ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤተ መጻሕፍትን ቤተ ምባብን ቫቲካን ስእላምዊ ምርኢት መሪቖም ከምዝኸፈቱ
ዕለት 5 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ እቲ ኣብ ቫቲካን ኣጸድ ቤልቨደረ ኣብ ዝርከብ ናይ ቫቲካን ቤተ ንባብን ቤተ መጻሕፍትን “ኵሉ - ደቅሰብ ኣብ ጒዕዞ” ዘርእስቱ ብስነ ጥበበይና ፒየትሮ ዝቐረቡ ኣሳእል ዘጠቓልል ናይ ጒዕዞ መልክኣ ምድርን መልክኣ ኡጦብያን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ባህግታትን ህልዮን ዘንጸባርቕ ምርኢት መሪቖም ክኸፍቱ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ስነ ጥበብን ታሪኽን ጥንቲ ዝነበረን ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎን ፍልጠትን ሓድሽ ርኽበታትን ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ኣጸድ በልቨርደ ዚርከብ ታሪኻዊ ኣዳራሽ ቤተ ንባብን ቤተ መጻሕፍት ቫቲካን ገለ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተኣከበ ሳሕቲ ዝርከቡ ጽሑፋትን ኣሳእልን ዘጠቓልል ምርኢት ዕለት 5 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተ መሪቖም ክኸፍቱ እዮም። እዚ ምርኢት እዚ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ናይ ቅዱስነቶም ዓዋዲ መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረን “ኵሉ - ደቅሰብ ኣብ ጒዕዞ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐርብ ኰይኑ፥ ስነ ጥበበይና ፒየትሮ ሩፎ ምስ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝተተሓሓዘ ዘቕርብዎ ኣሳእል ብፍላይ ዛዕባ ጒዕዞን ናይ መልክዓ ምድራዊ ጒዕዞን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ደቅሰብ ዝኽተልዎ ዝነበረ ሓባሪ ጒዕዞ መሳርሕን መልክዐ መሬት ዘርእይ መልእክዐ ኡጦብያን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ባህግታትን ህልዮን ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ ናይ ተጓዓዛይ ምዃን ባህርይ ዘንጸባርቕ ከምዝኾነን እቲ ምርኢት ብዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ጃኮሞ ካርዲናሊን ሲሞና ደ ክረሸንዞን ደሊዮ ፕሮቨርቢዮ ዝቐርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ቶለንቲኖ፥ ንናይ ምርኻብ ባህሊ ዘተባብዕ ምርኢት እዩ
ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ ንባብን ቤተ መጻሕፍትን ዋና ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ደ መንዶዛ እቲ ምርኢት “ናይ ምራኻብ ባህሊ ንምድጋፍን ንምትብባዕን” ኣጋጣሚ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ “እዚ ኸኣ ኣብ እዋናዊ ዓለም ናይ ሃገረ ቫቲካን ባህላዊ ግደ እንታይ ምዃኑ ዘንጸባርቕ እዩ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ኣብ ስልጣናዊ ትምህርትታቶም ‘ናይ ምራኻብ ባህሊ’ እንክብሉ ዘስምርሉ ኣምር ንምርዳእን ንምንባርን ዘተባብዕ እዩ” ኢሎም። እቲ ምርኢት ምስ ዝሓለፉን ዘለዉን ሰባት ዘራኽብ ዝተዓቐበ ፍልጠትን ኣብዚ እዋን እዚ ዘጋጥም ዘሎ ሕቶታትን ዘመላኽት ብዛዕባ ዝነበረና ጥራሕ ዘይኰነስ እንታይ ክንክነው ከም እንኽእል እውን ሓድሽ ኣረኣእያ ዘርህው ምርኢት እዩ፥ ኵላትና ኣሕዋት ዝብል ትምህርቲ ቅዱስነቶም ዘተሓሳስብ እውን እዩ ኢሎም።
ጒዕዞ ፍልጠት
ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍት ኣመሓዳሪ የኔታ ኣባ ቸዛረ ፓሲኒ እውን ብወገኖም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሓድሽ ኣረኣእያ ኸነጥሪ ነቲ ዘሎና ክንሓስብን ከነኽብርን ከነስፍሖን” ዝድርኽ ምርኢት እዩ ቢሎም ነቲ ብኸፊል ጥራይ እንፈልጦ ጹሑፋት ብምልኣት ንኽንፈልጦን ዘነቓቕሕ ጥንቲ ዝነበረን እናተሰጋገረ ዝመጹ ቅርስታትና ሎሚ እውን ዝተዓቀበ መግለጺ መንነት ቫቲካን ዘርእይ እውን እዩ። እቶም መልክዓ ምድሪ ሓባርያን ጉዕዞ ኣሳእል፥ ወዲ ሰብ ተጓዓዚ ምዃኑ ዘብርህ እውን እዩ” ኢሎም።
ሕልምታትን ባህግታትን ፍካሬን ሰብኣዊ ፍጥረት ዘጒልሕ ምርኢት
ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዝሓለፈ ጥንታዊ ታሪኽ ዝፈጸሞም ኣድካሚ ናይ ነዊሕን ርሑቕን ጉዕዞታት መልክኣ ምድራዊ ኪደታቱ ዝሕብር ኣሳእል ኣደጊፉ ንኣብነት ናይ ኤቨሊያ ሰለቢ ናይ ጥበብ ስራሕ ውጽኢት ዝኾነ ናይ ናይል መልክዓ ምድሪ ዘርእይ ክፍሊ ዘጠቓልል መደብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸሙ ሰብኣውያን ጒዕዞታት ዝኸፈቶ ፍልጠትን መራኽቦን እዚ ኸኣ እንነብረላ መሬት ዝገልጽን በዚ መዳይ እዚ እውን ናይ እምነት ታሪኽ ዝነገርን ሕልምታትን ባህግታትን ፍካሬን ሰብኣዊ ፍጥረት ዘጒልሕ ምዃኑ የመላኽት።