ድለ

ብሓርነት ክርስትና ምንባር ሓደ ካብተን ዝበለጻ ነገራት ስለዝኾነ ሠናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ! ር.ሊ.ጳ

‘እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሠናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ። እምበኣርሲ ጊዜ ኸሎና፡ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ሥድራ ቤት ሠናይ ንግበር። . . .ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።’ (ገላ 6.9-10,18)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ነቲ ብዛዕባ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ኣብ ምዝዛም በጺሕና፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ብዙሕ ክነስተንትን ምኸኣልና ከመይ ቃል ኣምላኽ ዘይነጽፍ ፈልፋሊ እዩ። ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ከም ሰባኬ ወንጌልን ከም ሊቅ ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ከም ጓሳን ተዛሪቡና።

ናይ ኣንጾክያ ቅዱስ ኣቡን ኢግናጽዮስ ጽብቅቲ መግለጺት ነበረቶ፤ ናብ ሰብ ኤፌዎስን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ‘ዝተዛረቦ ኩሉ ዝተፈጸመ ሓደ መምህር ጥራይ ኣሎ፤ እቲ ዝኾነ ኩሉ ከኣ ብሱቊታ ስለዝገበሮ ንክብሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ኮነ፤ ቃል ኢየሱስ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ሰብ ነቲ ሱቊታኡ እውን ከዳምጽ ይኽ እል’ (15,1-2) እንክብል ይጽሕፍ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዙይ ሱቊታ ኣምላኽ ድምጺ ክህቦ ክ ኢሉ ክንብል ንኽ እል። መበቆላዊ ዝኾነ ርድኢቱ ነቲ ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰዊሩ ዝነበረ ዘደንቅ ሕዳሴ ንምርካብ ይሕግዘና። ንምሥጢረ ክርስቶስ ብዕምቈት ዘስተንተነን ብልሃት ብዝመልኦ ፍልጠቱ ዘሰጋገረን ዓቢ ሊቅ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ነበረ። ንተልእኮ ስብከተ ወንጌሉ ኸኣ ኣብ ሓንቲ መኣዝና ዘጥፍኣትን ዝተደናገረትን ማሕበረ ክርስትያን ብዓቢ ውሕልነት ንምፍጻም እውን ክኢሉ እዩ። ነዚ ከኣ ዝተፈላለየ ኣገባባት እናተጠቅመ ፈጸሞ፤ ሓንሳእ ሓንሳእ ቅኔ ሃይለ ቃልን ካልእ ብልሓትን ተጠቂሙ ቀንዲ ሥልጣን ተልእኮ ሓዋርያነቱ የርኢ ነበረ፤ እንተኾነ ማዕረ ማዕረ እዚ ሓይሊ ድኻምነት ጠባዩ እውን ኣይሓብአን። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡ ብሓቂ ከምሰርሐ ከምኡ እውን እታ ካብ ሙታን ተፈልዩ ምስ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝገበራ ርክብ ንሕይወቱ ምሉእ ብምሉኡ ከምዝለወጦን ንሱ ከኣ ኩለንትናኡ ንኣገልግሎት ወንጌል ከምዘወፈየ ንምልከት።

