ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኵነት ድህረ - ለብዒ ለውጢ ንምግባር ትብዓት ይጠልብ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ቨረኖ ከተማ ክሳብ ዕለት 28 ሕዳር ዝቕጽል ዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 25 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከምዝኸፈቱን፥ ኣብ መልእኽቶም “ነቶም ወሳኒ ፍጻሜታት ታሪኽና ዝጸሓፉ ተራ ሰባት” ሞሳኦም ከምዝገለጹን ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማኢ ጃስቲን ወልባይ እውን “ድኽታትን ተኣፋፍያንን ፍሉይ ክንክንን ኣኽብሮትን ዝግብኦም እያቶም” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን ከምኡ እውን ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ፥ “ለበዳ ዝሓሸ ሕብረተሰብ ንምህናጽ በዳሂ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ናብቲ ሓኻይም ኣለይቲ ህሙማ ናይ ጽርየትን ናይ መሽጣ መሰረታዊ ነገራትን ስራሕተይናትት ኣዋፈርቲ ሃብቲ ሰብ ትካላትን ሙያተይናታትን ናይ ቍጠባን ናይ መንግስቲ ተቕዋማትን ናይ ባህልን ኣካላት ወለንተይናታት ገዳማውያን ካህናትን ደናግልን ኣሳቲፉ ካብ ዕለት 25 ሕዳር ክሳብ ዕለት 28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቨሮና ዝካየድ መበል 11 ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዓውደ ምርኢት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣብቲ እቲ ለብዒ ብዘሰንብድ ደረጃ ኣብ እተራእየሉ እዋን ንምብዳሁ ከይተሓለሉ ዘገልገሉ “ተራ ሰባት፥ በይኑ ዝድሕን ዋላ ሓደ ከምዘየለ” ብምርግጋጽ ንታሪኽ ዝደገፉ እያቶም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
በይኑ ዝድሕን ዋላ ሓደ የልቦን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብብርቱዕ ኣብ ዝተበገሰሉ ተፈጢሩ ኣብ ዝነበረ ከቢድ ናይ ጥዕና ህጹጽ ኩነታት ደጋጊሞም “ንበይኑ ዝድሕን ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን” ኣንክብሉ ገሊጾምዎ ዝነበረ ደሓር ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቲ ብሰፊሕ ዘብርህዎ ሓሳብ ደጊሞም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ኣቃሊሖም እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብኣዊ ስረተ እምነት ትምህርቲ ዓውደ ምርኢት ብዛዕባ ባህሊ መሰል ንምንቕቓሕ ስራሕ ስድራ ቤት ጥዕና