ድለ

ንድኻታት ዓለም ድምጾምን ክብሮምን ንምለሰሎም! ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣሲዚ ምስ ድኻታት መላእ ዓለም

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓም ኣብ ከተማ ኣቦ ድኻታት ዝኾነ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣሲዚ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ሓውጾተ ኖልዎ ገሮም ካብ ምሉእ ኤውሮጳን ኣውራጃ ኡምብርያ ሃገረ ጣልያንን ዝተዋጽኡ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን መንእሰያትን ሽማግለታን ዝርከብዎም 500 ዝኾኑ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሓቢሮም ከምጸለዩን ቃሎም ከምዝሃቡን እንክምልከት ድሙቅ ኣቀባብላን ምስክርነት ድኻታትን ምስ ተሰምዔ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ነታ ንድሕሪ ጽባሕ ብዓለምለኸ ደረጃ ንሓሙሻይ ግዜኣ እትዝከር ዓለምሓቆፍ ዕለት ድኻታት ኣብ ኣሲዚ ኣብ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንምብዓል ንዘቅረብክዎ ዕድመ ብምቅባልኩም ምስጋናይ ኣቅርበልኩ። ኣሲዚ ከም ካል ኦት ከተማታት ማንም ከተማ ኣይኮነትን ገጽታ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ልባ ስኢላ እትጐዓዝ ከተማ እያ፤ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ነቲ ዘይቅሱን ሕይወት ንእስነቱ ኣብዘን ጐደናታት እዚአን ከምዘሕለፈን ንወንጌል ቃል ንቃሉ ንክነብር ክነብር ጸዋ ዕታ ምቅባሉን እንክንሓንስብ ንዓና ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ርግጽ እዩ ንገለና ቅድስናኡ ከፍርሃናን ከርዕደናን ይኽእል ከመይ ኣሰሩ ክትክተልን ክትመስሎን ዝከኣል ኣይመስልን፤ እንተኾነ ነተን ኣብ ምሉእ ሕይወቱ ዘዘውትረን ዝነበረ ቊርጺ ፍቃዳት ጽባቄ ጸዋዕታኡ ንምግላጽ ተኣኪበን እንክንጥምተን በቲ ገርህነት ልብን ሕይወትን ናይቱ ቅዱስ ክንሰሓብ ኢና፡ እዚ ስሕበት እዚ ከኣ ናብ ኢየሱስ ናብቲ ወንጌሉ ዝወስድ እዩ፤ ብተመኩሮ ሕይወት ዝሃብተሙ መንገዲ ቅድስና ኰይነን ካብ ብዙሕ ስብከታት ይበልጻ።

ካብተን ተኣኪበን ንሕትመት ዝበቅዓ ቊርጺ ፍቃዳት ድኻ ኣሲዚ ሓንቲ ክዝክር ደስ ይብለኒ፤ ንሱን ሓው ማሰዮን ንሃገረ ፈረንሳ ነቀሉ እንተኾነ ስንቅን ዕጥቅን ኣይነበሮምን፤ ኣብ ገሊኡ ግዝያት ክልምኑ ተገደዱ፤ ፍራንቸስኮስ ብሓደ ወገን ሓው ማሰዮ ከኣ ብካልእ ወገን ናብ ልመና ተዋፈሩ፤ ከምቲ ታሪኽ ዘዘንትዎ ፍራንቸስኮ ድቅቅ ዝበለ ስለዝነበረ ማንም ቤት ኣልቦ ኣብ ጐደና ዝነብር ለማኒ እንክመስል ሓው ማሰዮ ግን በዓል ቊመናን ግርማን ነበረ፤ በዚ ከምዚ ከኣ ፍራንቸስኮስ ንቁጽ ባኒ እንክረክብ ሓው ማሰዮ ብሉጽ ባኒ ክረክብ ከኣለ።

