ድለ

ስለ እቶም ብጭንቀት ኣእምሮ ዝሳቀዩ ንጸሊ! ነሰንዮም’ውን! ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ወርሒ ሕዳር

እቲ ወርሒ መጸ ብመርበብ ሓበሬታ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ናብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ ኣብ ወርሒ ሕዳር እውን ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ንመብዛሕትኡ ናይ ዘመንና ሰብ ዘሳቂ ዘሎ ብደፕረሽን ዝፍለጥ ሕማም ጭንቀት ኣእምሮ ስለዘሳቅዮም ክንጽሊ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብዝተኻእለና መጠን ነቶም ብዝተፈላለየ ጸገማት ኣብ ጭንቀት ዝርከቡ ንክነሰንዮም ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ብቋንቋ እስፓኒሽ ብርእየት ማለት ብቪድዮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅድሚ ንጸሎት ምዕዳሞም እዚ ኣብ ዘመንና ገኒኑ ዘሎ ብደፕረሽን ወይውን ጭንቀት ኣእምሮ ብቀንዱ ምስ ሥራሕ ብዝተታሓዘ ኰይኑ ንወዲሰብ ብኩለንትናኡ ማለት ሥነኣእምሮስ ይኹን ስምዒት ምስ ሰባት ዘሎ ዝምድናስ ይኹን ኣካላዊ ብቅዓት ኣማህሚኑ ንብዙሓት ሰባት ደቊሱ ዘሎ ሕማም ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ ጸገም እዚ ሃብታም ኣይብል ድኻ ዓቢ ኣይብል ንእሽቶ ንዝሓዞ ኣይረድ ብዘስምዕ ቃና ብኩሉ ኩሉ ረሚሱ ጭንቀትን ተስፋ ቊርጸትን ተነጽሎን ኣስዒቡ ዝገደደ ጌጋታት ክሳብ ርእሰ ቅትለት ዘብጽሕ ብምዃኑን ንብዙሓት ናይ ዘመንና ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባትዕዮን ንኣሽቱን ዓበይቲን ሒዝ የሳቂ ኣሎ። ቅዱስነቶም እውን ነዚ ተረዲኦምን ብዙሓት ነቲ ጸገማት ወይ ብቀረባ ወይውን ብርሑቅ ተንኪፎሞ ስለዘለው ስለእቶም ዝጭነቁን ምጽላይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጐድኖም ኰና ብፍሉይ ፍቅርን ቅርበትን ክነሰንዮም እውን ሓደራ ኢሎም። ሓደ ካብቲ ቀንዲ መጋበሪ ናይዚ ሥራሕ ምሕረት ነቲ ሕሙም ጽን ኢልካ ሰሚዕካ ምኽኣል ምዃኑ እውን ኣስሚሮምሉ።

ጽን ቢልካ ምስማዕ!

ቅዱስነቶም ሳዕቤን ጭንቀት ሥነ ኣእምሮ ንዘኽተሎም ቀንዲ ነገራት ‘ሕዙን ምዃን ቀጨውጨው ምባል መንፈሳዊ ድኻም ካብ ሰብ ምህዳምን ጽልኣት ሰብን’ ካልኦት ንኣታቶም ዝመስሉ ነቱ ሕሙም ዝንጽሉን ዝጐድኡን ምዃኖም ብምሕባር ብቀንዱ ከኣ ዕለት ዕለት ዝገብርዎ ሥራሖም ብጣዕሚ ስለዝኸብዶም መብዛሕትኦም እዚኦም ኣብ ከባቢና ዝነብሩ ሰባት ጭኑቃትን ተስፋ ዝቈረጹን ኮይኖም ንረኽቦም። ነዚኦም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብዙሕ ግዜ በቲ ልሙድ ኣገባብ ምጽንናዕ ማለት ንክተተባብዖም ቢልካ ዘሎን ዘየሎን እናተዛረብካ ዝግበር ሓገዝ ኣይኮነን ዘድልዮም፡ ነዚኦምሲ ኣብ ጥቃኦም ኰፍ ቢልካ ኣብ ጐድኖም ምዃንካ ብምርግጋጽ ጽን ቢልካ ምስማዖም የድሊ። ከመይ ነዚኦም ሕይወት ከምዚ ኣይኮነን ከምዚ እባ ኣነ ፍታሕ ኣሎኒ እናበልካ ክተጸናንዕ ምፍታን ነቲ ኩነት መሊሱ እዩ ዘኽበዶ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ዝኸውን ፍታሕ የለን። ስለዚ ጽን ቢልካ ምስማዕ የድሊ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ከኣ እቲ ኢየሱስ ዝቅርበልና ምጽንናዕ እዩ።

ኢየሱስ ምጽንናዕ ይህብ!

ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ሥነ ኣእምሮ ምኽሪ ዝብል ኣምር ብዙሕ ይስራሓሉ እዩ። እንተኾነ ካብ ቃላት ኢየሱስ ዚዓቢ ምኽሪ ስለዘየሎ ቃላት ኢየሱስ ክሕግዙናን ከጸናንዑናን ይኽእሉ። ንሱ ባዕሉ ኣብ ወንጌሉ ‘እቶም ዝደኸምኩምን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ’ ስለዝበለ ነዚ ወትሩ ኣብ ኣእምሮና ክንቀርጾ የድሊ ድሕሪ ቢሎም ንሶም እውን ነዚ ናይ ወርሒ ሕዳር ሓሳብ ጸሎቶም ነዘን ቃላት ኢየሱስ ተመርኲሶምን ኣሚኖምን ከምዘቅረብዎ ከምዚ ክብሉ ንጸሎት ዓዲሞም።

“ስለ እቶም ብጭንቀት ኣእምሮ ወይውን ድኻምን ሃልክን ዝሳቀዩ ጐይታ ናብ ሕይወት ዝኸፍት ጸጋኡ ክህቦም እሞ ደገፉን ብርሃኑን ከይፍለዮም ንጸሊ ኢሎም።”

ኣብ ማእከል ጭንቀት እንክሎኻ ሕይወት መሪጽካ ምኽኣል!

ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ሕዳር እንክሰናዶ ምስ ናይ ካቶሊካውያን ማሕበር ኣገልገልቲ ጽጉማት ኣእምሮ ብምውህሃድ ምዃኑ ዝገለጸ መግለጺ ቅድስት መንበር እዚ ማሕበር እዚ ብዝተፈላለየ ናይ ኣእምሮ ጸገም ንዝሳቀዩ ወገናት መንፈሳዊ ደገፍ ዝገብሩ እዮም።

ከም ጸብጻብ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ዓለምና ካብ ዘሎ ሕዝቢ 1 ካብ 10 ምስዚ ሕማም እዚ ዝተኣሳሰር ጸገማት ኣለዎም። እዚ ከኣ ካብ መላእ ሕዝቢ ዓለምና ከባቢ 11 ሚእታዊት ማለት 792 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት በዚ ሕማም እዚ ይሳቀዩ ማለት እዩ።

ካብዚኦም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጸገም ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት 3-4 ሚእታዊት በዚ ጭንቀት ስቃይን ኣእምሮ እንብሎ ይሳቀዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ብእዋኑ እንተዘይተኸናኺንካዮም ብቀሊሉ ናብ ቅትለት ነፍስን ከቢድ ጒድኣት ኣካልን ክበጽሑ ይኽእሉ። ኣብ ነፍሲወከፍ ዓመት ከባቢ 700.000 ነፍሰ ቅትለት ይፍጽሙ። እቲ ኣጸቢቁ ዘሕዝን ክፍሊ እዚ ጸብጻብ እዚ ከኣ ካብ 15 ክሳብ 29 ዝዕድሜኦም ካብ ዝሞቱሎም ቀንዲ ምኽንያታት እዚ ራብዓይ ቦታ ሒዙ ምርካቡ እዩ።

ዘመነ ኮቪድ ዘስዓቦም ጸገማት!

ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝበሃል ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ከኣ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ውሸባን ተነጽሎን ነቶም ድሮ ኣብ ጸገም ዝነበሩ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸቕጢ ብምውሳኽ ንብዙሓት ሰባት ናብ ዝሓሰመ ኩነት ናብራ ከምዘውረደ ይግለጽ።

በዝን ብካልእ ምኽንያትን ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሮም ስለዘለው እውን ክንጽሊ ሓደራ ብማለት ነቶም ብጭንቀት ኣእምሮ ንዝሳቀዩ ምሕጋዝ ኣድላዪን ግዝያውን ጻውዒት ምዃኖ እውን ኣብርሆም።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 Nov 2021, 13:17