ር.ሊ.ጳ.፥ ጽምጺ ናይ ዝሞቱ መቓብር ሰላም ኪግበር ይጭድር፡ ኣጽዋር ውግእ ምምራት ይገታእ!
ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 2 ሕዳር መዓልቲ ዝኽሪ ኵሎም ሙታን ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ፈረንሳ ወተሃደራት ናይ መቓብር ስፍራ ነጊዶም መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጐን ጻዕዳ ዕንባባ ኣንቢሮምን ኣብ ፊት ናይ ፈረንሳ ወተሃደራት መቓብር ስፍራ ናይ ሕልና ጸሎት ከምዘዕረጉን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ውግእ ንደቂ ሃገር ዘህልኽ እዩ” ቢሎም “ቍጠባ ብኢንዳስትሪ ኣጽዋር ውግእ ዝጸንዕ ከይኽውን በቢ ዝከኣለና ኣበርቲዕና ንቃለስ” እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣሕዋተይን ኣሓተይን ደው በሉ! ኣጽዋር ውግእ ምምራት ኣቋርጹ! እዚ መቓብር እዚ ሰላም ይጭድር ኣሎ!” ዝብል ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ሕዳር መዓልቲ ኵሎም ሙታን ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ፈረንሳ ወተሃደራት ናይ መቓብር ስፍራ ነገዲም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዘቕረብዎ ተሪር ጻውዒት ከምዝኾነን፥ ከምቲ ዕለት 1 ሕዳር መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ምኽንያት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር “ውግእ - ነቶም ግዳያት ውግእ እናሓሰቡ - ዓለምን ሎሚ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም እናተዀላለፈ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዓለም እዩ” ቢሎም ወግእ ይኣክል ኣንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጻዕዳ ዕባባ ኣብቲ ናይ መቓብር ስፍራ
ኣብ ልዕል እቲ ናብቲ መቓብር ዘእቱ ማዕጾ፥ “መቓብር ወተሃደራት ፈረንሳ - ኣብ ዕርዲ ኢጣሊያ 1943 – 1944 ዓ.ም.” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ዝተነብሮ ኣፈት ቅዱስነቶም በጺሖምን ኣብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተሰውኡ ናይ ፈረንሳ ወተሃደራት ናይ መቓብር ስፍራ ነጊዶም “ምእንቲ ፈረንሳ ዝተሰውኡ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ዝተነብሮ ናይ ኵሎም ወተሃደራት መቓብር ፊት ተረኺቦም ጻዕዳ ዕንባባ ኣንቢሮም ርእሶም ኣድኒኖም ናይ ሕልና ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም ኣብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ኣብቲ ናይ ፍትሓት ስርዓተ ቅዳሴ ንኽሓብሩ ዝተረኽቡ ካህናት ብጽሞና ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ናብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ ሓያሎ ምእመናን ናብ ዝተረኽብሉ ስፍራ በጺሖም ኣብኡ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥
ኵላትና ነጋዶ ኢና
ቅዱስነቶም ኣብ ሰሜን ኢጣሊያ ኣብ ሓንቲ ቝሸት ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ መቓብር ስፍራ ኣፍደገ “እቶም እትሓልፉ ደው ኢልኩም ብዛዕባ እታ ስጒምትኹም ናይ መወዳእታ እንተዀነት ቢልኵም ሕሰቡ” ዝብል ዝተነብረ ጽሑፍ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዘስዕዎ ስብከት ዝዘከርዎ ሓሳብ ምልሲ ቢሎም ብምዝኽካር፥ “ህይወት ጒዕዞ እያ” ከምኡ እውን “ኵላትና ኣብ ጒዕዞ ኢና ዘሎና” – “ኣብ ህይወት ገለ ነገር ክንገብር ንደሊ እንተደኣ ዄንና ኣብ ጉዕዞ ምህላውና እናሓሰብና ይዅን” – “ኣብ ቅድሚ ብዙሕ ታሪካዊ ሓቅታትን ብዙሕ ኣጸጋሚ ኵነታትን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ናይ መቓብር ስፍራ መዓልታዊ እንወስዶ ብዙሕ ስጒምቲ ኣሎ፥”
