ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካቶሊካዊ ተግባር ናብቲ ኣምላኽ ዘይፈለጠሉ ቦታ “ምውጻእ” ማለት እዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካቶሊካዊ ተግባር ናብቲ ኣምላኽ ዘይፈለጠሉ ቦታ “ምውጻእ” ማለት እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካቶሊካዊ ተግባር ናብቲ ኣምላኽ ዘይፈለጠሉ ቦታ “ምውጻእ” ማለት እዩ!

ካቶሊካዊ ተግባር ብዘካይዶ መደባትን ብዝህቦ ኣገልግሎትን ብዙሕ ተፈላጥነት ዘዋህለለ እዩ፡ እቲ ሓደ ድማ “ሓቅን ወንጌልን ናብ በርገሳዊ ሃዋሁ ዘብጸሐ ናይ ኣትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ምዃኑ እቶም ብዙሓት ቅዱሳትን ብጹዓንን ዓለማውያን ምእመናን ኣባላት ናይዚ ማሕበር እዚ ዝምስክርዎን ዝነበርዎን ኣብነት ዝነብር እዩ

ንመበል 30 ዓመት ኣህጉራዊ መጋባእያ ካቶሊካዊ ተግባር ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ኣዚዩ ኣገዳሲ፥ “ተልእኾ ብውዕዉዕ ስምዒት ንሎማዊ ዓለም ክርስትያን ምሕናጽን ሕውነት ምስፋሕን እዩ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊ ተግባር ብፍሉይ ናይ ምምሃዝ ክእለት ዘይኰነስ ብሓንቲ ዕላማ ማለት “ንዅሎም ሰባትን ንዅሉ ኵነታትን ወንጌል ምብሳር” ካብ ዝብል ራእይ እዩ ተወሊዱ። ስለዚ ድማ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ምግልግሎ ማለት ኣብ ኵሉ ቦታ ኣብ ኵሉ እቲ ዘድልያ ቦታ ምርኻብ ማለት እዩ። ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ተግባር ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም በዚ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም ቅርበቶም ንመላእ ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ኣረጋጊጾም፥ እዚ ኣብ ሮማ ሕንጻ ዘማርያም ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዝካየድ ዓውደ ርክብ ዝበዓል ዘሎ በዓለ ምስረታ፥ ኣብ መንጐ “ዝኽርን ትንቢትን” ኵነት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልቦና ካርዲናል ፒሮኒዮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ነዚ ኣህጉራዊ መጋባእያ እዚ ናይ መጀመርታ ዓቢይ ድራኸን ደገፍን ዝኾኑ በዓል “ዓሚቝ ሕልሚ” ንፍቕሪ ብካቶሊካዊ ተግባር ምሱጥ ኣርጀንቲናዊ ብጹዕ ካርዲናል ኤድዋርዶ ፒሮኒዮ ዘኪሮም፡ ኣብ 1991 ዓ.ም. እቲ ዘሎ ኵነታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾን መንፈሳዊ ቃል ኪዳናትን ተወፋይነት ዝብል ህርኵት ጻዕርታትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ልኡካ ወንጌልን ጥልቂ ህዳሴ ክህልው ዝብል ሕቶ ዝጠልብ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፥ ካርዲናል ፒሮኒዮ ካቶሊካዊ ተግባር “ኣብን ምስን ካልኦት ሃገራት ብፍረኡ ሃብታምን ተስፋ ዝመልኦን ማሕበራዊ ተመክሮ ንምፍራይ” እቲ ካቶሊካዊ ተግባር ክፉት ክኸውን ዘተባብዑ በዓል ዓቢይ ልቦና እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣናስርን - ሱርን መንነትን

ካቶሊካዊ ተግባር ብዘካይዶ መደባትን ብዝህቦ ኣገልግሎትን ብዙሕ ተፈላጥነት ዘዋህለለ እዩ፡ እቲ ሓደ ድማ “ሓቅን ወንጌልን ናብ በርገሳዊ ሃዋሁ ዘብጸሐ ናይ ኣትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ምዃኑ እቶም ብዙሓት ቅዱሳትን ብጹዓንን ዓለማውያን ምእመናን ኣባላት ናይዚ ማሕበር እዚ ዝምስክርዎን ዝነበርዎን ኣብነት ዝነብር እዩ። እዚኣቶም ንቤተ ክርስቲያን ሃብትን ክቡር መዝገብን እያቶም። ይዅን እምበር ተሪኽ መስመራዊ ኣይኮነን፡ እቲ ዝርአ ቅልውላው ድኻም ዘይተገዳስነትን ዝበራረየሉ እዩ። ስለዚ ናበይ ንኸይድ ከም ዘሎና ምእንቲ ከይንርስዕ ኣናስርን - ሱርናን መንነትና ብዝተሓደሰ መንፈስ ክንዝክር ኣሎና ( . . . ) እታ ኣብ እተወሰነ ሓደ መዓልቲ ናብ ዓለም ናይ ዘምጽኣትና ኣደ ኣልባብ ምፍላጥ፥ ስለዚህ ሱርን መንነትን ምፍላጥ” ወሳኒ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዓለም ለኻዊ ተልእዀ

