ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳያት ውግእን ዓመጻንዝኾኑ ሰባት ይጽልዩ

“ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ኣብ መቓብር እቶም ኣብ ኵሉ ክፍሊታት ዓለም ዘለዉ ምእንቲ ዝሓለፉ ፍቝራቶም ንኽጽልዩ ምስ ዝነግዱ” ብመንፈስ እሓብር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ፥ ዕለት 2 ሕዳር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኵሎም ሙታን ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ሮማ ናብ ዝርከብ መቓብር ፈረንሳ ክበጽሑን ዝኽሪ ሙታን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ሓቢሮም፥ ብምኽንያት በዓል እቲ ኵሎም ቅዱሳን ኣብ እተዳለወ ቅድስና ንምድንፋዕ ኣሚቱ ኣብ ዝካየድ ናይ ጒያ ስፖርት ንዝተሳተፉ ዘኪሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 2 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.00 ንዅሎም እቶም ካብ ምድራዊ ህይወት እተሰናበቱ ምእመናን ንምዝካር ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ወተሃደራዊ መቓብር ፈረንሳ ዝገብርዎ ምብጻሕ ዘዕርግዎ ቅዳሴን “ንዅሎም ሙታን ብፍላይ ከኣ ነቶም ግዳያት ውግእን ዓመጻን ዝኾኑ ሰባት ዝጽልይሉ ኣጋጣሚ” ምዃኑ ገሊጾም፡ ምስ ኵሎም “ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ኣብ መቓብር እቶም ኣብ ኵሉ ክፍሊታት ዓለም ዘለዉ ምእንቲ ዝሓለፉ ፍቝራቶም ንኽጽልዩ ምስ ዝነግዱ” ብመንፈስ እሓብር ቢሎም የረጋግጹ።

ቅድድም ቅዱሳንን ትምህርታዊ ዋጋ ስፖርትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብማሕበር ዶን ቦስኮ ኣብ ዓለም እተወደበ ተበግሶ ኣብ ቅድድም ቅዱሳን እተሳተፉ ሰላምታኦም እንከቕርቡ፥ “ሳላ እቲ ንደቂ ኮሎምቢያ ንምድጋፍ ዝገበርክምዎ ተበግሶ ትምህርታዊ ዋጋ ስፖርት ንምድንፋዕ” ኣድላዪ ምዃኑ ዘጒልሕ ተግባር እዩ ቢሎም፡ ኣስዒቦም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ “ሰናይ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳንን ናይ ኵሎም ቅዱሳን መፍንሳዊ ስንዮታን ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Nov 2021, 08:25