ድለ

ቅዱስ ዮሴፍ ንዘመንና ዝኸውን ኣብነትን ምስክርን! ር.ሊ.ጳ

‘ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ። ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣሕዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ኪምለሱ እዮም። ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ኪቐወምን ኪጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ንሳቶም ኪነብሩ እዮም። ንሱ ሰላም ኪኽውን እዩ’ (ሚክ 5,2-4)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብ1870 ዓም ዕለት 8 ታሕሳስ ብፁዕ ፕዮስ ታሽዓይ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ኩላዊት ቤተክርስትያን ጠበቃ ንክኸውን ኣውጁ። ሎምዘመን ድሕሪ 150 ዓመት ናይቲ ፍጻሜ ንቅዱስ ዮሴፍ ዝተወፈየ ዓመት ኢዮቤል ኣዊጅናስ ኣብታ ፓትሪስ ኮርደ ልቢ ኣቦ እትብል ሓዋርያዊት መል እኽተይ ብዛዕባ ሓድሓደ ባህርያት ቅዱስ ዮሴፍ ክነስተንትን ኣመልከትኩ። ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዝተፈላለየ ዓውለማዊ ቅልውላዋት ኣብ ንድሃኸሉ ዘሎና ግዜ ቅዱስ ዮሴፍ ደገፍናን ምጽንናዕናን መሪሕን ክኾነና ይኽእል። ካብዚ ምኽንያት እዚ ነቂለኸስ ሓደ ዙር ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክገብር ወሲነ፤ ኣብነቱን ምስክርነቱን ዝለዓለ መብርሂ ንምርካብ ክሕግዙና ተስፋ እገብር፤ ስለዚ ንቁሩብ ሳምንታት ብዛዕባ ቅስዱ ዮሴፍ ክነስተንትን ኢና።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዮሴፍ ንዝብል ስም ዝጥቀሙ ል ዕሊ ዓሠርተ ሰባት ኣለው፤ ካብዚኦም እቲ ዝቀደመን ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎን ወዲ ያዕቆብን ራሄልን ኰይኑ ብዝተፈላለዩ ግድላት ካብ ባርያ ምዃን ኣብ ግብጺ ድሕሪ ፈርዖን ካል ኣይደረጃ ዝሓዘ ቀንዲ ሰብ ዝኾነ እዩ (ዘፍ 37-40)፤ ዮሴፍ ዝብል ስም ብቋንቋ ዕብራይስጢ ‘እግዚኣብሔር የዕቢ’ ዝብል ትርጉም ኣለዎ፤ ኣብ ሓልዮት እግዚኣብሔር ዝተመሥረተ ቡራኬ ሠናይ ምንዮት ኮይኑ ኣብ ፈርያምነትን ምዕባይን ውሉድ ዘተኮረ እዩ፤ ከም ሓቁ ከኣ እዚ ስም እዚ ኣብ ኩነታት ናይ ናዝሬት ሲሴፍ ፍሉይ ምልክት ኣለዎ። ዮሴፍ ናዝራዊ ኣብ እግዚኣብሔር ምሉእ እምነት ዝነበሮ ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉኡ ዝተኣማመን ነበረ፤ እወ ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ዓቢ እምነት ነበሮ፤ ኣብ ወንጌል ትዝንቶ ነፍሲወከፍ ተግባሩ ካብቲ ኣምላኽ የዕቢ ዝብል ርግጽነት ዝምንጩ ነበረ፤ እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ከምዘማዕበል እግዚኣብሔር ከምዘበርክትን ከም ዝውስኽን የረጋግጽ፤ እግዚኣብሔር ንመደብ ድሕነቱ ንቅድሚት ንክስጉም ይሓሊ፤ በዚኸስ እቲ ናይ ናዝሬት ዮሴፍ ነቲ ናይ ግብጺ ዮሴፍ ብዙሕ ይመሳሰሎ።

እተን ቅዱስ ዮሴፍ ዝነብረለንን ዝመላለሰለንን ዝነበረ ቦታት ማለት ከም ቤተልሔምን ናዝሬትን ዝበላ ቦታታት ንመንነቱ ንምርዳእ ኣገዳሲ ግደ ኣለወን።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ስም ከተማ ቤተልሔም ገዛ እንጌራ ማለት እንክኾን ኤፍራታ ዋን ብምኽንያት ቤተእስራኤል ምስቲ ቦታ እቲ ትቊጸር። ብቋንቋ ዓረብ ኤፍራታ ማለት ገዛ ሥጋ እንከስምዕ ምናልባት ምስቲ ብዝሒ ኣባግዕን ዓጣልን ናይቲ ዞባ ክኸውን ይኽእል፤ ጐይታና ኢየሱስ እንክውለድ እውን ንመጀመርያ ረኺቦም ዝመስከሩ ጓሶት ምንባሮም እውን ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይነበረን (ሉቃ 2,8-20)፤ ብብርሃን ኩነታት ኢየሱከስ እዘን ናይዘን ዓድታት ሥጋን ህብስትን ናብ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን የብጽሑ፤ ኢየሱስ ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው ህብስቲ እዩ (ዮሓ 6,51)፤ ንሱ ንባዕሉ እውን ‘ሥጋይ ዝበል ዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ’ (ዮሓ 6,54) እንክብል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይምስክር።