ከምኡ እውን ኣፍጋኒስታን ዒራቕ ሊባኖስ ኣፍሪቃን ዘሳቕየን ዘሎ ናይ መልዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣ ፖለቲካ ጸገማትን ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስታት ዝምልከት ከምዝኾነን እዚ “ናብ ሕንጸት ለውጢ” ዝመርሕ ክኸውን ተስፋ እገብር፡ ኵላትና ከምእንፈልጦ ካብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው በቢ ውልቅና ክንወጽእ ከም ዘይከኣለና ከም ዝነበርካዮ ኰይና ከም ዝይትረፍ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና፥ ስለዚ ዝሓሸ ወይን ዝኸፍአ ኮይካ ምውጻእ ጥራሕ እዩ፥”
ድፍረት ትብዓት ተስፋ መሃዝነት ተመሳሳሊ ትርጒም የብሉን የግዳስ ነቲ ንነፍሲ ወድሰብ ዘደልድል ክቡራት ዋጋታትን ርሁው ምዃንን ነቲ ክውንነት ዘሎና ኣጠማምታ ዘሐይሉ ንሓድ ሕዶም ዝተተሓሓዙ እያቶም፡
እተቖራነየ ህይወት
“እዚ ለብዒ እዚ ነቶም ህይወቶም ብምኽፋል ብዙሓት ዘድሓኑ ዝፈጸመዎ ህይወት ዘኽፍል ኣገልግሎቶም ምኽንያት ከነመስግኖም ከምዝግብኣና ኣነጺሩ ሓቢሩና እዩ ነቲ ብዙሕ እዋን ዕሽሽ እንብሎ ክቡር ዋጋ ንኸነቃልበሉ ገይሩና እዩ። ህይወትና ምስቶም ነቲ ኣብ ሓባራዊ ታሪኽና ዘጋጠመ ወሳኒ ፍጻመ ዝጸሓፉ ሰባት እተኣሳሰረን እተደጋገፈን ምዃኑ ኣፍልጦ ክንህበሉ ኣኽኢሉና እዩ።”
ክርስቲያን ኣብ ምዃን ዘሎ ትብዓት
እቲ እዞም ሰብኡትን ኣንስትን እዚኣቶም ዝፈጸመዎ ተግባር ንልማዳትን ኣነባብራን ዘናወጸ ዓቢይ ሰውራዊ ተግባር እዩ፥ ነቲ ኣብ ወንጌል ማተዎስ ተገሊጹ ዘሎ “ኣብ መወዳእታ ኣብ ፍቕሪ ከምእንፍረድ ዘነጽር ምሳልያዊ ዛንታ” የዘኻኽረና። “ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ነቲ ተውህቦኦም ብትብዓት ኪጥቀምሉ ጻውዒት የቕርበሎም ክንደይ ዚኣክልን እንታይ ተውህቦ ከምዘለካን ኣየገድስን እዩ። ንኸነብዝሖ ከነውፍሮን እዩ ዝሓትተና።
ነቲ ዘሎ ንምዕቃብ ኢልና ኣብ ገዛእ ርእስና እዕጸው እቲ ዝተረፈና እውን ከይተረፈ ዝምንዛዕ ምዃኑ ስለዚ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ምዃን ጥፍኣት ማለት ምዃኑ ወንጌል የተሓስስበና። ትብዓት ተስፋ መሃዝነት ንመንፈሳውነት ክርስትያንን ምዃን መግለጺ እዩ!
መክሊት ዝፈሪ እምበር ዝቕበር ኣይኰነን
ሓኪም ንህሙማን ዝገብር ክንክን ከምኡ እውን እታ ኣብ ቤት እትሰርሕን ናይ ሓደ ወለንተይናን ኣገልግሎትን ሰራሕተይና ጽርየትን መድሃኒት ቀማምን ኣብ መሸጣ መድሓኒት ዝሰርሕን ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ዝፈሪ መክሊት - ንሰናይ እትጥቀመሉ ኣገልግሎት እዩ፡ ተስፋ ትብዓት ጽንዓት ዘመስርቕን ኣዩ . . . “ኣብቲ ጽንዓትን ትብዓትን ዝኾነ ተስፋ ተጓዓዝ እዚ ክንየው ንዓይ ይጥዓመንን ውልቃዊ ምሾትን ምጥማትን ምንባርን እዩ . . .