ቅዱስ ጳውሎስ ዘቅርቦ ክርስትና ብቀሊሉ ዝንበር ምንም ፈተናን ሓይልን ዘይብሉ ኣይኮነን ከምኡ እውን ሓሲቡ ኣይፈልጥን። እኳ ደኣ ተጻይ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነታ ክሳብ ሎሚ ልቢ እትትንክፍ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሕማማት ዘምጸኣልና ሓርነት ተኸላኺሉ፤ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ጐይታ ዝተቀበሎ ስቃይን ተነጽሎን እንክንሓስብ ልብና ወትሩ ይትንከፍ። ንሱ ጥራይ ንበይኑ ክምልሸላ ዘለዋ ጸዋዕታ ከምዝተቀበለ ርግጸኛ ነበረ፤ ነቶም ከማኡ ነዛ ሓርነት እዚኣ ተጸዊዖም ዝነበሩ ሰብ ገላትያ እንተኾነ ብዝተፈላለየ ባርነት ዝጅልሕዋ ንዝነበሩ ክገልጸሎም ደለየ፤ ከመይ ንሶም እውን ነታ ብኪዳን ኦሪት ዝተዋህበት ተስፋ ወረስትን ብኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ ኣምላኽ ክኾኑ ዝተዓደሉ ነበሩ። ነቲ ነዛ ሓርነት እዚኣ ከቢቡ ዝነበረ ሓደጋታት ይርዳእ ስለዝነበረ ከኣ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ፈጺሙ ኣትሒቱ ኣይረኣዮን፤ ንጳውሎስ በዛ ሓርነት ክርስትና ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ብሩህ ስለዝነበረ ኣፍኲሱ ክርእዮ ኣይደለየን፤ ስለዚ ኣግሂዱ ክዛረቦም ወሰነ፤ ሓርነት ክርስትና ማለት ድላይካ ክትገብር ስዲ ምኻድ ወይውን ርእሰይ ክኢለ እየ ቢልካ ከም ድላይ ፊዕ ኣይኮነን እንክብል ኣዳዕዲዑ ይነግሮም። እኳ ደኣ ብተጻዩ ነዚ ሓርነት እዚኣብ ጽላል ፍቅሪ ብምቅማጥ ትኽክለኛ ትርጉሙ ብፍቅሪ ምግልጋል ምዃኑ ሓገገሎም፤ እዚ ኩሉ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ኣብ ምንባር ጠርነፎ፤ እዚ ከኣ ነታ ንእስራኤላውያን ብእግዚኣብሔር ዝተዋበት ሕጊ ፍጽምና ብምሃብ ዳግም ናብ ባርነት ሓጢኣት ካብ ምውዳቅ ይሕሉ። እታ ፈተና ወትሩ ንድሕሪት ክትምለስ ምድላይ እያ፤ ቅዱስ መጽሓፋዊ መሠረት ዘለዋ መግለጺት ክርስትያን ‘ንሕና ክርስትያን ንድሕሪት ዘይምለሱ ሕዝቢ ኢና’ ትብል ጽብቅቲ መግለጺት ኣላ። እታ ፈተና ከኣ ርግጸኛታት ንምዃን ወትሩ ንድሕሪ ክትምለስ ምድላይ ማለት ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ሕይወት ራሕሪሕካ ናብ ሕጊ ኦሪት ምምላስ እያ፤ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህሮ ከኣ እቲ ሓቀኛ ፍጻሜ ሕጊ ኣብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ሕይወት ከምዝርከብ እዩ። እዛ ብመንፈስ ቅዱስ እትምራሕ ሕይወት ከኣ ብሓርነት ሓርነት ሓርነቱ ከኣ ብሓርነት ክርስትያን ጥራይ እያ ክትንበር ዝከኣል፤ እዚኣ ከኣ ካብተን ዝበለጻ ጉዳያት ሓንቲ እያ።