ክልቲኦም ተመሊሶም ኣብ መሬት ኰፍ ምስ በሉ ነቲ ዝረኸብዎ ኣብ ሓንቲ እምኒ ኣቀመጥዎ፤ ሓው ማሰዮ ንዝረኸቦ ባኒ ምስ ረኣየ ‘ሓው ማሰዮ ንሕና ነዚ ዓቢ መዝገብ እዚ ዝተገባእና ኣይኮናን’ ይብሎ፤ ሽዑ እቲ ሓው ተገሪሙ ‘ኣባ ፍራንቸስኮ ክሳብ ክንድዙይ ብድኽነት ተጸጊምና ንምንባር ዘድሊ ነገራት እኳ ኣብ ዘይብልና ብዛዕባ ኣየናይ ዓቢ መዝገብ ኢኻ እትዛረብ ክብል ይሓቶ፤ ሽዑ ፍራንቸስኮስ ‘ነዚ ስ እነት እዚ እየ ዓቢ መዝገብ ዝብል ዘሎኹ ዋላ ሓንቲ የብልናን እንተኾነ እቲ ዘሎና በቲ ነዚ ባኒ እዚ ዝሃበና ብሓልዮት ኣምላኽ ዝተለገሰልና እዩ’ በሎ፤ እነሆ እምበኣር ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በቲ ዝረኸብካዮ ቁሩብ ቁራቦ ተሓጒስካ ምኽኣልን ምስ ካልኦት ብልግሲ ተኻፊልካዮ ምኽኣልን ምፍላጥ እዩ።

ኢየሱስ ንቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንገዛኡ ከሐድሰሉ ምስ ሓተቶ ካብተን ከሐድሰን ዝመደበን ኣብያተ ክርስትያን ሓንቲ ዝኾነት ኣብ ፖርሲኡንኮላ ንርከብ ኣሎና። ኣብቲ ግዜቲ ጉይታ ሕዳሴ ገዛኡ ኪሓቶ እንከሎ ነታ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሕያዋን ኣእማን ኰይኖም ዘቁመዋ ቤተክርስትያን እምበር ነታ ብኣእማን ዝተሠርሐት ከምዝኾን ዝሕሰብ ኣይነበረን። ንሕና ሎሚ ኣብዚ እንክንርከብ ካብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝገበሮ ትምህርቲ ንምቅሳም እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብዛ ንእሽቶ ቤተክርስትያን እዚኣ ንነዊሕ ሰዓታት ምጽላይ ይፍተዎ ነበረ፤ ኣብዚ ብሱቊታ የስተንትን ነበረ ጐይታ ካብኡ እንታይ ከምዝደሊ ንምፍላጥ ከኣ  ከኣ ጽን ቢሉ ይሰምዕ ነበረ። ንሕና እውን ሎሚ ስለዚ ጉዳይ እዚ ኢና ኣብዚ መጺእና ዘሎና፤ ጐይታ ገዓርና ንክሰምዕ ክንልምኖ ንክረድ ኣና ቀልጢፉ ክመጽእ ንምሕታት እዩ። እታ ቀዳመይቲ ንድኻታት እተጓንፎም ተነጽሎ ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያት ከምዝኾነ ኣይንዘንግዕ፤ ንኣብነት ብዙሓት ሰባት ብዙሓት መንእሰያት ንድኻታት ንምሕጋዝ ግዜ ረኺቦም ዝብላዕ መግብን ውዑይ ዝስተን የምጽኡሎም፤ እዚ ብጣዕሚ ዝነኣድ ተግባር እዩ ንጐይታ ስለ ልግሶም አመስግን፡ ብዝበለጽ ዘሐጒሰኒ ግን ገለ ካብዞም ወለንተኛታት ግዜ ሰሪዖም ምሳኦም ክዋስኡን  ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ምሳኣቶም ክጽልዩ ከለው እዩ፤ እነሆ እምበኣር ንሕና እውን ሎሚ ኣብዚ ኣብ ፖርሲኡንኮላ እንክርንርከብ ጐይታ በይንና ከምዘይሓድገና ወትሩ ኣብ ዝኾነ ጒዕዞ ሕይወትና ከምዘሰንየና ንምዝካር እዩ።  

