ብፍሕሽው ገጽ ንሕሙም ዝቀርብ ኣገልግትሎ ንዕለት ሕሙም ፍሉይ ትርጉም ይህቦ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ዓርቢ ዕለት 5 ሕዳር 2021 ዓም ቅዱስነቶም ካብ መንበረ ጴጥሮስ ነቂሎም ናብቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ተዓቊቦምሉ ዝነበሩ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ዝርከብ ጀመሊ ካቶሊካዊ ዪኒቨርሲቲ ሆስፒታል ነቲ ቅድሚ 60 ዓመት ብስም ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብ ውሽጡ ዝቆመ ክፍሊ መድሃትኒን መጥባሕትን ብምብጻሕ ናይ ምሥጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።
እዚ ቅድሚ 60 ዓመት ኣብ ሕምብርቲ ሮማ ዝተደኰነ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲን ሆስፒታልን ብበዓል ጥዑም ኣባ ኣጎስቲኖ ጀመሊ ዝተሓለነን ዕላማኡ ምሉእ ብምሉኡ ዘረጋገጸን ኣብ ር እሲ ምዃኑ ካብቶም ኣለው ዝበሃሉ ሆስፒታላትን ዪኒቨርሲታትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኰይኑ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሓካይም ዝለዓለ መጽናዕቶም ዘካይድሉን ምስክርነቶም ሒዞም ናብ ኣገልግትሎት ዝብገሰሉን ብምዃን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብ ዓቢ ንጥፈት የገልግል ኣሎ። ኣር እስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዙሕ ግዜ ዝሕከመሉ እውን ኣብ ኡ እዩ። ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብቲ ንመላእ ዓለም ዘሰንበደ ናይ ግንቦት 1981 ዓም ፈተነ ቅትለት ዝደሓኑሉ ኣብ ርእሲ ተኣምር እኖና ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ብውሕሉል ኣበርክቶ ናይዚ ሆስፒታል ክ ኢላታት ምዃኑ እንክዝከር ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሕክምና ኣባኡ ከምዝነበሩን ነቲ ልሙድ ናይ መል አከ እግዚኣብሔር ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎትን በታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተቀልቀሉላ መስኮት ናይዚ ሆስፒታል ከምዝመርሑ ዝዝከር እዩ። እቲ ጀመሊ ዝብል ሽም ከኣ ንዝኽሪ እቶም ነዚ ሆስፒታልን ዩኒቨርሲቲን ዝሓለኑን ዝተኸሉን ኣባ ኣጎስቲኖ ጀመሊ ኰይኑ በዚ ከኣ ጀመሊ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ብዝብል ስም እንክጽዋዕ ዝተፈለለየ ክፍልታት ይውንን። ክፍሊ ሕክምናን መጥባሕትን እውን ሓደ ካብቶም ሰፋሕቲ ክፍልታቱ እዩ።
ቅዱስነቶም ስብከቶም እንክጅምሩ ነዚ ታሪኽ ምስ ተንተኑ ዕለቱ መጀመርያ ዓርቢ ናይ ወርሒ ሕዳር ብምዃኑ ኣብቲ ዕለት ዝግበር ኣምልኾ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ብምዝኽኻር እቲ ሆስፒታል ከኣ ብስም ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ብምዃኑ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥማር ‘ንጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ እንከነስተንትን ብሠለስተ ቃላት ንመራሕ እዚኤን ከኣ ዝኽሪ ነዳዲ ፍቅርን ምጽንናዕን እየን’ ኢሎም።
ዝኽሪ!
