ኣንቱም መንእሰያት! ታሪኽ ስደተኛታት እስከ ናይ ሕይወት ትምህርቲ ይኹንኩም! ር.ሊ.ጳ
ብዓለምለኸ ደረጃ ንመንእሰያት ኣብ ቃልዕ ሜዳ ብምኲስኳስ ባህሊ ርክብ ንምድንፋዕ እስኮላስ ኦካረንተስ ዝብል ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝቆመ ተቊዋም ኣባላት ምስ ቅዱስነቶም እንክራኸቡ ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታትን ኣብ ጒዕዞኦም ዘጋጥሞም ኣደራዕን ምስ ገለጹሎም መንእሰያት ባህሊ ርክብ ክፈጥሩ ትብዓት ክህልዎም እሞ ናብ ጽጉማት ዘተኲር ማሕበረሰብ ንክሃንጹ ከምዘተባብዕዎም ተመልኪቱ።
ዜና ቫቲካን!
እዚ እስኮላስ ዝበሃል ቅዱስነቶም ገና ናይ ብወነስ ኣየርስ ሃገረ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳስ እንከለው ቅድሚ 20 ዓመት ዝቆመ ብጳጳሳዊ ኣዋጅ ዝምራሕ ዓለም ሓቆፍ ትካል እዩ፤ ኣብ 190 ሃገራት ይሰርሕ። ልዕሊ 400 ሺሕ ማእከላት ኲስኰሳን ትምህርትን ብምክያድ ከኣ ል ዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሕጻናትን መን እሰያትን ኣብ መላእ ዓለም ይናብን ይኲስኩስን። ቀንዲ ተል እኮኡ ባህሊ ርክብ የድሊ ኣሎ ንዝብል ጻውዒት ንምምላስን ንኩሉ ዘጠቃልልን ንኩሉ ዝኸውንን ትምህርትን ኲስኰሳን ንምድንፋዕ እዩ፤ ብቀንዱ ከኣ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዘለወን ማሕበረሰባት የተኲር።
ማሕበረሰባት ምኲስኳስ!
ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ድሕሪ ሰላምታ እቶም መን እሰያት ሕቶታት እንተለዎም ከቅርቡ ዕድል ሃብዎም፤ ቀዳምነት ዝተዋህባ ሕቶ ከኣ ብማዕዶ ካብ ትከታተል ዝነበረት መንእሰይ ብኣላዪ ናይቲ ርክብ ዝቀረበት ኰይና ‘ሓንቲ ማሕበረኮም ሕብረተሰብና ክፍቲ ኮይና ንኩሉ ክትቅበል እትኽእል ማሕበረሰብ ንክትከውን ብከመይ ይከኣል!’ ትብል ነበረት። ቅዱስነቶም እንክምልሹ ቅድሚ ዝ ኣገረ ሓንቲ ማሕበረሰብ ክፍቲ ንምዃን ወሳኒ ባእታ ነፍሲወከፍ ግለሰብ ናይታ ማሕበረሰብ ክሳብ ክንደይ ምስ ካልኦት ክራኸብ ይኽእልን ይደልን ብ እትብል ሓሳብ ይወሰን። ምስ ካልኦት ናይ ምርኻብ ድላይን ክእለትን እንተኣጥፊእና ንድስክል፤ ነፍስና ትድስክል ትድቅስ ከም ቅርያት ትኸውን ልብና እውን ከምኡ ይደርቅ እሞ ከይብሉኒ ዝብል ብኣመለኻኽታ ካልኦት ቅኑዕ ይኸውን ንዝበልናዮ ነገራት ንኽተል፤ እንተ እዚ ጉዳያት ግን ብመሠረቱ ዝተጣመመ ስለዝኾነ ዘየለ ናይ ቃልዓለም ኣገባባትን ወስታን ንጥቀም፤ ሽሕ’ኳ ሓደገኛ እንተኾነ እቲ ዘዋጽእሲ ካብዚ ውጽእ ኢልካ ብምህዞኻን ክእለት ፈጠራኻን ተመሪሕካ ምንባር እዩ ኢሎም።
