታዊ ክብረት ዝዕንቅጽ ከም ንገር ዘርኢ ኣመለኻኽታ ከም ዘሎን . . .
ብዘይ ናጽነትን መሰላትን ምንባር ኪበሃል እከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጡ ኢኻትኩም፡ ምድርኹም ክትነቅጽ ከላ ማይኵም ተበኪሉን . . . ናብ ካልእ ዘተኣማምን ቦታ ካብ ምኻድ ካልኣ ኣማራጺ የብልኵም። እቲ ዘሕዝን ግን ጒዕዞ ምግባር መብዛሕቲኡ ግዜ ናይ ሓቂ ሓርነት ኣይከውንን። እዚ ጒዳይ እዚ ዓለምለኻዊ እናዀነ ዝኸይድ ዘሎን ኣብ መንጐ ሰባት ዘሎ ርክብ ዘዳኽምን ምድረ በዳ ሰብኣውነት ይጋጥመኩ እዩ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ታሪኽ ናብ ሕሉፍ ከምእተመልሰ ዝሕብር ምልክታ ኣርእዩ እዩ” ቢሎም፥ “ኣብ ብዙሓት ዞባታት ዓለም ከም ብሓድሽ ዝለዓዓል ዘሎ ግጭትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሕንጸት ፈላላይ መናድቕን ንምንቅስቓስ ደቅሰብ ኪቘጻጸርዎ ዘኽእል መሌ እንኮ መፍትሒ ገይሮም ዝርእዩ መንግስታት” ከምዘለዉ ብሓዘን ይገልጹ።
ስደተይናታት ተስፋ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ክብ እናበለ ናይ ዝኸይድ “ንሕና” ተስፋ
ነቲ ኣብዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እውን ከይተረፈ “ከም ሓድሽ ህዝቢ መጠን ናብ ዝዓበየ ንሕና ንምብጻሕ ብሓንሳብ ክንመላለስ ከም እንሓልሞ” ዚገልጽ ምልክታ ተስፋ ኣይንርስዖን ኢና። ነቶም ፍቑራት ስደተይናታት” ብቐጥታ ኪዛረብዎም እንከለዉ ከኣ “ምልክት ወጅሂ እዛ ተስፋ እዚኣ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ብዙሓት ሰባት ዘይስገር ዚመስል ጭቡጥ ኵነታትን ጸጋማት ኬጋጥመካ ኸሎ ብትብዓት ዜጸናዓካ እተማልአን ዜሐጒስን ህይወት ክትረክብ ሃረር ትብል ኢኻ። ኣጋጣሚ ምስ ዝወሃካ ንኽንፈልጦን ንኽንርድኦን ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ንኽንደግሞን ህልው ኵነታት ንኽንቅይርን መጻኢ ሰላም ንኽንሃንጽን ዜኽእለና ኣገዳሲ ቃላት ትህቡና። ብዛዕባ እቶም ኣብዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን ንማእከል ኣስታሊ መእለይ ስደተይናታት ግዜን ጒልበትን ዝሃቡ ብዙሓት ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣንስስትን ኣሰብኡትን ዝገልጽ ዛታ እውን ምልክት ናይዚ ተስፋ እዚ እዩ።
ከምብዘሉ ኣፍሊጡ።
ናይ ምርኻብ ባህሊ ኪረጋገጽ ዝምነ ናይ ተስፋ መልእኽቲ
ቅዱስነቶም “ተሓባበርቲ ስለ ዝኾኑ ነቲ ማሕበረሰብ ዘለዎ ስፍሓት ናጽነት ብኸመይ ከም ብሓድሽ ክረኽብዎ ከም ዝክእሉ ዝለ ዝፈልጡ ከም ሓደ መለለዪ ልብሲ ዘይኮነስ ከም ሓድነት ዘለዎ ህዝቢ መጠን ኣብ እተፈላለየ ባህልታት እተፈላለየ ስለ ዝኾነ ከም ናጻ ዝኾነህዝቢ ሓቢሮም ክነብሩ” ባህጊ ከም ዘለዎም ገሊጾም። ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቲ ድማ ጠቒሶም፥ “ብሕህዝብታት ሕውነት ዝቖመ ሓባራዊ ቤት” ዝብል ሓሳብ ኣጒሊሖም፡ ኣብ ስእልታት እቲ ምርኢት ዚርአ ወጅሂ ሰብኡትን ኣንስትን “ንጡፋት ክፍሊ እተን ከተማታት ከም ስፍራ ሓባራዊ ህይወት ክንከውን” የለዓዕለና ከም ዘሎ ቅዱስነቶም ገሊጾም ኣስዒቦም፥
ምሉእ ዜግነት ዘለዎም ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰብኡትን ኣንስትን ኮይኖም ዚድግፉ ማሕበረሰባት ኣብ ምንህናጽ ቀንዲ ተዋሰእቲ ብምዃን ዝሳተፉ ምዃን። ኣብቲ ዝኽሪ እቲ ልባዊ ትምኒተይ እቲ “ናይ ምርኻብ ባህሊ” ብሓቂ ኪፍጸም ከም ህዝቢ መጠን ከኣ ክንራኸበሉ እንደሊ ቦታታት ከነናዲ ድልድላት ክንሃንጽ ንዅሉ ዝዘነቓቕሕ መደብ ክንነድፍ ኢና እንደሊ፡
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ፥ መጻኢ ብሰላምን ዘተን እዩ ዝሓልፍ
እቲ ናይ ስእሊ ምርኢት ብወግዒ ንምኽፋት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ መደረ ዘስምዑ ኣብ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝከታተ ጨንፈር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ፥ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም ዝገለጽዎ እቲ ማእከል ዘመሓደሩ ኢየሱሳውያን ዘኪሮም ዝበልዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምቅላሕ ብፍላይ ናይ ኢየሱሳውያን ኣብ 1980 ዓ.ም. ናይ ስደተይናታት ጒዳይ ዝከታተል ማእከል ክህሉ ዝገበሩ ኣብቲ እዋን ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ዝነበሩ ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ዘኪሮ፥ ኣብተን ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እቲ መንፈስ ብህይት ናይቶም እንተቘሰሉ እውን ክብረቶም ነቕ ዘይብሉ ኣንስትን ሰብኡትን ካብ ግጭት ለውጢ ከባቢ ኣየር ከምኡ እውን ድኽነት ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ናይ ዝስደዱ ገዓር ዘቓልሕን ስሌኦም ዝጣበቕን እዩ ቢሎም . . . “መጻኢ ደቅሰብ ብማሕበራዊ ምትእኽኻብ ስደተይናታት ብህንጸት ሰላምን ማሕበራዊ ዘተን እዩ ዝሓልፍ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብቲ ናይቲ ትርኢት መኽፈቱ መደብ ዝተሳተፉ በቲ ናይ ስደተይናታት መእለዪ ማእከል ተደጊፎም ሎሚ ገዛእ ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ዘለዎን ኣብዚ እዋን እዚ እውን ካብ ዝሕገዙ ዘለዉን ቀጥተይና ምስክርነት ከም ኣተሰምዐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።