ድለ

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቀጵሮስን ግሪኽን መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቀጵሮስን ግሪኽን 

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቀጵሮስን ግሪኽን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ካብ በርገሳውን ኤቅለስያዊን ሰበ ስልጣን ዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት ኣብ ቄጵሮስ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 4 ታሕሳስ፡ ቀጺሎም ናብ ግሪኽ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 6 ታሕሳስ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ እዮም

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሃገረ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ በርገሳውን ኤቅለሳውያን ሰበ ስልጣናት ዝቐረበሎም ዕድመ መስረት ኣብ ክልተ መዲትራኒያን ሃገራት ምብጻሕ ከካይዱ ድላይ ከምዘልዎም ኣረጋጊጹ፡ ናይዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ መለለዪን መርሕ ቃልን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፈለማ ቀጵሮስ ደሓር ከኣ ግሪኽ። ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቫቲካን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ዕለቱን መደባቱን ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ካብ መጀመርታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣትሒዞም ዘካይድዎ መበል 35 ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኑ እዩ። ናይ መወዳእታ መበል 34 ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ቡዳፐስትን ስሎቫኪያን ዘካየድዎ ምዃኑ የዘኻኽር።

ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ካብ በርገሳውን ኤቅለስያዊን ሰበ ስልጣን ዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት ኣብ ቄጵሮስ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 4 ታሕሳስ፡ ቀጺሎም ናብ ግሪኽ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 6 ታሕሳስ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ እዮም። ኣብታ ኣብ 2001 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበጽሕዋ ኣተንስ ደሓር እውን ናብታ ኣብ 2016 ዓ.ም. ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብሓባር ምብጻሕ ናብ ዘካየዱላ ምስ ስደተይናታትን ምስ ተቐማጦ ዝተራኸብላ ለስቦ ደሴት ክበጽሑ ምዃኖም ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይዚ ዘካየድዎ ምብጻሕ መደባት ብዝርዝር ክሕበር ምዃኑ የመላኽት።

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቓልን መለለይን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቫቲካን እውን ነቲ ኽልተ ምብጻሕ ዜርኢ መለለይን መርሕ ቓልን ከምዝሓበረን እቲ ኣብ ግሪኽ ናይ ዘካይድዎ ምብጻሕ መለለዪ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ከም ሓንቲ ነቲ ህውከት ዝመልኦ ማያት ዓለም እትሰግር ጀልባ ገይሩ መስቀል ክርስቶስ ከም ቀንዲ ዓንዲ ጋንጽላን መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቲ ጋንጽላ ክትጓዓዝ ዝመልእ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። እቲ ብጫን ሰመያዊ ሕብሪ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ግሪኽን ሰንደቕ ዕላማ ዝውክል እዩ፥ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቓል ድማ እቲ ቅዱሰንቶም ንመበል 36 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝሓረይዎ “ነቲ ብርሃኑ ኣብ መገድና ኼብርህ ዝደሊ ኣምላኽ ዜገርመና ነገራት ንርአ” ዝብል ምዃኑ ሓቢሩ፡ እቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ምብጻሕ  ንመጻኢ እታ ብሳዕቤን ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣዚያ ዝተጐድአትን ከቢድ ቅልውላው ቍጠባ ተሕልፍ ዘላ ሱር ዝስደደ እምነትን ብሩህ ታሪኽ ዘለዋ ግሪኽ ብርሃን ከም ዘምጽኣላ ተስፋ ዝገልጽ ምዃኑ የመላኽት።

ናይቲ ኣብ ቄጵሮስ ናይ ዘካይድዎ ምብጻሕ መለለይን መርሕ ቓልን ከኣ ብጸጋማይ ሸነኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይታ ሃገር ሓላዊ ቅዱስ በርናባስ እናጠመቱን ብየማናይ ሸነኽ እቲ ዝተጠምረ ስርናይን እውሊዕ ምልክት ሰላምን ምትሕብባርን ዝውክል ዝተነብሮ እዩ። ኣብ ላዕሊ ዀነ ኣብ ታሕቲ ብግሪኽን ብእንግሊዘይናን ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል “ንሓድ ሕድኵም ብእምነት ተጸናንዑ” – “ብእምነት ኣጸናንዓና” ዝብል ኣብ ቅዱስ ባርናባስ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ኰይኑ፡ ሓባራዊ ምጽንናዕን ምትብባዕን ኣገዳሲ ዝዀነ ዘተን ምርኻብን እንገዳን ዝብሉ ናይታ ደሴት ህይወትን ታሪኽ ዝገልጽ ደረት ትርኢት ዘቃልሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

08 Nov 2021, 09:05