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከም ዝገለጽክዎ “ተስፋ ነቲ መልሕቕ ናብ ካላእ ገማግም ምድርባይ ማለት እዩ። እቲ ትብዓት እዚ እዩ ሓድሽ ተግባራት ከም ዚለዓዓል ዚገብር እክለት ከም ዝህልወካ ዚገብር ቃል ኪዳን ዜነቓቕሕ ህይውት ዝህብ እዩ።
እቶም ተስፋ ዚገብሩ ከምቲ ኣብ ምሳሌ ብዛዕባ መክሊት ዝዛረብ ክፍሊ ዘመላኽቶ - ናይቲ ካልኦት ዝሃነጽዎ ታሪኽ ኣካል ምዃንካ ከም ህያብ እተቐበልካዮ ምዃኑ ምፍላጥ ማለት እዩ። ነዚ ህያብ እዚ ፍረ ኬፍሪ ከም ዘለዎ ምፍላጥን እዩ ቢሎም፥ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ ሓሳቦም ናብቶም ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ንዝሳተፉ ዘለዎ ኣቕኒዖም፥ ነቲ ኣድርያኖ ቪንቸንዚ ናይቲ ኣብ ቨሮና በቢ ዓመቱ ናይ ዝካየድ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዓውደ ምርኢት መሰራቲ ዘአንፈቶ መገዲ ብምስዓብ ብማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ፍልጠትን ንምስራጽ እተሳልጥዎ ዕዮ ይቐጽል እንክብሉ ኣተባቢዖም፥ ከምቲ ናይቲ መበል 11 ናይ ለምዘበን ዓውደ ምርኢት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ መርሕ ቓል ዝብል፥ ኣብ ዘለኻሉ ኵሉ ለውጢ ህነጽ!” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ መልእኽቲ
ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደተ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጁስቲ ወልባይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ንደቅሰብ ኣዚዩ ብዙሕ ዝኾነ ጸገማት ዘቕርብ ህሞት እዩ። እንተ ወሓደ እቲ ኣብ ዓለም ተላዒሉ ዘሎ ለብዒ ከምኡ እውን እቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ቅልውላዊ ከባብን ናይ ኣየር ንብረት” ምጥቓስ ይከኣል። እዚ ዓለም ለኻዊ ብድሆታት እዚ ኣብቶም ድሮ ድኻታትን ተነቀፍትን ዝኸፍአ ጽልዋ ኣለዎ። “እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ኣተሓሳስባና ዘነቓቕሕ ክቡር ሃብቲ ዝሓዘ ሰነድ ፍሉይ ክንክንን ኣኽብሮትን ክክን ክንገብረሎም ከም ዝግብእ የጠንቅቐና። እቲ “ብተስፋ፥ ጽንዓት ትብዓት መሃዝን” ዝብል ናይቲ ዓውደ ምርኢት ኣርእስቲ ዘለዎ ቅዉም ነገር “ኣብ ክርስቶስ ንኽንስረት ይዕድመና” እዚ መንፍሰኣዊ ተግባር እዚ ኸኣ - ይብሉ - ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብሩዕ ፖለቲካውን ማሕበራውን ስጒምቲ እዩ።” ምኽንያቱ “ሓድሽ ኣተሓሳስባን ሓድሽ ጠባይን ክህልወና ስለ ዝገብር። ሓቀይና ተስፋ እዩ ዝህልወና ምስ ክርስቶስ ስለ እተራኸብና ድማ ብትብዓት እዩ ዚመልኣና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ መልእኽቲ ሰላምታ
“ኣብ መጻኢ ተስፋን ምትእምማንን ንምዝያድ ዝተጸዋዕና” ዝብል ጻውዒት ዝቐረቦ ናብቲ ዓውደ ምርኢት ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታሬላ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ በቲ ለብዒ እተሓበረ “ሓድሽ መገዲ ብቖራጽነትን ብሓላፍነትን ክንስዕቦ” ጻውዒት አቕርብ፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ናይ ጥዕና ህጹጽ ኩነታት “ዝሓሸ ዝያዳ ቅኑዕ ተጻዋርነት ዘለዎ ከምኡ እውን ምሉእ ብምሉእ ንዅሉ ዝሓቍፍ ዘይንጽል ሕብረተሰብ ንምህናጽ” መዳሂ እዩ ቢሎም፥ “ሕጂ ሃነጽቲ ዝህነጽሉ እዋን እዩ። እቲ ውጽኢት ኣብ ትካላት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኵሉ ማሐብራዊ ኣካሊት እዩ ዚምርኰስ። መንእሰያት ናይ መጀመርታ ሃነጽቲ መጻኢ እያቶም። ሕብረተሰብ ብዘይ ሓይልን ርእየትን እቶም መንእሰያት ክገብሮ ዝክእል ሓደ እኳ የልቦን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።