ምስ ዝከማና ሰባት ትርጉም ዘለዎ ርክብን ምትእስሳርን ክንገብር ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነት ይኹነና! ር.ሊ.ጳ

‘ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡ ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፡ ኣብድዩድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኢልያቄም ንኣዛር ወለደ፡ ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፡ ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡ ያዕቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ ኢየሱስ ተወለደ’ (ማቴ 1.12-16)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ዝሓለፈ ሮቡዕ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ዝድህሥስ ሓዲስ ዙርያ ጀሚርና፤ ንኣኡ ዘወፈናዮ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ምውዳእ ገጹ እዩ። ሎሚ እውን ነዚ ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ክንቅጽል ኢና፤ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ዝነበሮ ግደ ክንምልከት ኢና።

ኢየሱስ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተመልኪቱ ዘሎ ከም ‘ወዲ ዮሴፍ’ እዩ ዝፍለጥ (ሉቃ 3,23፤ 4,22፤ ዮሓ 1,45፤ 6,42) ከማኡ እውን ከም ‘ወዲ ጸራቢ’ ይገልጽዎ (ማቴ 23,55፤ ማር 6,3)። ካብ ወንጌላውያን ማቴዎስን ሉቃስን ሕጻንነት ኢየሱስ እንከዘንትው ብዛዕባ ኣበርክቶ ዮሴፍ ይጠቅሱ፤ ክልቲኦም ታሪኽ ኢየሱስ እንክገልጹ ዝርዝር ወለዶ የቅርቡ። ማቴዎስ ናብቶም ኣይሁዳውያን ክርስትያን እንክጽሕፍ ናብ ዮሴፍ ንክበጽሕ ካብ ኣብርሃም ይነቅል እሞ ንዮሴፍ ‘ሕጹይ ማርያም ካብኣ ድማ ክርስቶስ ዝበሃል ኢየሱስ ተወልደ’ (1,16) እንክብል ይገልጾ፤ ሉቃስ ወንጌላዊ ግን ብቀጥታ ካብ ኢየሱስ ጀሚሩ ክሳብ ኣቦና ኣዳም ይበጽሕ፤ ‘ወዲ ዮሴፍ ነበረ’ ይብል እሞ ‘ከምቲ ተነጊሩ ዝነበረ’ (3,33) ብማለት ከኣ የረጋግጽ። ስለዚኸስ ክልቲኦም ወንጌላውያን ንዮሴፍ ከም ባህርያዊ ኣቦ ኣይኮነን ዘቅርብዎ እንተኾነ ምሉእ መሰል ኣቦነት የልብስዎ። ብቅዱስ ዮሴፍ ኣቢሉኸስ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ መንጎኡን ዘመደ ኣዳምን ዝተተኽለ ታሪኽ ኪዳንን ድሕነትን ኣብ ፍጽምና የብጽሖ። ንማቴዎስ እዚ ታሪኽ እዚ ካብ ኣብርሃም እክንጅምር ንሉቃስ ግን ካብ መሠረት ዘመደ ኣዳም ካብ ኣዳም ይጅምር።

ማቴዎስ ወንጌላዊ ግደ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ቅጡብን ብካልኣይ ደረጃን ዝስራዕ እኳ እንተኾነ ቀንዲ መተኣሳሰሪ ታሪኽ ድሕነት ምዃኑ ንክንርዳእ ይሕግዘና። ቅዱስ ዮሴፍ ንፍጻሜታት ክመልኽ ከይደለየ ግደኡ ብትሕትና የበርክት፤ ከምቲ ልቢ ኣቦ እትብል መልእኽቲ ተመልኪቱ ዘሎ ‘ሕይወታትና ብዝኸማና ዝበሉ ወትሩ ግን እርስዖም ማንም ሰባት ተኣሊመንን ተደጊፈንን ይነብራ፤ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ኣርእስታት ጋዜጣታትን መጽሔታትን ኣይርእዮምን፤ እንትኾነ ክንደይ ኣቦታትን ኣደታትን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ገርሀይና ብዝኾነ መንገዲ ብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ከመይ ገቢርካ ንጸገማት ከም እትብድህን ከምእትሰግሮምን  ካብ ተመኲሮኦም ነቂሎም ኣዕይንቶም ንሰማይ ቊሊሕ እናበሉን እናጸለዩን ንሕጻናት መንገዲ ዘርኣዩ ዓበይቲ መማህራን ምሕሳብ ይኣክል፤ ክንደይ ሰባትከ ስለ ሠናይ ነገር ናይ ኩልና ዝጽልዩን ዘማልዱን ዘወፍዩን ዘየለው’ ከምዝተባህለ ቅዱስ ዮሴፍ ሓደ ካብዚኦም እዩ። በዚ ከምዚኸስ ንቅዱስ ዮሴፍ ከም ሓደ ከይተዓዘብካዮ ኣብ ኩሉ ዕለታዊ መነባብሮኻ ዘሰኒ ቊጡብን ሕቡእን ህላዌ ዝሓዘ ኣብ ግዜ ጸገም ኣማላድን ደጋፍን መሪሕን እዩ። ቅዱስ ዮሴፍ ንኩሎም ነቶም ብሥውር ወይውን ማንም ከየስተውዓለሎም ኣብ ታሪኽ ድሕነት ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ የዘኻኽረና።  ዓለምና እዚኦም ደቂተባትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዚኦም የድልይዎ፤ ኣብ ናብራና ብካልኣይ ደረጃ እንሰርዖም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እንተኾነ ምዕባሌ ሕይወት ነፍስወከፍና ብጸሎትስ ይኹን ብኣብነት ከማኡ እውን ብትምህርቲ ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ይድግፉና።

