ድለ

2021.11.07 Assisi 2021.11.07 Assisi 

መርሓ ግብር ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ከተማ ኣሲዚ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝሰርዕዎ ዕለተ ድኻታት ንምስንዳው ናብቲ ስሙ ዝወሰዱ ኣቦ ድኻታት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘቆሞ ገዳም ኣሲዚ ብምኻድ ንሓደ መዓልቲ ግላዊ ንግደት ብምፍጻም ነዚ ንመበል ሓሙሻይ ግዜኡ ዕለት 14 ሕዳር 2021 ዓም ዝዝከር ዓለምሓቆፍ ዕለተ ድኻታት ንድኻታት ንምርካብ ንዕለት 12 ሕዳር ኣብ ኣሲዚ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዝፍጽሙ ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ንናይ ሎምዘመን ዓለምሓቆፍ ዕለተ ድኻታት ንምዝካር ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኾነ ነጋድያን በዚ ፍሉይ ሓሳብ እዚ ንምጽላይን ንምስትንታንን ኣብ ኣሲዚ ከምዝጋብኡ እንክምልከት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስዞም ነጋድያን ንምርኻብን ሓሳባቶም ጽን ቢሎም ንምስማዕን ብሓባር ብምጽላይ ንድኻታት ንምክርካብን ናይ ሓደ መዓልቲ ሓውጾተ ኖልዎ ብዕለት 12 ሕዳርይ 2021 ዓም ከምዝፍጽሙ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

መርሓ ግብር ቅዱስነቶም!

ብናይ ሃገረ ጣልያን ኣቆጻጽራ ሰዓት ንግሆ ሰዓት 9 ቅዱስነቶም ኣብ ከተማ ኣሲዚ ከምዝበጽሑ እንክምልከት ኣብ ቅርዓት መካነ ንግደት ባዚሊካ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በቶም ናይ ዕለታቱ ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ዝኾኑ ድኻታት ዝተወከሉ ጒጅለ ድኻታት ከምኡ እውን ብሰበሥልጣን ናይቲ ዞባን ምእመናንን ተቅባል ክግበሮም ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ምቅባል ሥነ ሥርዓት ካብቶም ወከልቲ ድኻታት ንቅዱስነቶም ናይ መንፈሳዊ ነጋዲ መንጠሊናን በትርን ከወፍዩሎም ምዃኖምን እዚ ከኣ ምልክት መንፈሳዊ ነጋዲ ኣብ መካነ ንግደት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ተረኺቦም ንቃል ንምስማዕ ስንድው ምዃኖም ዘመልክት ምዃኑ እውን ተመልኪቱ።

ኣብ ባዚሊካ ቅ.ፍራንቸስኮስ!

ቅዱስነቶም ምስቶም ተቅባል ዝገበሉሎምን ሰላምን ውህበትን ዝዓደልዎምን ሰባት ተታሓሒዞም ናብ ባዚሊካ ምስ ኣተው፡ ዝተፈላለየ ምስክርነታት ትኽክል ንምዃን ሽድሽተ ድኻታት ክልተ ብቋንቋ ፈረንሳ ሓደ ብቋንቋ ፖልሽ ሓደ ካልእ ብቋንቋ እስፓኒሽ ክልተ ብቋንቋ ጣልያን ከቅርቡ ምዃኖም እውን ተገሊጹ።

ብድሕርዚ ቅዱስነቶም መልሲ ምስ ሃቡ ናይ ኣስተንትኖ ግዜ ተዋሂቡ ከባቢ ሰዓት ዓሠርተን ፈረቃን ነቶም ድኻታት ዝብላዕን ዝስተን ቀሪቡ ብሓባር ምስ ጸልዩ ውህበት ቅዱስነቶም ነቶም ድኻታት ክዕደልን መዛዘሚ ቃል ሰላምታ ቅዱስነቶም ቀሪቡ ናይቲ መድብ ፍጻሜ ከምዝኸውን ተገሉጹ።

ቅዱስነቶም ብሄሊኮፕተር ንከተማ ቫቲካን ክምለሱ እቶም ድኻታት ከኣ ብጳጳስ ኣሲዚ ብፁዕ አቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ ናይ ምሳሕ ግብዣ ክግበረሎም ትጽቢት ከምዝግበር ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

 

09 Nov 2021, 12:49