ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንህሙማን ኤይድስ ዝኣልዩ ካህናት ደናግል ኣሃውን ዓለማውያን ምእመናንን የመስግኑ ር.ሊ.ጳ. ንህሙማን ኤይድስ ዝኣልዩ ካህናት ደናግል ኣሃውን ዓለማውያን ምእመናንን የመስግኑ 

ር.ሊ.ጳ. ንህሙማን ኤይድስ ዝኣልዩ ካህናት ደናግል ኣሃውን ዓለማውያን ምእመናንን የመስግኑ

ሎሚ ንህሙማን ኤይድስ ምክንኻንን ምሕጋዝን ክፍሊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ግን ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኣይነበረን

ካብ 80ታት ክሳብ 90ታት ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ኒው ዮርክ ለብዒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ገለ ተወከልቲ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብኤይድስ ዝተለኽፉ ህሙማን ኣብ ምእላይ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ኣማእኪሎም መጽሓፍ ንዝደረሱን ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎት እዚ እውን ኣብ ፈነወ ራዲዮ መደብ ንዘሰናድዉ ጋዜጠይና ሚካኤል ኦሉግሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመስጊኖምን ነቶም ነዞም ህሙማን ዘገልግሉ ህይወቶም ክሳብ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ስለ ዝመስከርዎ ምሕረት ከም ዝነኣድዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሰማንያታትን ተስዓታትን ዕድመኦምን ህይወቶምን ከፊልካ እውን ከይተረፈ ነቶም ብኤይድስ ዝተለክፉ ህሙማን ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ተወፋይነቶም እትገልጽ ስውር ምሕረት፡ ኤይድስ፥ ኣብ ቅድሚ ፍርሂ ካቶሊካውያንን ዘይተገልጹ ናይ ርሕራሐ ዛንታት ዘርእስቱ መጽሓፍ ንዝደረሱ ጋዜጠይና ሚካኤል ኦሉግሊን ኣብ ዘመሓላልፉሎም መልእኽቲ ምስጋናኦም ይገልጹ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስጋና

ቅዱስነቶም ናብቶም ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓጻር ደብዳበ፥ “ነቶም ብኤይድስ ንዝተለኽፉ ከይፈርሑ ኣብ ክንዲ ዘይምግዳስ ምርሓቕ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዝወርዶም ንዝነበረ ኵነኔ ቀረባኦም ብምዃን ብምሕረት ኣብ ተተንኪፎም ንኣኣቶም ምግልጋል ህይወቶም ክኸውን ዝፈቐዱ፣ ኣስተውዓሊትን ስቕ በሃሊትን ስውርን ምሕረት እኳ እንተ ኾነት ንነፍሲ ወከፍና ህይወትን ታሪኽን ክንከናኸንን ክንምለስን ንኽእል ኢና።” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍርድን ቅድመ ፍርድን

ሎሚ ንህሙማን ኤይድስ ምክንኻንን ምሕጋዝን ክፍሊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ግን ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኣይነበረን። ኣብ መጀመርታ ሰማንያታት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝነበሩ ገለ ህሙማን እዚ ሓድሽ ቀታሊ ሕማም እዚ ኣብ መጀመርታ ደረጃኡ ምልክት ዘይብሉ ከምኡ እውን ኣዚዩ ተመሓላላፊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ማሕበራዊ ራዕዲ ብቝልጡፍ ተዘርግሐ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዋላ እውን ነቶም እተጐድኡ ኣድልዎን ፍርሕን ኣሕደረሎም። ኣብታ ኤይድስ ረኽሲ ዝእከበላ ዝነበረት ኔው ዮርክ ሓድሓደ ግዜ ኣባይቲ ሕክምና ንህሙማን ክነጽጉዎም ተራእዩ እዩ። እዚ ምንጻግ እዚ ብፍላይ ነቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝነበሮም ሰባት ጸልይዎም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጒዳያት ብሰፊሑ ተዘርገሐ። እዚ ሕማም እዚ ኣዚዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣብ ፈለማ በቶም እቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝነበሮም ሰባት ጾታዊ መግለጺኦም እዩ ተሰይሙ ዝነበረ፡ ስለዚ ንነዊሕ እዋን ኣይድስ “ናይ ጾታ ለበዳ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ስለ ዝነበረ እቶ ግብረ - ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዝነበሮም ሰባት ካብ ስራሕ ክስጒጉን ካብ ኵሉ ማሕበራዊ መድረኻት ተነጸሉ። እቲ ሕማም “ብሰንኪ ዘይስነ-ምግባራዊ ጾታዊ ተግባራት ዝወረደ መቕጻዕቲ ኣምላኽ” እንክብሉ ዝገልጽዎ ገለ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ነይሮም እዮም። ግብረ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዘይነበሮም ህሙማን ውሉፋት ዕጸ ፋርስን ወይ ሕማም ምርጋእ ደም ዝነበሮም ሰባት ብኤይድስ ክሓሙ ምስ ተራእየ እውን ከይተረፈ እዚ ኣቕዋም እዚ ንሓያሉ ዓመታት ተዓቂቡ እዩ፣ ኣብ 1982 ዓ.ም. ኤይድስ ዝብል መጸውዕ ከምእተወሃቦ ቅዱስነቶም ኣብ መልኽቶም ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕዮ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ

እናተ ተረዛ ነቶም በዚ ሕማም ምኽንያት ዝንጸሉን ዝሕረጒን ዝነበሩ ናብቲ ዝተነጸልሉ ስፍራ ብምኻድ ክትኣልዮም ጀመረን። ኣብ በዓለ ልደት 1985 ዓ.ም. እዛ መስራቲት ልኡካን ግብረ ሰናይ ዝኾነት ኣልባንያዊት ድንግል ከምቲ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ጐደናታት ካልኵታ “ብዅሎም ጽዩፋትን ዘይትንከፉ” ዝበሃሉ ዝነበሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ህንዲ ኣብ ምእላዮም እትፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎት ናብቲ ሽዑ ሊቀ ጳጳስ ኒው ዮርክ ናብ ዝነበሩ ካርዲናል ተረንስ ኮክ “ነቶም ኣብ ኔው ዮርክ ዝተነጸሉ ህሙማን ኤይድስ ክኣትልይ ድላይ ከምዘለዋ ገሊጻ ነዚ ዝኸውን መእለይ ህሙማን ኤይድስ ማእከል ክወሃባ ሓተተት፥ ከምኡ ድማ ኮነ። እቲ መጽሓፍ እውን ነዚ ታሪኽ እዚ ብሰፊሕ  የዘንትዎ፣

ደናግል ገዳማውያን ካህናት ኣሃው ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት

ብፍላይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ሕማም ኣብቲ ዝለዓለ ጠርዚ በጺሑሉ ዝነበረሉ ካብ 1982 – 1996 ዓ.ም. ንህሙማን ኤይድስ ንምሕጋዝን ንምክንኻንን ርእሶም ዘወፍዩ ገዳማውያን ካህናትን ደናግል ዓለማውያን ምእመናን ነይሮም እዮም። ኣብ ጐድኒ እዚ ዕዮ ግብረ ሰናይ እዚ ምስ ፍርድን ቀድመ ፍርድን ይቃለሱ ነይሮም እዮም። እቲ መጽሓፍ ነዚ ዛንታ እዚ እውን ብጥልቂ የቕርቦ።

ቅርበት ር.ሊ.ጳ.

ኣብታ መጽሓፍ ከም እነንብቦ እውን፡ ር.ሊ.ጳ. ንባዕሎም ገና ሊቀ ጳጳሳት ዘቡወኖስ ኣይረስ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ 2008 ዓ.ም. ጸሎተ ሓሙስ፥ እግሪ ህሙማን ኤይድስ ከምዝሓጸቡን ከምኡ እውን ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣብ ፓናማ ኣብ ዝተበዓለ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምክንያት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ጒዕዞ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ልክዕ ከም ኵሉ ኣባይትዅም ንብጻይና ብቐዳምነት ጭቡጥ ናይ ሓቂ ገጽ ዘለዎ ከምኡ እውን ኵነታቱ ብዘየገድስ ክንሰግሮን ዕሽሽ ክንብሎን ዘለዎ ነገር ከም ዘይኮነ ኣርእዩና።” ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብታ መጽሓፍ ይንበብ።

19 Nov 2021, 08:29