ኣብ ፍጻሜ እዚ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝተጐዓዝናዮ ኣስተንትኖኸስ ኣብ ሓሳባትና ክልተ ዝንባሌታት ዝውለዳ ኰይኑ ይረኣየኒ። ብሓደ ወገን ኣብ ልብና ዓቢ ምልዕዓል ዝገብር ትምህርቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ብኡ ንብኡ መንገዲ ሓርነት ማለት ብመንፈስ ቅዱስ እናተመራሕና ክንጐዓዝ ምድፍፋእ ይስመዓና፤ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ምጒዓዝ ሓርነት ወትሩ ሓርነት የልብሰና። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ድሩትነትና ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ይረኣየና ማለት ኣብቲ ዕለት ዕለት እንገብሮ ጒዕዞ ሕይወት ንመንፈስ ቅዱስ ምእዛዝ ነቲ ዝህበና ዘሥርሕ ጸጋ ንምቅባል ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንግንዘብ፤ በዚ ከኣ ነቲ ብመጀመርያ ክስምዓና ዝጸንሐ ሠናይ ምልዕዓል እዚ ድኻምነት እዚ ክገትኦ ንዕዘብ፤ ሽዑ ተስፋ ዝቈረጽና ድኹማት ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ካብቲ ዓለም እተወፍየልና ናብራ ምቾት ዝተገለልና ኰይኑ ይስመዓና። ነዚ ኩነታት እዚ ብከመይ ዝበለ መንፈስ ክንቅበሎ ከምዘሎና ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ሓደ መንገዲ ይሕብረና፤ ነታ ሓዋርያት ኣብ ቀላይ ብማዕበል ዝተፈተኑሉ ታሪኽ ወንጌል ይጠቅስ እሞ ‘ኣብ ልብኻ ዘላ እምነት ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ጃልባ ዝነበሮ እዩ፤ ጸርፍን ውርደትን ትቅበል ትደክም ብኩሉ ኩሉ ቅጭ ዘምጽእ ነገራት ይኸበካ እንተ ኢየሱስ ሱቊ ቢሉ ይድቅስ፤ ንኢየሱስ ቀስቅሶ ኣንቅሓዮ እምነትካ ኣበራብር! እቲ ማዕበል ዓቅልኻ ኣብ ዘጽብበልካ ግዜ እውን ከይተረፈ ገለ ክትገብር ትኽእል ኢኻ! እምነትካ ኣበራብር! ክርስቶስ ክበራበርን ከዘራርበካን ሃረርዶ ትብል! ስለዚ ንክርስቶስ ኣንቅሓዮ! ነቲ ዝተባህለ ብምሉእ ልብኻ እመን! ሽዑ ኣብ ልብኻ ዓቢ ህድኣት ክኸውን እዩ’ ይብል። ኣብ ጽንኩር ናብራ ሕይወትን ሓደጋን እንክርከብ ከምቲ ኣብ ግዜ ብርቱዕ ማዕበል ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ሓዋርያት ኢና ይብለና ኣሎ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፤ እቲኦም ሓዋርያት እንታይ ገበሩ! ነቲ ኣብ ጃልባ ዝድቅስ ዝነበረ ኢየሱስ ቀስቂሶም ኣንቅሕዎ! ማዕበል ነሩ እንተኾነ ንሱ እውን ኣብኡ ነሩ! ኣብ ሕማቅ ግዜ እንገብራ እንኮ ነገር ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ እንተኾነ ከምቲ ኣብታ ጃልባ ዝድቅስ ንዘሎ ኢየሱስ ቀስቂስካ ምንቃሕ እያ። ካልእ የለን በቃ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ ኢየሱስ ክነንቅሖ ኣሎና፤ ሽዑ ጥራሕ እዩ ንነገራት ከምቲ ንሱ ዝምልከቶም ክንምልከቶም እንኽ እል ከመይ ንሱ ንነገራት ክንዮ እቲ ማዕበል እዩ ዝምልከቶም፤ በቲ ሰላማዊ ዝኾነ ኣመለኻኽታኡ በይንና ኣይሽንኳይ ክንርእዮ ክንሓስቦ እውን ዘይንኽእል ሓዲስ ሰላማዊ ኣመላኽታ ክህልወና እዩ።  