ኣብዚ ኣብ ፖርሲኡንኮላ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ እውን ኣሎ፤ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንቅድስት ክያራ ንብዙሓት ኣሕዋትን ንክረኽብዎ ዝመጹ ብዙሓት ድኻታትን ዝተቀበሎም ኣብዚ ነበረ! ብገርሀይና መንፈስ ንኩሎም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ይቅበሎ ንዘለዎ ኩሉ ከኣ ምሳኦም ይካፈል ነበረ፤ ኩልና ናትና ክንገብራ ዘሎና መግለጺ ወንጌልከስ ኣብዚ እነሀት ምቅባል ኣጋይሽ ከኣ ትበሃል፤ ምቅባል እንክንብል ማዓጹ ምኽፋት ማለት ማዓጹ ገዛን ማዓጹ ልብን ምኽፋት ንዝኩሕኩሕ ኩሉ ከኣ ንኪኣቱ ምፍቃድ ማለት እዩ። በዚ ከኣ እቲ ዝኩሕኩሕ ከም ገዛኡ ርእዩ ሓራ ኰይኑ ብዘይ ምንም ተጽዕኖ ከምዘሎ ክስምዖ የድሊ፤ ሓቀኛ ሕውነት ኣብ ዘሎዎ ገርሀይና ተቅባል ኣሎ፤ ንካልእ ኣብ ዝፍረሃሉ ቦታ ንሕይወት ምንም ዋጋ ኣብ ዘይወሃቦ ቦታ ግን ምንጻግ ይውለድ፤ ምቅባል ጋሻ መንፈስ ማሕበረሰብ ይወልድ እንተ ምንጻግ ኣብ ገዛ ርእስኻ ተዓጺኻ ከምትተርፍ ይገብር፤  እታ ንምሉእ ሕይወታ ንምቅባል ኣጋይሽ ዘወፈየት ማዘር ተረዛ ‘ዝበለጸ ተቅባል ኣየናይ ኮን ይኸውን! ኢላ ትሓትት እሞ ፍሽኽታ’ ኢላ ምምላስ ትፈቱ ነበረት፤ ንጽጉም ሰብ ብፍሕሽው ገጽ እንክቅበል ንዓይስ ይኹን ንኣኡ ጽቡቅ እዩ፤ ፍሽኽታ ከም ምልክት ምድንጋጽን ርሕራሔን የገልግል።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ነዛ ተመኲሮ ርክብን እምነትን ብሓባር ንምስትምቃር ስለዝመጻእኩም አመስግነኩም፤ ምርኻብ ቀዳማይ ነገር ኰይኑ ብክፉት ልብን ዝተዘርግሐ ኣእዳውን ናብ ነንሕድሕድካ ምምጻእ እዩ፤ ነፍስወከፍና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከምዘድልዮ ንፈልጥ ኢና፤ ድኻምነት እውን እንተኾነ ብሓንሳእ እንተነቢርካዮ ሓይሊ ኰይኑ ንዓለምና ከመሓይሽ ይኽእል እዩ፤ ብዙሕ ግዜ ህላዌ ድኻታት ከም ጸገምን ጾርን ንምልከቶ፤ ሓንሳእ ሓንሳእ ናይ ድኽነቶም ሓላፍነት ዝለብሱ እቶም ድኻታት ባዕሎም እዮም ዝብል መረረ ይስማዕ እዩ፤ ነዚ ግን ንተግባራትካ ዝምልከት ጽጹይ መርመራ ሕላና ምግባርን ዘይፍትሓውነት ገሊኡ ሕግታትሥርዓተ ቊጠባን ግብዝነት ቅጥዒ ዘይብሉ ሃብቲ ከጥርዩ ናይ ዝቃለሱ ሰባት ሰኣን ምርኣይን እቲ ኣደራዕ ኣብ ዝባን ጽጉማት ይወርድ።      

ሎሚ እምበኣር ቃል ድኻታት ንምስማዕ ዕድል ንኣኦም እንህበሉ ግዜ በጺሑ እዩ! ከመይ ሕቶታቶም ንነዊሕ ግዜ ኣይተሰምዔን፤ ሎሚ ዓይንና ከፊትና ነቲ ብዙሓት ስድራቤታት ዘሕልፍዎ ዘይምዕሩይ ናብራ ንምርኣይ ግዜኡ ኣኺሉ እዩ፤ ሎሚ ሥራሕ ንዝሰኣኑ ቦታ ሥራሕ ንክንፈጥር እጅገና እንስብስበሉ ግዜ እዩ፤ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ብጥሜት ዝሳቀዩ ሕጻንትን ኣብ ባርነት ዝወደቁን ኣብ ባሕሪ ክሳብ ምጥሓል ዝስደዱን ናይ ዝኾነ ዓመጽ ግዳይ ርኢና ርእስና ክንነቅፍ እዋኑ እዩ!  ሎሚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ዓመጽ ደው ክብል ክብሪ ክወሃበን እምበር ከም ናይ ሸቀጥ ኣቅሓ ከምዘይኮና ነረጋግጸሉ እዋን እዩ! ሎሚ ሓጹር ሸለልትነት ተጣሒሱ ጽባቀ ርክብን ዘተን ዳግም ንምርካብ እንምለሰሉ እዋን እዩ።