ሓደጋ ናይዚ ብኣብዝሓ ቅኑዕ ኰይኑ ዝግመት ዝብል ኣምርን መሪሕ መነባብሮን ቀንዲ ኣብ ሓቀኛ ስምዒታት ደቂሰባት ዝስዕብ ስምዒታዊ ኰንካ ንከይትርኤ ንስም ዒታትካ ምሉእ ብምሉእ ኣሊኻዮም ነቲ ኩሎም ቅኑዕ እዩ ኢሎም ዝፍጽምዎ ተግባራት ብደረቅ ልብን መንፈስን ትፍጽም። በዚ ከኣ ሓደ መንነት ዘይብሉ ከም ካልኦት ዚኸይድ መንነት ኣልቦ ትኸውን። እንተ ከም ሓቁ ግን እቲ ኣብ ገጽ ነፍስወከፍና ዝንበብ ዝተፈላለየ ስምዒታት ካብ ፍሽኽታ ጀሚርካ ልብኻ ሃህ ኣቢልካ ከፊትካ ናይ ልብኻ ክትዛረበሉን ክትሠርሓሉን እትኽ እል ሓቀኛ ርክብ ምፍጣር እዩ ፈውሱ እንክብሉ መንነቶም ክሕልውን ሓቀኛ ርክብ ክፈጥሩን ትብ ዓት ክህልዎም በዚ ከኣ ክፉት ማሕበረሰብ ከቊሙን ንጽጉማት ወገናት ክረድኡን ከምዝኽእሉ ምናዳ ንስደተኛታት ዝቅበል ማሕበረሰብ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ገለጹሎም።
ስደተኛታት!
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት እንክዝረብ ብሓፈሻ ዘይኮነ ነፍስወከፍ ስደተኛ ናቱ መንነትን ታሪኽን ስለዝውንን ጽን ኢልካ ምስማዖም ዓቢ ትምህርቲ ክኸውን ስለዝኽ እል ከም ኣብነት ናይ ካብ ርዋንዳ ዝተሰደ መን እሰይ ታሪኽ ኣቅሪቦም፤ እዚ መን እሰይ እዚ ብ1994 ኣብ ርዋንዳ ውግእ ሓድሕድን ህልቂትን ምስ ኣጋጠመ ንደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሃዲሙ፤ ካባኡ ብሓገዝ ገሊኦም ገበርቲ ሰናይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕጊ የጽንዕ ኣሎ፤ ከምዚ ዓይነት ዕድል ብምርካቡ ከኣ ኣመስጊኑ ኣይጸግብን። እንተኾነ ከምቲ ናቱ ዕድል ዘይረኸቡ ስደተኛታት ድቃስ ስለዝኸልኦ ንቅዱስነቶም ‘ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ካብ ሃገራቶም ሕሰም ኣባህሪርዎም ኣብ ፈቀዶ ኲርናዕ ዓለምና ናብራ ሕሰም ዝድህኾም ንዘለው ስደተኛታት ብከመይ ክሕግዝ ይኽእል! ስደተኛታትን ኩነታት ሕይወቶምን ንኩሉ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ንብረተይ ቤተይ መረበተይ ካብ ትብሎ ኩሉ ተገዲድካ እንታይ ከምዘጋጥመካ ከይፈለጥካ ዘይተሓስበ መዓልቦ ኣልቦ መገሻ እንክትነቅል ቀሊል ኣይኮነን እንክብል ከኣ ሕቶኡ ኣብሪሁ።