ኣብዚ ብዙሕ ሥራሕ ዝሓትት እንተኾነ ዘደንቅ ጒዕዞ እዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ሠናይ ነገር ንክንፍጽም ብምንም ተኣምር ክንስልኪ ከምዘይብልና የዘኻኽረና፤ ሠናይ ነገር ንምግባር ኣይሰልኪ! ኣብቲ ወትሩ ኣብ ድኻምና ንረድኤትና ዝመጽእን ዘድልየና ደገፍ ዝህበናን መንፈስ ቅዱስ ክንተኣማመን የድሊ። ስለዚኸስ ብዙሕ ግዜ ንመንፈስ ቅዱስ ምልማን ንመሃር! ምናልባት ሓደ ካባኹም ኣባቴ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገቢርካ ይጽዋዕ! ከመይ ኣነ ወትሩ ብኣቡነ ዘበሰማያት ንእግዚኣብሔር ብሰላመ ቅዱስ ገብር ኤል መል አክ ከኣ ን እኖና ድንግል ማርያም ናብ ኢየሱስ ስቁል ብዝቀርብ ጸሎት ቅንዋትን ቊስልታትን ገቢረ ከኣ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ እጽሊ እንተኾነ ናብ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገቢርካ ይጽለ! ናብ መንፈስ ቅስዱ ዝቀርብ ጸሎት ኣየናይ ኮን ይኸውን! ቢሉ ክሓተኒ ይኽእል። ናብ መንፈስ ቅዱስ ዝቀርብ ጸሎት ትምህርቲ ኣየድልዮን ካብ ልቢ ሽዑ ንሽዑ ዝድረስ ጸሎት እዩ፤ ኣብ ግዜ ጸገም ‘ነዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ’ ክትብል ኣሎካ፤ እታ ተኣምራታዊት ቃል እዛ ንዓ እትብል እያ፤ እንተኾነ ብቋንቋኻ ብቃላትካ ክትብሎ የድሊ፤ ንዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጸገም ኣሎኹ! ኣብ ግብ ዝበለ ድቅድቅ ጸልማት ኣሎኹ! ዝገብሮ ኣይፈልጥን እሞ ኦ መንፈስ ቅዱስ ንዓ! ክወድቅ ዝተረፈኒ የለን ንዓ ወዘተ በል። እዛ ንዓ ትብልከስ መጸውዒት መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ቃል መንፈስ ቅዱስ እያ። ነዙይ ብገርሀይና ቃላት ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ናይ መዓልቲ ክንደግሞ ንኽእል፤ ኣብ ጅባና ንእሽቶ ወንጌል ክንማላእ ንኽእል እሞ ነታ ጽብቅቲ ጸሎት ቤተክርስትያን ‘ንዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማያ ሓንቲ ጩራ ብርሃንካ ስደደልና ንዓ ኦ ኣቦ ድኻታት ንዓ ኦ ዓዳሊ ጸጋትት ንዓ ኦ ብርሃን ኣልባብ ፍጹም መጸናንዒ ጥዑም ጋሻ ነፍሲ ወዘተ’ ንዓ ክንብል ንኽ እል፤  ጥዕምቲ ጸሎት እያ። ሕመረት ናይታ ጸሎት እታ ንዓ ትብል እያ፤ እኖና ድንግል ማርያምን ሓዋርያትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ ነዚ ጸሎት እዚ ይጽልዩ ነበሩ፤ በይኖም ኣብ ጽርሓ ጽዮን ኰይኖም ንመንፈስ ቅዱስ ይምህለሉ ነበሩ፤   ንዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ እናበልና ወትሩ ምጽላይ ክሕግዘና እዩ፤ ብህላዌ መንፈስ ቅዱስ ንሕና ሓርነትና ክንዕቅብ ንኽእል፤ በዚ ከኣ ሓራ ንኸውን! ሓራ ክርስትያን ኰንና ኣብ ሕሉፍ ኣይጠብቅን ግበር ኣይትግበር ካብ ዝብል ሓራ ኰና በቲ ዘዕብየናን ዘብስለናን ሓርነት ክርስትና ንምራሕ፤ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ሕይወት ሓርነትን ሓጐስን ዝዓሰሎ ሕይወት ንምዝውታር እዛ ጸሎት እዚኣ ክትሕግዘና እያ፤ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ክመጽእ እንከሎ ሓጐስ ይመጽእ! ሓቀኛ ሓጐስ! ጐይታ ይባርኽኩም።

 

ብድምጺ ንምክትታል!
10 November 2021, 13:08
ንኩሉ ኣንብብ >