ቤተልሔም ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ጀሚርካ ብዙሕ ግዜ ተጠቂሳ ንረኽባ፤ እቲ ኣብ መጽሓፈ ሩት ተመልኪቱ ዘሎ ታሪኽ ሩትን ኖኣሚን እውን ኣብ ቤተልሔም እዩ ተፈጺሙ። ሩት ከኣ ኦበድ ዝበሃል ወዲ ወለዲት፤ ካብ ኦበድ ከኣ ኣቡኡ ንዳዊት ንጉሥ እሰይ ተወልደ፤ ወለዶ ሓረግ ኣቦ ኢየሱስ ዝኾነ ዮሴፍ ከኣ ካብ ንጉሥ ዳዊት እዩ፤ ነቢይ ሚክያስ ከኣ ብዛዕባ ቤተልሔም ኣብ ቤተልሔም ኣብ ትንቢቱ ‘ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ’ (ሚክ 5,1) ክብል ኣቀዲሙ ነገረ። ማቴዎስ ወንጌላዊ ከኣ ነዚ ትንቢት እዚ ወሲዱ ከምቲ ዝተግልጾ ምስ ታሪኽ ኢየሱስ የተኣሳስሮ።  

ከም ሓቁ ከኣ ወልደ እግዚኣብሔር ንምሥጢረ ሥጋዌ ን ኢየሩሊሌም ዘይኮነ ንቤተልሔፍ ይመርጽ፤ እንተኾነ ቤተልሔምን ናዝሬትን ክልተ ዝተመርጻ ዓድታት ኰይነን ካብቲ ናይቲ ግዜ እቲ ዋዕዋዕታ ዜናን ናይ ግዜኡ ሥልጣንን ርሑቅ እየን። እንተኾነ ኢየሩሳሌም ብጐይታ ዝተፈቅረት (ኢሳ 62.1-12) ከማኡ እውን ቅድስት ከተማን (ዳን 3,28) እግዚኣብሔር ንክነብረላ ዝሓረያ ከተማን (ዘካ 3,2፣ መዝ 132,13) ነበረት።  ስለዝኾነ ከኣ ሊቃውንቲ ሕግን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሊቃነ ካህናትን ዓበይቲ ዓድን ኣባኣ ይቅመጡ ነበሩ (ሉቃ 2,46፣ ማቴ 15.1፣ ሚክ 3,22፣ ዮሓ 1,19፣ ማቴ 26,3)።

እነሆ እምበር እቲ ቀንዲ ምኽንያት ቤተልሔምን ናዝሬትን ካብ ከተማ ዝረሓቃ ሻውላት ብእግዚኣብሔር ተመሪጸን፤ ኢየሱስ ኣብታ ምስ ኩሉ ሥልጣንን ምዕባሌን ኣይውለድን! ኣብ ሓደ ቁሸት ይውለድ ክሳብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ከኣ ኣብታ ቊሸት ከም ዮሴፍ ዕንጸይቲ እናጸረበ ይነብር። ን ኢየሱስ ናብራ ቊሸት ድሮ ብትንቢት ተነጊሩሉ ነበረ። እዚ ኩነት እዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ሸለል ክንብሎ ዘይብልና እዩ ከመይ ሥራሕ እግዚኣብሔር ኣብቲ ጂኦግራፊካውን ናብራውን ሻውላት ምግላጹ ይቅጽል ኣሎ። ጐይታ ወትሩ ኣብ ሻውላት ቦታ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሻውላት ነፍስናስ ይኹን ኣብ ሻውላት እንሓፍረሎም ስምዒታትና ከይተረፈ ብሕቡእ ሥራሑ ይቅጽል ኣሎ፤ ጐይታ ወትሩ ኣብቲ እንሓፈረሉ ሻውላት ስምዒታትና እውን ንቅድሚት ንክንግስግስ ንክሕግዘና ይጽበይና ኣሎ፤ ጐይታኸስ ኣብ ጆግራፊካዊ ሻውላትስ ይኹን ኣብ ናይ መንባብሮ ሻውላት ምግላጹ ይቅጽል ኣሎ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኢየሱስ ንሓጢኣተኛታት ክደሊ ይኸይድ! ኣብ ገዛውቶም ይኣቱ! ምሳኣቶም ይዋሳእ! ንለውጥን ንንስሓን ከኣ ይጽውዖም። በዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ተነቂፉ እዩ፤ ‘ረኣይውሞ እሞ እዚ መምህር እዝስ ምስ ሓጢኣተኛታት ይበልዕ! ምስኣቶም ይመራሳሕ! ናብቶም ሕማቅ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ ኣባኡ ጠንቀላዕላዕ ንዝብሉ ይኸይድ! ናብ ሕሙማትን ጥሙያትን ድኻታትን ዝተሓቱን ክፍሊ ሕብረተሰብ ይኸይድ’ እንክብሉ ሊቃውንቲ ሕጊ ከሲሶሞ ነበሩ፤ ኢየሱስከስ ወትሩ ኣብ ሻውላት ይኸይድ ነበረ፤ እዚ ጉዳይ እዚ ንዓና ዓቢ ምትእምማን ክፈጥረልና ኣለዎ፤ ከመይ ጐይታ ሻውላት ልብና ይፈልጥ እዩ! መሽጐራጒር ነፍስናን ሕብረተሰብናን ከተማናን ስድራቤትናን ነቲ ንሕና ሓፊርና ንማንም ክነርእዮ ዘይንደልን ኣብ ጸልማት ሓቢእናዮ ናብ ዘሎናን ክፍልታት ይመጽእ።