ኵላትና ሓንቲ ናይ መወዳእታ ስጒምቲ እንወስደሉ እዋን ዘለዎም ኢና፡ ገሊኣቶም ክሳብ ክንድዚ ሕዙንን ዘሕዝን ተመክሮ ዘቓልሑ ኣይትዅኑ ክብሉኒ ይኽእሉ፡ ሓቂ ግን እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ ናይ መወዳእታ ስጒምቲ እዩ . . . ናይ መወዳእታ ስጒምቲ! ኣብ ጒዕዞ ህይወት ደኣ እምበር መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ቤተ ሙከራ ኣይኮናን ዘሎና”
ውግእ ህዝቢ የህልኽ
እዞም ኣብዚ መቓብር ስፍራ ዘለዉ ዝተቐብሩ ወተሃደራት፥ ኣብ ውግእ ዝሞቱ እያቶም ንሃገሮምን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ንኽጣበቝ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዘሕዝን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኾነ ፖለቲካ ንኽኣልዩ ተጸዊዖም ኣብዚ ዓላማ እዚ ዝተሰውኡ እያቶም።
እዞም ግዳያት ውግእ እዚኣቶም ናይቲ ደቂ ሃገር ዘህልኽ ውግእ ግዳያት እያቶም!
ኣምላኽ በስማቶም ሓደ ብሓደ ዝፈልጦም
ቅድነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ መቓብር ናይ ዝተቕብረ ወተሃደር ልዕሊ ኣብ ዘሎ እምነ መቓብር ዝተወቀረ ስም የሎን “ምእንቲ ፈረንሳ ዝተሰውአ” ዝብል ጽሑፍ ኢና እነንብብ፣ ብዙሕ እዋን ስም ዘይብሉ ምእንቲ ሃገር ናይ ዝወደቑ መካነ ማቓብር እውን እዩ። እግዚኣብሔር ግና ናይ ነፍሲ ወከፎም ስም ይፈልጦ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስም ኵላትና ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ኣሎ፡ እዚ ናይ መቓብር ስፍራ እዚ ናይቲ ዘሕዝን ውግእ ታሪኽ እዩ፡ እንተዀነ ግን ንሕና ኣብ መገዲ ዘሎና ውግእ ምእንቲ ከይህሉ ዝከኣሎም ዝግበሩ ዲና? ቍጠባ ብኢንዳስትሪታት ኣጽዋር ውግእ ዝጸንዐ መታን ከይኸውን ዝከኣሎም ዝገብሩ ዲና?
ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥
መቓብር ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ
ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እቲ መቓብር እዩ ሰባኺ ክኸውን ዘለዎ፥ እቲ ናይ መቓብር ስፍራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እዩ እቲ ስብከት ክኸውን ዘለዎ፥ “መቓብር ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ፥ ካብ መዓሙቕ ምድሪ ዝወጽእ ሰላም ዝጭድር ድምጺ።”
ኣሕዋተይን ኣሓተይን ደው እስከ ንበል! እቶም ኣጽዋር ውግእ እተምርቱ እዚ ተግባራትኵም ኣቛርጹ!
ንዝብል ሕሳብን ምልስ ቢሎም ብምቅላሕ፥“እቶም እትሓልፉ ደው ኢልኩም ብዛዕባ እታ ስጒምትኹም ናይ መወዳእታ ስጒምቲ እንተዀነት ቢልኵም ሕሰቡ” ዝብል ሓሳብ ደጊሞም ብምዝኽኻር ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣብቅዑ ናብ ሃገር ቫቲካን ተመሊሶም ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮ ናብ ዝርክበ በዓቲ ናብ ዘሎ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ነጊዶም ምእንቲ እቶም ቅድሚኦም ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሕልና ጸሎት ከምዘዕረጒ ኣፍሊጡ።