እቲ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ተኣፋፊ ምዃኑ ዘርእይ ዘሎ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ “ዓለም ብዘለካን ዘይብልካን ዝተገማምዔን ማዕርነት ዘይብሉ እውን እንተዀነ “ኵሉ ብማዕረ ተኣፋፊ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቲ ለብዒ ጥራሕ ዘይኮስ እንነብረሉ ዘሎና መዋዕል ብቍጠባውን ባህላውን ብኻልእ ዓውድታትን እውን ዓውሎማዊ ከም ዝዀነ እንርእዮ ኣሎና።  እቲ ዝኽሪ ናይ ሰላሳ ዓመት ህይወት ብሓደ ሸነኽ ናይ ሕይወት ዝኽሪ እዩ ፡በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ብድሆ እዩ። ናይታ ናብ ደጋውን ወሰናስንን ህልውናን ከተማታትን ምውጻእ እትብል ቤተ ክርስቲያን ብድሆ እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

“ኣብቲ ታሪኽ ዘብለሉ”

ቅዱስነቶ ኣብ መልእኽቶም ናብቲ “ህይወትን ታሪኽን ህዝብታትና ብዘይ ጽልኢ ብዘይ ፍርሂ ብዘይ ደርባዊ ኣፈላላይ ከምኡ እውን ምቁጽጻር እምነት ናይ ዝኾነ ይዅን ሰብ ዘይስምዖን ዘይረኣየሉን ቦታ” ናብ ዘብለሉ ምኻድ ይግባእ ቢሎም፥ ኣብቲ ሻቕሎትን ዓሚቝ ኣቛስልን ዝዓበየ ጭንቀትን ናብ ዘለሉ ቦታ ምባል፡ ኣብቲ ምዃን ናይ ህዝቢ ምርኻብ። ምኽንያቱ “እቲ ዝዓበየ ድኽነት ብዘይ እቲ ንህይወት ትርጉም ዝህብ እምነትን ብዘይ እቲ ንዕዮታትና ሓይሊ ዝህብ ተስፋን ብዘየደናግረና ፍቕሪ ዝተፈቐርና ምዃና ከይተሰመዓካ ምንባር እዩ፥ ብሓጺሩ እቲ ዝዓበየ ድኽነት ብዘይ ኣምላኽ ምንባር እዩ”፡ ስለዚ ካቶሊካዊ ተግባር ተልእኾኡ ኣብቲ ዝዓበየ ድኽነት ኣብ ዘለሉ ቦታ ዘገልግል፥ ናይ ክርስቲያን መጻኢ ንምምስራት ምዕያይ ዘይኰነስ እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ክርስቲያን ኵነት ብመሰረት ባህርትያ ደረጃታት ህይወቱ ዘሰንይ እዩ፥ እቲ ተልኾዅም እዚ ስለ ዝዀነ ናይ ሱታፌን ናይ ወንጌላውነትን ውዕዉዕ ስምዒት ዘለኩም ኵኑ” ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወንጌላዊ ሓሴት

ቅዱስነቶም፥ ካቶሊካዊ ተግባር “ነቲ ንዝቘሰለ ዓለም ዳግም ንምሕዋይን ንማሕበራዊ ሕውነትን ምሕዝነትን ምዕያይ እዚዩ ህጹጽ እዩ። ኣብቲ ክርስትያናዊ ድላይ ቅድስና እተመስረተ በቲ ኣብ ማተዎስ ወንጌል ምዕ. 25 “ስብከት ብጹዕና” ኣቢሉ ማለት ነቶም እዚዮም ኣብ ሓሳርን መከራን ስቓይን ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ምፍቃሮም ብምዕያይ ኣብ ልቢ ኵሉ ሓቀይና ክርስቲያናዊ መንፈሳውነት ምዝራእ” ዝብል ተልእዀ ዝስምዖን ናይዚ ተልእኾ እዚ ኣካል ምዃኑ ዝስቆሮን ዝትግብርን ክኸውን ተላብዮም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

29 Nov 2021, 09:10