‘ዝኽሪ ተዝካር እንክንብል ብልብኻ ናብቲ ጉዳይ ምልስ ምባል እዩ’ እንክብሉ ትርጉም ዝኽሪ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘እዚ ከኣ እቲ ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ብምውፋይ ልቡ ዝገለጸልና ትዕድልቲ ኰይኑ ፍጽምና ምሕረቱ ስለዘዘኻኽር ነቲ ብዘይምንም ውዑል ንሕና ምንም ከይገበረና ብነጻ ዝልግሰልና ሕያውነቱ ክንዝክር ይዕድመና’ ኢሎም።
ኣብ ዘሎናዮ ዘመን ምልስ ምስ እንብል ኩልና ብዝከውንን ብዘይከውንን ተሃዊጽና ንካል ኦት ኣብ ምህዋጽ እንርከበሉ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኸውን ይብሉ እሞ፤ ብሓጺሩ ናብ ልብና ስለዘይንምለስን ነቲ ዝተገብረልና ምሕረት ዘይምዝካርን ኰይኑ ግድን እዩ ካብ ልብናን ኣእምሮናን ርሕራሔን ድንጋጼን ክጠፍእ እንክብሉ ኣጠንቂቆም።
ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ስብከቶም ኣብቲ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብቲ ሆስፒታል ተዓቊቦምሉ ኣብ ዝነበሩ ንዝተገብረሎም ክንክን ብምዝካር እንደገና ዳግም ‘እግዚኣብሔር ይሃበለይ’ እንክብሉ ምስጋኖም ንብምሉኦም ሠራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል እንክገልጹ ‘ምናዳ ኣብዚ ግዜ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ነቲ ዘሕዝን ግዝያት እውን ምዝካሩ የድሊ እዚ ግን ንከሕዝነና ዘይኮነ ብዝሓለፈ ብዝረኸብናዮ ብርሃን መጻኢ ምርጫታትና መኣዝን ንከትሕዞ እዩ’ ኢሎም።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዛ ነጥቢ እዚኣ ንምብራህን ምስቲ ኩነታት ንምትእስሳርን ‘ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትና ኣቀዲሙ ልብና ዝትንክፍ ነገር እንከጋጥመና ነቲ ሰብ ወይውን ነቲ ኩነት ኣይርስዖን፤ እዙ ብሕማቅ ወይውን ብጽቡቅ ክኸውን ይኽእል፤ ዝኽሪ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝኽርና ይፍውስ ከመይ ናብቲ መሠረታዊ ዝኾነ ርሕራሔ ስለዝወስደና፤ ሠራውሩ ኣብቲ ቀንዲ መሠረት እዩ፤ ሕጽር ብዝበለ ከኣ ኣብ ሕይወትና ዝኾነ ይኹን ከምዝተፈቀርና ንፍለጥ ይብለና’ ኢሎም።
ነዳዲ ፍቅሪ!
ኣብ ዝኽሪ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ከም ካልአይቲ ነጥቢ ዘቅረብዋ ዝኽሪ ነዳዲ ፍቅሪ ጐይታ እንክኸውን እዚ ንማለቱ ዝግበር ዝኽሪ ዘይኮነ ነቲ ስለፍቅርና ኣብ መስቀል ዝተሰቅለን ብፍቅርና ዝቆሰለን ሃህ ቢሉ ዝተኸፍተን ልቢ ኢየሱስ ምስትንታን እዩ፤ እዚ ዘመልክቶ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ኰይኑ ብኣኡ ኣቢሉ በቊባቊ ከብዲ ወላድን ሓያል ፍቅሩን ዝገልጽ ኰይኑ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ እዚ ፍቅሪ እዚ ክንደይ ዓቢ ዋጋ ከምዝተኸፍሎ የዘኻኽረና፤ እዚ ከኣ እንትርፎ ዝነድድ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ንደቂሰባት እንተዘይኰይኑ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን፤ እንተደኣ ብሓቂ ን እግዚኣብሔር ክነፍቅር ደሊና ናብ ኩሎም ደቂሰባት ዘተኰረ ነዳዲ ፍቅሪ ክህልወና የድሊ፤ ነዚ ከኣ ብፍሉይ መንገዲ ኣብቶም ብጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝግለጽ ስቃይን ብሕትውና ምጒሳይን ዝግለጸሎም ኣህዋትናን ኣሓትናን ክንገብሮ የድሊ።
ምጽንናዕ!