ኣብ ወንጌል ሉቃስ ቅዱስ ዮሴፍ ከም ሓላዊ ኢየሱስን ማርያምን ይቀርብ፤ ስለዚ ኸኣ እዩ ሓላዊ ቤተክርስትያን እውን ዝኾነ። ከምቲ ኣብዚ ምድሪ’ዚ እዚ እንከሎ ን ኢየሱስን ማርያምን ዝሕሉን ዝሠርሕን ዝነበረ ሎሚ ከኣ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ሓላዊ ምዃኑ ይቅጽል ኣሎ፤ ናይ ቤተክርስትያን ሓለዋኡ ይቅጽል ኣሎ ከመይ ንሳ መቀጸልታ ኣካል ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ኰይና ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብኣደነታ ነቲ ናይ ድንግል ማርያም ኣደነት ትቅጽል ኣላ። ስለዚኸስ ቅዱስ ዮሴፍ ንቤተክርስትያን ምሕላው እናቀጸለ ብጃኻትኩም ነዚ ኣይትረስዑ ሎሚ ከም ሎ ሚቅዱስ ዮሴፍ ንቤተክርስትያን ይከላኸለላ ገናውን ነዚ ሓለዋ እዚ ብምቅጻል ንሕጻንን ነዲኡን ምሕላው ይቅጽሎ ኣሎ። እዚ ሓለዋን ምክልኻልን እዚ ነዚ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተጠቂሱ ዘሎ ሕቶ ዓቢይ መልሲ እዩ። እግዚኣብሔር ንቃኤል ብዛዕባ ሕይወት ሓው ኣቤል ምስ ሓተቶ ‘ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እዩ!’ (4,9) ክብል ንዝሓተቶ ሕቶ ይምልሽ። ቅዱስ ዮሴፍ ብኣብነቱ ኩልና ሓለውቲ ኣሕዋትናን እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መንገዲ ንዘቅርበልና ጐረባብትናን ክንከውን ዝተጸዋዕና ምዃና ክነግረና ዝደሊ ይመስል።

ከምዛ ናትና ማሕበረሰብ ከም ማይ ተቀያያሪት ተባሂላ ትጽዋዕ ከመይ ጽንዓት ዘለዋ ኣይትመስልን፤ እንተ ኣነ ነቲ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ክ እርሞ ምደለኹ! ከም ማይ ተቀያያሪ ጥራይ ዘይኮነ ከም ንፋስ ዘይትጭበጥ ማሕበረሰብ ኰና ኣሎና ምበልክዎ። ብዝኾነ እዛ እንተስ ከም ማይ ተለዋዋጢት እንተስ ከም ንፋስ መታሕዞ ዘይብላ ማሕበረሰብና ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ዘሎ ምትእስሳር ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ ትመሃር። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ወንጌል ወለዶ ኢየሱስ ዘዘንትወልና፤ እዚ ከኣ ክንዮ ተሎግያዊ ምኽንያታት ሕይወት ነፍስወከፍና ምስቶም ዝቀደሙናን ዘሰንዩናን ደቂሰባት ብምትእስሳር ዝቆመት ምዃና ንከዘኻኽረና ኢሉ እዩ። ወልደ እግዚኣብሔርከስ ናብዚ ዓለም እዚ ንምምጻእ ነዛ መንገዲ እዚኣ መረጸ። መንገዲ ታሪኽ መረጸ፤ ብሃንደበት ብሓውሲ ጥንቆላ ዱብ ዝበለ ኣይኮነን፤ ነዛ ንሕና እንጐዓዛ ዘሎና መንገዲ ታሪኽ እዩ ፈጺሙ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! እቶም ኣብ ሕይወቶም ትርጉም ዘለዎ ምት እስ ሳር ንክረኽቡ ሒዂ ዝብሉ ቅጅል ይብሉኒ! በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ብሕትውና ይስምዖም እሞ ንቅድሜት ንምግስጋስ ሓይልን ትብዓትን ይስእኑ። ነዚኦም ኩሎምን ን ዓና ንኩልናን ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ዓርኪ መሓዛን ደገፍን ንክንረክብ ንክሕግዘና በዛ ጸሎት እዚኣ ክድምድም ምደለኹ።

ኦ ምስ ማርያምን ኢየሱስን ንዘሎ ምትእስሳር ዝሓሎኻ ቅዱስ ዮሴፍ፤ ኣብ ሕይወትና ንዘለው ርክባት ክንከናኸን ሓግዘና። ማንም ካባና ካብቲ ካብ ብሕትውና ዝመጽእ ብካልኦት ዝተጠንጠነ ኮይኑ ዝስምዖ ተመኲሮ ኣይሃልዎ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምናዮ ዋላውን ጌጋታት እንተሃልዮም ሳላ ሓልዮትን ሓለዋን እግዚኣብሔር ኩሉ ሠናይ እንክኸውን ክፍኣተ ግብሪ ኣየሸነፈን እሞ፤ ነፍሲወከፍና ምስ ታሪኽና ክንዕረቅ ምስ ዝቀደሙና ክንዕረቅ ሓግዘና። ከምቲ ንማርያምን ኢየሱስን ኣብ ግዜ ጸገም ጸግዖምን ደገፎምን ዝኾንካ   ኣብ ብርቱዕ ጻዕርን ድኻምን ንዘሎው ኩሎም ከማኡ እውን ንዓና ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ደግፈና ኣሜን።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 November 2021, 01:00
ንኩሉ ኣንብብ >