ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ስለ እቲ ኣብ ዊስካንሰን እተፈጸመ ጃምላዊ ቐትለት ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ስለ እቲ ኣብ ዊስካንሰን እተፈጸመ ጃምላዊ ቐትለት 

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ስለ እቲ ኣብ ዊስካንሰን እተፈጸመ ጃምላዊ ቐትለት

ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ነቶም ዝቖሰሉን ኣባይቲ ስድራኦምን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ ጐይታ ንዅሎም “ኣብ ልዕሊ ዓመጻ ዝዕወትን ንእከይ ብሰናይ ዝስዕርን መንፈሳዊ ብርታዐ” ክጽግው እጽልይ

ሓይሊ ሰናይ ኣብ ልዕሊ ናይ እከይ ሓይሊ ተዓዋቲ እዩ፥ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ዕለት 21 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ግዝኣት ዊስኮንሲን እትርከብ ከተማ ዋውከሻ ዝኽሪ መበል 125 ቅዋመ ንምብዓል ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሰልፊ ምርኢት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ምኽንያት ብምግባር ምእንቲ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ስለ እቶም ማህሰይቲ ዝወረዶምን ጸሎትም ቅርበትን ኣብ ዘረጋገጽሉ መልእኽቲ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራትግ መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ዊስኮንሲን እትርከብ ከተማ ዋውካሻ መበል 125 ዓመት ልደትን ክሳብ ብሔራዊ በዓል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በዓለ ምስጋና ዝቕጽል መደባት መሰረት ንምብዓል ዕለት 21 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ምሸት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሰልፊ ምርኢት ኣመሪካዊ ዳረል ብሮክስ ብዘንቀሳቕሱዋ ዝነበረት ማኪና ናብቲ ኣብቲ ሰልፊ ዝሳተፍ ዝነበረ ህዝቢ ብምእታው ጃምላዊ መቕተልት ከምዝፈጸሙን እዚ ቅድም ክብል ብናይ ቅትለት ገበን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝነበሩን ቅድሚ ሒደት መዓልታት እውን ናጻ ዝተለቍ ምንባሮም ክንገር እንከሎ፡ በቲ ዝፈጸመ ናይ መቕተልቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰባት ከምእተቐትሉን ካልኦት 40 እውን ከምዘቝሰሉ ዝተሓበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ሰበኻ ሚልዋኪ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዠሮም ሊስተኪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ ነቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ “ዘሕዝን ፍጻመ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ቅርበቶም ጸሎትም ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅልጡፍ ምሕዋይን ምጽንናዕን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለገራም፥ ነቶም እተጐድኡ ቅልጡፍ ምሕዋይ ተመንዮም እቶም ዝተቐትሉ ንምሕረት ኣምላኽ ሕድሪ ከምዝበሉን፥ ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ነቶም ዝቖሰሉን ኣባይቲ ስድራኦምን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ ጐይታ ንዅሎም “ኣብ ልዕሊ ዓመጻ ዝዕወትን ንእከይ ብሰናይ ዝስዕርን መንፈሳዊ ብርታዐ” ክጽግው እጽልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

25 November 2021, 08:29