ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ገዓር ድኻታትን መሬትን ፍትሒ ይሓትት ኣሎ ር.ሊ.ጳ.፥ ገዓር ድኻታትን መሬትን ፍትሒ ይሓትት ኣሎ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ገዓር ድኻታትን መሬትን ፍትሒ ይሓትት ኣሎ

ንዅሎም እቶም ፖለቲካውን ቍጠባውን ሓልፍነት ዘለዎም ከምኡ እውን ብትብዓትን ኣርሒቕካ ብናይ ምርኣይ ክእለትን ቅሉጡፍ ስጒምቲ ንኽወስዱ እተባብዖም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንዅሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ሓደ ክፍሊ ዜጋውነት ክገብርዎ እዕድሞም።

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ዝዀኑ ሰባትን ንኣካባውያውን ህጹጽ ኩነታትን ዝተጣመረ ጉዳይ እዩ ክልቲኡ እዚ ዓቢይ ብድሆ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ዓበይቲ መራሕቲ እዛ ምሬት ቀልጡፎም ስጒምቲ ንኽወስዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም ንኹሉ ሰብ ድማ ኣብታ ኵለንተናዊ ምሉእ ምብዓለ ንምንቕቓሕ ዝኣመተ ኣብቲ ብመርበብ ዝተሰናደው ናይ ይሴባሕ ቅርጸ ባይታ ተመዝገቡ እንክብሉ ጻውዒት ከዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሰብኣውነት ይዓብይን ይምዕብልን ድኻታት ግና ኵሉ ሳዕ ምሳና ኣለዉ . . . ኣብ ድኽነቶም። ክርስቶስ ኣብኦም ህያው እዩ። እንክብሉ ዕለቱ (ዕለት 14 ሕዳር) ሓምሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምዃኑ ብምዝኽኻር ክኸውን እንከሎ፡ እዛ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኣብ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ዝተወልደት ምዃና ገሊጾም፥ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት መርሕ ቓል እቲ ኢየሱስ “ድኻታት ወትሩ ምሳኻትኩም ኣለዉ” (ማር. 14,7) እንክብል ዝተዛረቦ ምዃኑ ገሊጾም።

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኣብ ኣሲዚ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ

“ክትምስክሩን ኣብ ጸሎት ክትተግሁን እዕድመዅም” ቢሎም ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ዕለት 14 ሕዳር ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኣብ ኣሲዚ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዘኪሮም፥ “ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኣብ መላእ ዓለም ሰበኻታትን ገዳማትን ቍምስናታትን ኤቅለስያዊን ሓቅታትን ዝተኻየዱ መደባት ምትሕብባርን ሓልዮትን አመስግን ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ነቲ ኣብ ግላስኮ ዝተሰምዐ ገዓር ሰማዒ ምዃን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ስኮትላንድ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ - ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. እተኻየደ ብዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝመኸረ መበል 26 ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘኪሮም፥ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ነቲ ገዓር ድካታትን መሬትና ብቑዕ መልሲ ኣብ ምሃብ ክሓብር ጻውዒት ከምዘቕረቡን፥

ንዅሎም እቶም ፖለቲካውን ቍጠባውን ሓልፍነት ዘለዎም ከምኡ እውን ብትብዓትን ኣርሒቕካ ብናይ ምርኣይ ክእለትን ቅሉጡፍ ስጒምቲ ንኽወስዱ እተባብዖም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንዅሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ሓደ ክፍሊ ዜጋውነት ክገብርዎ እዕድሞም።

ምስ እዚ ብምትሕሓዝ፥ ንተበግሶታት ዓውዲት መልእኽቲ ይሴባሕ ዘኪሮም ሎሚ መዓልቲ ድኻታት ዓለም ነቲ ዘይንጸል ማሓድሮ ዜተባብዕ ብቅርጸ ባይታ ብመርበብ ኣብ ዝቐረበ መደብ ኵሉ ክምዝገብ ድማ ሓደረ ቢሎምን ንዅሎም ዝተባርከ ሰንበት ተመንዮም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Nov 2021, 00:12