ምስክርነታትኩም ክብ ብዝበለ ኣተኲሮ ጽን ቢለ ሰሚዔዮ፤ ነቲ ብትብዓትን ገርሀይና ልብን ንዘገልጽኩምለይ ኩሉ ብልቢ ኣመስግነኩም፤ እቲ ትብዓት ሽሕ’ኳ እቲ ጉዳይ ንግልኹም ሕይወት ዝምልከት እንተነበረ ምስ ኩልና ክትሳተፍዎ ብምድላይኩም እንክኾን እቲ ገርህነት ልቢ ከኣ ልብኹም ጋህ ኣቢልኩም ከፊትኩም ከምዘልኹምዎ ከምእንርድኣኩም ብምግባርኩም እዩ፤  ካብተን ዝበልኩመን ገለ ገለ ደስ ዝበላኒ ኣለዋ፤ ክንዮ ኩሉ ኣደራዕ ዓቢ ስምዒት ተስፋ ከምዘሎ ተዓዚበ፤ ናብራ ሕይወት ምሳኹም ወትሩ ንሕስያ ኣይነበሮን እኳ ደኣ ጨካን ገጽታኡ ኣርእዩኩም፤ ተነጽሎን ስቃይ ሕማምን ብሕትውናን ዘድልየካ ነገራት ዘይምርካብ እዚኩሉ ግን ነቲ ምስ ናብራ ክትቃለሱ ንዝግበረልኩም ቁሩብ ቁራቦ ምስጋና ብዝመልአን ኣዕይንቲ ካብ ምጥማት ኣይዓገተኩምን።

ጽንዓት! እታ ክግንዘባ ዝኸኣልኩ ካልአይቲ ጉዳይ ጽንዓትኩም ኰይና እዚኣ ከኣ ካብ ተስፋ እያ ትውለድ፤ ንምዃኑ ጽንዓት ማለት እንታይ ማለት ኮን ይኸውን!  ዘጋጠመ የጋጥም ወትሩ ንቅድሚት ንምግስጋስ ሓይሊ ምርካብ ማለት እዩ፤ ጽንዓት ኢድካ ኣጣሚርካ ንዝመጸካ ጥራይ ምጽዋር ኣይኮነን እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ዘጋጠመ የጋጥም ፍረ ከምዝህልዎ ብምእማን ከምብሓዲሽ ንምጅማር ትብዓት ምህላው እዩ፤ ጽንዓት ማለት ኣብ ቅድሚ ጸገም ኢድካ ከይሃብካ ንክትግስግስ ምኽንያት ምርካብ ነዚ ከኣ በይንና ዘይኮነ ምስ ብጾትና ብሓባር ክንሰግሮ ከም እንኽኣል ኣሚንካ ምቅላስ እዩ፤  ጽንዓት ማለት ንዝኾነ ፈተና ናይ ጠንጢንካ ምግዳፍን ኣብ ብሕትውና ወይውን ኣብ ጓሂ ንምውዳቅ ምቅዋም እዩ።

ቅሳነትን ደስታን ንምርካብ ንክሕግዘና ንጐይታ ንለምኖ፤ ኣብዚ ኣብ ፖርሲኡንኮላ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝምህረና ጉዳይ እንተልዩ ካብቲ ዝርዳኣናን ዝድግፈናን ናይ ጉዕዞ ብጻይና ኰይኑ ኣብ ጥቃና ካብ ዘሎ ንሕና እውን ናኣኡ ከማኡ ዝኾና ከመጸና ንዝኽእል ደስታ ርኢና ክንክእል ይምህረና፤ እዚ ናይ ሎሚ ርክብ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንምሕጋዝ ስንድዋት ንክንከውን እሞ ነቲ ድኻምነትና ንጒዕዞ ሕይወትና ንምቅጻል ደጊፉ ንድኽነትና ነንሕድሕድና ክንካፈሎ ኣብ እንኽ እል ሃብቲ ዘለውጥ ክኸውን በዚ ከኣ ዓለምና ዝምሓየሸሉ ይኹን። ንኩሉኹም አመስግን፤ ኣብ ልበይ ሒዘኩም ክጐ ዓዝ እየ፤ ስለይ ምጽላይ ኣይትዘንግዑ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 Nov 2021, 18:21