ር.ሊ.ጳ. ንኣቡናት ፈረንሳ፥ ነቲ ዝሕፍር ጾር ብእምነት ምስካም!
ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ዕለት 4 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ሕትመቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሉርድስ ንሓፈሻዊ ዓመታዊ ጒባኤ ንዝተኣከቡ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሕጻናት እተፈጸመ ዓመጽ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ዛዕባ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻንት ዘጻሪ ናጻ መርማሪ ሽማግለ ዘቕረቦ ሰነድ ወግዓዊ ካብ ዝኸውን ሓደ ወርሒ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ሰፊሕ ቦታ ዝሃበ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንንባብ ከም ዘብቀዖ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዣን ማርክ ሳውቨ ዝመርሕዎ ናጻ መርማሪ ሽማግለ ካብ 1950 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣማእኪሉ ዘቕረቦ ሰነድ ወግዓዊ ካብ ዝኸውን ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ባሕቲ ሕዳር ኣትሒዙ ንሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ሉርድስ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ንዘካይድ ዘሎ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “በቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት እተፈጸመ ዘሕፍርን መዓትን ህስያ ዝፈጠሮ ዘናውጽ ህቦብላ ኣብ እተሕልፍሉ ኣብ ዘለዅም እዋን ብእምነትን ብተስፋን ክትጾሩዎን ኣብዚ እውን ምሳዅም ከምዝሓብር አረጋግጸልኵም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ር.ሊ.ጳ. ብይብጻሕ ናብ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ረይምስ ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ኤሪክ ሙሊንስ በውፎርት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ብሓባር ኴንኩም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቶም ግዳያት ክብሪ ንምሃብን ንምጽንናዕን ንዅሎም ኽንስሑን ልቦም ንኽልውጡን ንምምሕጻን፡ ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ንዅሎም ውሕስቲ ቤት ክትከውን ነቲ ዝቘሰለን ዓሚቝ ጭንቀት ዝወረዶ ህዝበ እግዚኣብሔር ንምክንኻንን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብሓጐስ ተልእኾዅም ንምቕጻል ቈራጽን ኣድላዪን ስጒምትታት ንምውሳድ ዘብቝዕ ውሳነ ክትገብሩ ከም እትእኽሉ እኣምን” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ እተራኸብሉ እዋን፥ “ኣብቲ ንኽትነብሩዎ እተገደድኵም ፈተናታትን ውጥረትን ደገፍን ቅርበትን ሓዋርያዊ መንበር ርግጸይናታት ኵኑ፡ ፈረንሳውያን ንብስራት ቃል ክርስቶስ ካብ ቀደም ብዝያዳ ይጽበዩ ከምዘለዉ ኣይትጠራጠሩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ነቶም ኣገልግሎት ብልግሲ ዝፍጽሙ እቲ ዜሐጒስ ጸዋዕታኦም ብዘሕዝን ብናይ ውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ብዝተፈጸመ ግብረ እከይ ከይብከል ኣባታዊ ቅርበትኵምን ሓልዮትኵም ከይተርሕቑሎም ሕድሪ እብል፡ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ ጽንዓትን ደገፍን የድልዮም እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ ኣብ ዘካየድዎ ቀዳማይ ዋዕላ ንቓል እቶም ግዳያት ንምስማዕ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎም ንምርግጋጽ ንሓሙሽተ ካባታቶም ኣብቲ ናይቲ ጒባኤ ጳጳሳት መርሕነት ዝቕመጠሉ ስፍራ ተረኪቦም ታሪኾም ክነገር ከምዝዓደሙን ኣብ ቅድሚ እቶም ብጹዓን ጳጳሳት፥ እቶም ግዳያት ሕርቃንን ጓህን ጥራይ ዘይኮነስ ትጽቢታቶምን ተስፋታቶም እውን ከምዝገለጹን፥ ናይቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ጸረ ወሲብ ዓመጽ ሽማግለ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ቨርሳይለስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሉች ረፕይ፥ “እቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ ዝወሰዶ ስጒምቲ ብርቱዕ ኣጸጋሚ ግን ኣድላዪ” ምዃኑ ተኣሚኖም “እቲ ዘድሊ ለውጥታት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኣሎና እዚ ኸኣ ናይ ኵሉ ሰብ ዕዮ እዩ” እንክብሉ ምስ መራኸቢ ብዙሓት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም። ናይ ሻሎንስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፍራንሱዋ ቱቨት እውን ብወገኖም፥ “ትጽቢታት እቶም ግዳያት ብምስማዕ ካብ ቃላት ናብ ተግባር ምስግጋር የድሊ፡ መደረታትን ጽሑፋትን ብምድላይ ዕጉብ ምዃን ዘይኮነስ ስጒምቲ ምውሳድ የድሊ፡ ሕጹጽ ስጒምቲ . . ። ምስቲ እቲ ትጽቢታት ግዳያት ዓመጽ ተሰማሚዕካ ብስኒት ምንባር የድሊ። ነዚ ጻውዒት እዚ ክንቦኽሮ መሰል ወይ ኣኽእሎት የብልናን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ ኣተሓሒዙ እውን ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ ብዛዕባ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮ ማለት ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሉ ሰፊሕ ምይይጥ ከካድ ምዃኑ የመላኽት።