ብመንጽር እዚ እዚ እንክምልከት እታ ናይቲ ሽዑ ማሕበረሰብ ካብዛ ናይ ዘመንና ፍልይቲ ኣይነበረትን፤ እኳደኣ ሎሚ እውን ማእከላትን ሻውላትን መሊኦም ኣለው። ቤተክርስትያን ከኣ ካብ ሻውላት ብምብጋስ ወጊጌል ክተበሥር ዝተጸወዔትን ዝተላእከትን እያ፤  እቲ ናይ ናዝሬት ጸራቢ ዕንጨይቲ ዝኾነን መደብ እግዚኣብሔር በታ ጐርዞ ሕጽይቱን ብኣኡን ክፍጸም ምዃኑ ብጐይታ ይተኣማመን ንናይ ሎሚ ቤተክርስትያን እውን ኣተኲሮኣ ኣብቲ ዓለም ብድላዩ ዝነጽጎ ክፍሊ ክትገብር የዘኻኽራ። ሎሚ ቅዱስ ዮሴፍ ዝምህረና እዚ እዩ፤ ‘ናብቲ ዓለም ዝን እዶ ነገራት ኣይትመልከት! ኣብቲ ዝተረሰኤ ኣብ ኲርናዓት ዘሎ ሻውላት ናብቲ ዓለም ዘይደልዮ ኣተኲር ይብለና ኣሎ። ነፍሲወከፍና ነቲ ካል ኦት ዘስተናዕቅዎን ዋጋ ዘይህብዎን ክነድህብ የዘኻኽረና፤ በዚ መንገዲ እዚኸስ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ መሠረታዊ ዝኾነ ጉዳያት መምር እዩ፤ እቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ማእከል ስሕበት ዓለም ክኸውን ኣይክእልን እንታይ ህድእ ም ዕዛብን ፍቃድ ኣምላኽ ኣለሊኻ ምኽኣልን ይሓትት! በዚ ከኣ እቲ ሓቂ ክትፈልጦን ዋጋ ክትህቦን ይከኣል! እንክብል የዘኻኽረና። ነቲ ብሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገር ርኸብ ይብለና። መላእ ቤተክርስትያን ነዚ ጠመተ እዚ ዳግም ንክትረኽቦ ማለት ንነገራት ብፍቃድ እግዚኣብሔር ኣለሊኻ ናይ ምኽኣል ንመሠረታውያን ነገራት ዝግብኦም ዋጋ ሂብካ ናይ ምኽኣል ጸጋ ንከማልደላ ንለምኖ፤ ካብ ቤተልሔም ንንቀል! ካብ ናዝሬት ዳግም ንበገስ።

ናብቶም ዓለምና ረሲዕዎም ዘሎ ኣብ ጆግራፊካዊ ሻውላት ዝነብሩ ኩሎም ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ወይውን ብዝተፈላለይ ምኽንያት ካብቲ መሠረታዊ ነገራት ተነጺሎምን ተጐስዮምን ዝነብሩ ሓደ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ምደለኹ፤ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ምስክርነትን መሪሕነት ዝህብ ጥብቅናን ክትረኽቡ ትኽ እሉ፤ ናብ ቅዱስ ዮሴፍ በዛ ኣብ ገዛ ዝተደርሰት ጸሎት ግን ካብ ልቢ ዝወጸት ጸሎት ክትምሕጸኑ ትኽ እሉ።

ኦ ቅዱስ ዮሴፍ ንስኻ ወትሩ ብ እዚኣብሔር ምሉእ ብምሉኡ ዝተኣማመንካ ንኩለን ምርጫታትካ ከኣ ብሓልዮቱ ተመሪሕካ ዝፈጸምካ፤ ኣብ መደባትና ከይንተኣማመንን ኣብ ፍቅራዊ መደብ ኣምላኽ ክንተኣማመን መሃረና፤ ኦ ካብ ሻውላት ዝመጻእካ ቅዱስ ዮሴፍ ጠመተና ክንልውጥ እሞ ነቲ ዓለም ዝጐሰዮን ኣብ ሻውላት ዘቀመጦን ንክንመርጽ ሓግዘና፤  ብሕትውና ንዝስምዖ ኣጸናንዕ! ብሱቊታ ንሕይወትን ክብሪ ሰብን ኣብ ምክልኻል ወፊሮም ንዘለው ደግፍ ኣሜን።  

 

17 November 2021, 18:31
ንኩሉ ኣንብብ >