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ናብታ ሣልሰይቲ ቃል ዝበልዋ ምጽንናዕ ምልስ ኢሎም፤ ‘እዚ መንፈሳዊ ሓይሊ እዚ ካብና ዘይኮነ ካብቲ ምሳና ዘሎ ማለት ካብ ኢየሱስ እዩ ዝመጸና፤ ኣብ ጽንኩር ግዚ ሓይልን ትብ ዓትን ዝህበና ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ እዩ፤ ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ክሳብ ክንደይ ደቀቅትን ተኣፈፍትን ድኹማትን ምዃና ርኢና ኢና፤ መዘና ኣልቦ ዝመስል ዝነበረ ም ዕባሌና ምናዳ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዘይሓሰብካዮን ዘይተፈልጠን ሕማማት ከምዘሎ ርኢና፤ ምስዚ ሕማም ንምንባርን ንምሕካሙን ንኩሉ ዝኸውን ሓለዋ ጥ ዕና ንምፍጣርን ገና ኣብ ብርቱዕ ቃልሲ ንርከብ’ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ንኩሎም ምእመናን ‘ኣጆኹም ብርግጽነት ምጽንናዕ እግዚኣብሔር ንቅድሚት ገስግሱ! ንክትጸንዑን ነንሕድሕድኩም ንክተጸናንዑን ክበድ ጾር ሓድሕድ ክትጾሩን ኣብ ግዜ ጸገም ነንሕድሕድኩም ብክብሪ ንክትቀባበሉን ጸጋኡ ክህበኩም ለምኑ። እዚ ከኣ ንመጻኢ ሓለዋ ጥዕና ምናዳ ንካቶሊካዊ ሓለዋ ጥዕና ነንሕድሕድካ እናተደጋገፍካን እናተቃረብካን ንዘሎካ እናተኻፈልካን ንቅድሚ ዘገስግስ መንገዲ እዩ’ እንክብሉ ኣተባብዑ።
ወፈያ ዩኒቨርስቲ ንር.ሊ.ጳ!
ኣብ ምጅማር እቲ ቅዳሴ ናይቲ ዪኒቨርሲት ሓላፊ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ንር.ሊ.ጳ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብማለት ዝተሰም ዖም ሓጐስን ምስጋናን ኣብ ዝገለጹሉ ግዜ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም መርኣያ ምስጋናን ግብረ ሠናይን ናብ ሊባኖስን ሶርያን ሱዳንን ብመንገዲ ቤትጽሕፈታት ምግባረ ሠናይ ር.ሊ.ጳ ዝ ዕደል መሠረታዊ ናይ ሕክምና ናውትን ኣፋውስን ከምዘወፈዩ ብምግላጽ እዚ ከኣ ነቲ መሓሪ ዝኾነ ፍቅሪ ኣምላኽ ንምምስካር ቤተክርስትያን ን እትገብሮ ተል እኮ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኰይኑ እቲ ትካል ኣብ መጻኢ እውን ጭቡጥ ምልክት ፍቅሪ ኢየሱስ ንምዃን ቤተክርስትያን ናይ ሜዳ ቤትሕክምና ኰይና ንኩሉ ክተገልግል ኣብ ትገብሮ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ግደኦም ከበርክቱ ስንድዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።
ኣብ ፍጻሜ እቲ ቅዳሴ ዋና ሓላፊ ዪኒቨርሲቲ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ሕጽር ብዝበለ ክፍሊ መድሃኒትን መጥባሕትን ን60 ዓመታት ብ ዓቢ ትግሃትን ተኣማነንትን ዘወፈዮ ኣገልግሎት ምናዳ ከኣ ኣብዘን ለበዳ ኮቪድ 19 ሓካይምን መማህራንን ኣለይቲ ሕሙማትን ዘርኣይዎ ተወፋይነትን ዘበርከትዎ ኣገልግትሎትን ዓቢ ምስክርነት ከምዝኾነ ብምግልጽ እቲ ‘ንቋንቋታት ኣእምሮን ልብን ኣእዳውን ኣዋሃሂድካ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ምስሊ ዘመደ ኣዳም ዘንጸባርቀሉ ሕሙም ምግባር’ ዝብል ተል እኮ ምሥረታ እቲ ተቊዋም ጸኒዑ ይቅጽል ምህላው ገሊጾም።