ቅዱስነቶም ኩነታት ስደተኛታትን መንእሰያትን ወለዶምን ንከዘኻኽሩ ብሕልፊ ኣብ ርዋንዳ ዝሰዓበ ‘ወለድኻ ነዚ ራዕዲ እዚ እንከሕልፉ ካብቲ ሕይወትካ ክዀልፍ ዝደናደን ዝነበረ መረበትካ ብነጻ እትነብረሉ ቦታ ንክትረክብ ክትሃድም ግድን ምዃኑ እውን ትግንዘብ ኢኻ፤ ንስኻን ኩሎም ስደተኛታት እንክሃድሙ ኣብ ኣእምሮኦም ሓንቲ ነገር ጥራይ እያ ዘላ ሕይወትካ ምድሓን ንምንባር! ርግጽ እዩ ሕይወት ስደተኛ ጽንኩርን ከቢድን እዩ፤ ኣብዚ ግዝያት እዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናይ ዘለው ስደተኛታት ኩነት እከታተል ኣሎኹ፤ እዞም ሰባት እዚኦም ጅሆ ተታሒዞም ይሳቀዩ ይቅጥቀጡ ኣለው፤ ደቂ ኣንስትዮ ይሽየጣ ኣለዋ! እዝስ ክትሓስብዎዶ ትኽእሉ! ከም ማንም ኣቅሓ ይሽየጣ ኣለዋ! እዚ ሎሚ ሕጂ እዩ ዝፍጸም ዘሎ! ኣብቲ ምዕቡልን ሰብ ኣዊ መሰላት ይሕልወሉ ዝበሃል ክፍልታት ዓለምና እውን እንተኾነ ስደተኛ ምዃን ኣብ ጐደና ምንባር ትርጉም ተዋሂብዎ ንር እዮ ዘሎና ጉዳይ እዩ! እንተኾነ እቲ ጐዳና እውን ጐዳናኻ ኣይኮነን! ኣብ ጐዳናታት ከተማ እውን ኣይኮነን! ኣብቲ መንነትን ክብርን ዘይትረኽበሉ ከም ማንም ነገር እትረኣየሉ ጐደና ሕይወት ምንባር እዩ። ርግጽ እዩ ስደተኛ በጻሒ ሃገር ቱሪስት ወይውን ብቁጠባዊ ምኽንያት ዝሃደመ ኣይኮነን! ዘይሓሰበ ጒዕዞ ዝጀመረ ነዛ ንሩሑ ክነብር ዝሃድም ዘሎ እዩ። ኣብ ልቡን ሃሙን ቀልቡን ከምዚ ዓይነት ኣደራዕን ስቃይን ይጸንሓኒ ዝብል ሓሳብን ድላይን ኣይነበሮን፤ ምናልባት ኮን ደኾን ከም ሓውን ሓፍትን ይቅበሉኒ ዝብል ሕልሚ ነበሮ፤ እንክብሉ ነታ ሕቶ ምስ መለሹ ነቶም እዚ ዓይነት እዚ ጸገም ዘየጓኖፎም ተጋባእቲ መንእሰያት ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ ድሕሪ ምዝኽኻር ካብ ታሪኽ ስደተኛታት እንታይ ንመሃር ኢሎም ከስተንትኑ ዓደምዎም።
ኣብ ምዝዛም ምኽሮም ቅዱስነቶም ናብቲ ቀንዲ ዕላማ እስኮላስ ምልስ ኢሎም ነቶም መንእሰያት ነዛ ሕቶ ኣቅረቡሎም፤ ስምዒታትኩም ክምዕብልን ናብ ብስለት በጺሑ ጸዋዕታኹም ክሳብ ምልላይዲ ኪ ዓብዩ ትሓድግዎም ወይስ ዓፊንኩም ሒዝኩምዎም ኣሎኹም!’ እንተደኣ ክት ዓብጥዎም ፈቲንኩም እንተስ ቀልጢፎም እንተስ ደንጒዮም ክፍንጀሩ እዮም፤ እንተደኣ ከምዘለውዎ ክኸዱን ክግለጹን ነጻ ገዲፍኩምዎም ግን ፊት ንፊት ክትገጥምዎምን ጸዋዕታኹምን መንገዲ ሕይወትኩምን ኣለሊኹም ንምኽ ኣልን ትብ ዓት ክህልወኩም ግድን እዩ፤ እዚ ከኣ ዘድሊ ብስለት ክህበኩም እዩ እንክብሉ ቃሎም ደምደሙ።
26 Nov 2021, 17:15