ድለ

መደብ ሓውጾተ ኖሎው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፊረንዘ  መደብ ሓውጾተ ኖሎው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፊረንዘ  

መደብ ሓውጾተ ኖሎው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፊረንዘ

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣኼባ በቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ግሪኽን ባልካንን ክሳዕ ፈረንሳን ስፐይንን ካብ ኩለን ሃገራት መዲትራኒያን ዝመጹ ኣቡናትን ሚእቲ ከንቲባታትን ዘራኽብ ምዃኑን ኣብ ለካቲት 2020 ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣጸቢቑ ቅድሚ ምትእትታዉ ኣብ ዝነበረ እዋን ናይቲ ኣብ ባሪ ዝተኻየደ ናይ መላእ ከባቢ ሜዲትራኒያን ሃገራት ኣቡናት ብሓባር ምስ ቅዱስነቶም ናይ ዘካየድዎ ዋዕላ መቐጸልታ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዕለት 27 ለካቲት ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንጐሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ቶስካና ርእሰ ዞባ ፊረንዘ ከተማ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ እዮም። ቅዱስነቶም ኣቐዲሞም ነቶም ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ዜጋታት ሰላምታኦም ከቕርቡን ምስ ኣባይቲ ስድራ ስደተይናታትን ክራኸቡ እውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ክሕብር እንከሎ፡ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ”ሜዲትራኒያን ምልክት ሓድነት እምበር ምልክት ፈላላይ ዶባት ከይኸውን መታን ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ. ካብ ፊረንዘ ከነተባብዕ ኢና” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ፓላዞ ቨኪዮ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ እተገብረ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ሓምሻይ ሃገራዊ ዋዕላ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ንካልኣይ ግዜ ዕለት 27 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ናብ ፊረንዘ ክምለሱ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣኼባ በቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ግሪኽን ባልካንን ክሳዕ ፈረንሳን ስፐይንን ካብ ኩለን ሃገራት መዲትራኒያን ዝመጹ ኣቡናትን ሚእቲ ከንቲባታትን ዘራኽብ ምዃኑን ኣብ ለካቲት 2020 ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣጸቢቑ ቅድሚ ምትእትታዉ ኣብ ዝነበረ እዋን ናይቲ ኣብ ባሪ ዝተኻየደ ናይ መላእ ከባቢ ሜዲትራኒያን ሃገራት ኣቡናት ብሓባር ምስ ቅዱስነቶም ናይ ዘካየድዎ ዋዕላ መቐጸልታ ኮይኑ እዚ ኣኼባ እዚ ርክብ ህዝብታት ባሕሪ መዲትራኒያን ነቲ ዝፈላሊ መንደቕ ንምእላይ ባህጊ ዝገበረ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድሽ መብጽዓ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ለካቲት ኣብ ፊረንዘ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ከምቲ ኣብ ባሪ ተኻይዱ ዝነበረ ዓውደ ርክብ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ባሕረ ሜዲትራኒያን ይብሉ ብጹዕነቶም፥ “ቅዱስ ኣቦና ነቲ ተበግሶ ይባርኽዎ ጥራይ ዘዪኮነስ ኣብታ ናይቲ ዓውደ ርክብ ናይ መዛዘሚት መዓልቲ ተሳቲፎም ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም” ከምዝበሉ ሓቢሩ።

ምስ ጳጳስ ዘሮሜ ኣብ ገማግም መዲትራኒያን ዚርከባ ፍልይ ዝበላ በርገሳውያን ትካላት ነቲ ኣብዚ ዘመናዊት ዓለም ዘሎ ብድሆታት ንምስጋር ዝገብርዎ ቃል ኪዳን ክሕድሳ እየን። ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ሓደ ዓመት ነቲ ብድሆታት “ነቲ እተቛረጸ ማእስር ዳግም ምሃንጽ ነተን ብዓመጽ ዝዓነዋ ኸተማታት ምዕባይ ስፍራ ኣታኽልቲ ከም ዝዕምብብ ምግባር ነቶም ዝጠፍኡ ተስፋ ከም ዝጸርጸሎም ምግባር ከምኡ እውን ነቶም ተዓጽዮም ዘለዉ ንሓዎም ከይፈርሕዎን ነዚ ድሮ ናይ ብዙሓት ናይ መቓብር ስፍራ ኮይኑ ዘሎ ባሕረ መዲትራኒያን ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ናይ ብምሉኡ እቲ ኸባቢ ኮይኑ ምርኣይ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎን የዘኻኽሩ።

ዕንቅፋታት ንኽትሰግሮ ዚድርኸካ

ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ ይብሉ “እቲ ዜጋጥመና ብድሆታት ነቲ ንመዲትራኒያን ዝምልከት ዕንቅፋታት ንምስጋር ከምኡ እውን ነቲ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ንምድልዳል ዜነቓቕሕ እዩ፣ ምስ ኣሕዋት ዝግበር ርክብ ብምእላም ጥራይ ኢዩ መስርሕ ሓድነት ከደንፍዕ ዝኽእል፣ ስለዚ ገማግም መዲትራኒያን ናብ ምልክት ሓድነት ደኣ እምበር ምልክት ፈላላይ ዶብ ከምዘይኰነ ንምርግጋጽ ካብ ፊረንዘ ንጅምር።”

መርሓ ግብሪ እቲ ናይ ፊረንዘ ርክብ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝገብርዎ ምብጻሕ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ተጀሚሩ እታ ዝተሳተፉላ ሄሊኮፕተር ኣብቲ “ልዎጂ ሪዶልፊ” ናይ ስፖርት ሜዳ ክትዓልብን ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ቅዱስነቶን ኣብቲ ኣብ ፓላዞ ቨኪዮ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ምስ ኣቡናትን ከንቲባታትን ክራኸቡ እዮም። ናይ ፊረንዘ ከንቲባ ዳሪዮ ናርዴላን ናይ ርእሰ ከተማ መዲትራኒያን ሃገራትን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲን ምስ ቅዱስነቶም ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ መደረ ኣስሚዖም ምስ ኣብቅዑ ኣስዒቦም ኣብ ኣዳራሽ ሊዮነ ንዝተረኽቡ ናይ ነኣሽቱ ከተማታት ዞባ ቶስካና ከንቲባ ሰላም ክብሉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቤተ ዳርመ ልክዕ ሰዓት 09.30 ናይ ንግሆ ምስ ስድራ ቤት ስደተይናታት ካብ ቤቶምን ንብረቶም ምስ ዝተመዛበሉ ዑቕባ ሓተትን ክራኸቡን ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ሰዓት 10.30 ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ መስቀል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣቤሔር ብሓባር ኣዕሪጎም ምስ ኣቅዑ ልክዕ ሰዓት 13.30 ብሄሊኮፕተር ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ክምለሱ ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ናይቲ ናይ ፊረንዘ ሓውጾተ ኖልዎ መርሓ ግብሪ ከምዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Nov 2021, 08:32