ድለ

ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍንራንቸስኮ ምስ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍንራንቸስኮ ምስ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን 

ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍንራንቸስኮ ምስ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ውህደት ጉዳይ ሚኒስትር ወሃቢ ቃል ሊ ጆንግ ጆ “ኣብ ሰሜን ኮርያ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ እንተ ተፈጺሙ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰላም ኣብ ምህናጽ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ርግጸይናታት ኢና”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየድ ናይ ጉጅለ 20 ሃገራት ዋዕላ ንኽሳተፉ ሮማ ንዝኣተዉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ንዘካየዱ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣብቲ ን25 ደቓይቕ ዝኸውን ክሌኣዊ ዘተ ብዛዕባ ምንቕቓሕ ዘተን ሰላምን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታ ምይይጥ ምክያዱን ቅድሚ ምዝዛም እቲ ክሌኣዊ ርክብ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት እውን ከም እተፈጸመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን ጃ ኢንን በዓልቲ ቤቶምን ዕለት 29 ጥቅምቲ ንጐሆ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተዉ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ዳማዞ ብናይ ቤተ ጳጳስ ኣዛዚ ብጹዕ ኣቡነ ሊዮናርዶ ሳፔንዛ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብ ሓዋርያዊ መንበር በጺሖም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም

ኣብቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዝተኻየደ ክሌኣዊ ምይይጥ “ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ኮርያን ዘሎ ሰናይን ልባውን ርክብ ዘዕግብን ዝነኣድን እወታዊ ኣበርክቶ ዘለዎ ከምዝኾነ” ከም እተመስከረን ኣብ መንጐ ኮርያውያን “ዘተን ዕርቅን ኣብ ምድንፋዕ ፍልዩ ቈራጽነት ከም ዘሎ ድማ ዘስተብሃለ ዘተ ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ፥ “ሓባራዊ ጻዕርን ስምረትን ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ብሕውነትን ምትሕብባርን ዝተደገፈ ናይ ሰላምን ምዕባለን ተስፋ ሓለፋ” ዝብል ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ምይይጥ ከም እተመስከረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ መወዳእቲ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ብ15 ኣባላት ዝቖመ ናይ ደቡብ ኮርያ መንግስቲ ልኡካን ኣሰነይቲ ርእሰ ብሔር ሙን ሰላምታ ከም እተለዋወጡን ስዒቡ እውን፥

ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም
ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ሙን ኢጣሊያዊ በርኒኒ ዝነደፎ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ሕንጻ ዘርእ ብነሓስ እተቐርጸ መዳልያን ከእሙ እውን ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰነድን ዕለት 27 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብለብዒ ኮቪድ 19 ብዝነበረ ህጹጽ ናይ ሓደጋ ውሳነ ምፍንታትን ተወሸብን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በይኖም እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈና ዝፈጸመዎ ስነ ስርዓት ጸሎት ብኣሳእል ዘርኢ ሰነድን ከም ዝለገሱሎምን ርእሰ ብሔር ደቡብ ኮርያ እውን ብወገኖም በቲ ኣብ ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ካብ ዝፈላልይ ኣሿኽ ፈላላይ ሓጹር ካብ ዝተወስደ ሓጺን እተሰርሐ መስቀል “ምልክት ሰላም” ዝብል ጽሑፍን ከምኡ እውን ተመሳሳሊ 136 መስቀል እውን ከም ተሰርሐ ዝገልጽ ጽሑፍ ዝተነብሮ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ሙን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ሓቢሩ።

ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም
ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም

ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ

ዕለት 18 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጽሕ ኣካይዶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦምን ሓደ ሰዓትን 35 ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ዘተ ከም ዘካየዱን ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራውን ትምህርታውን ጥዕናን ዓውድታት ዘሎ እወታዊ ኣበርክቶ ዘተኮረን “ነቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ወጥሪ ንምስናፍ ሓድሽ እዋን ሰላምን ዕቤትን ንምኽፋት ዘኽእል ዝኾነ ይዅን ጠቓሚ ተበግስቶታት ንምድጋፍ” ዝገበረቶን እትገብሮን ዘላ ቘራጽነት ዘቓልሔ እውን ምንባር ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እተኻየደ ርክብ ርእሰ ብሔር ሙን እቲ ዘካየድዎ ርክብ ከም ርእሰ ብሔር እኳ እንተነበረ ልዕሊ ዅሉ ግን ከም “ካቶሊክ” ገዛእ ርእሶም እውን ዘላለይሉን ናይ ጥምቀት ስሞም እውን ቲሞትይ ዝብል ምዃን ገሊጾም፥ “ቅዱስ ኣቦና ምሳዅም ምርኻበይ ንዓይ ዓቢይ ክብሪ እዩ” ከምዝበሉን ካብቲ ርክብ ክሰናበቱ እንከለዉ እውን “ቅዱስነትኵም ንስኹም ርእሲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነስ መምህር ደቅሰብ እውን ኢኹም” ከም ዝበልዎምን ርእሰ ብሔር ሙን ኣብቲ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ኣብ መንጐ ክልቲኤን ኮርያ ሓሳብ ኣብ ዝገበረ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም
ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም

ናብ ሰሜን ኮርያ ንኽበጽሑ ዝቐረበ ጻውዒት ከምዘብጽሑን

ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እውን ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን ካብ ናይ ሰሜን ኮርያ ርእሰ ብሔር ኪም ዮንግ ኡን ዝተላእከ ናብ ሰሜን ኮርያ ብጹሕና ዝብል ዕድመ ንኸብጽሑሎም ዝተቐበልዎ መልእኽቲ ቃል ከም ዘብጽሑ ክዝከር እንከሎ፡ ናይ ኮርያ ያንሃፕ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ር.ሊ.ጳ. ንሰሜን ኮርያ ክበጽሑ ፍቓደይና እየ ከምዝበሉ ኣብቲ እዋን ሓቢሩ ከምዝነበረን እቲ ዝተፈነወ ሓበሬታ እውን ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ወሃቢ ቓል ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዘረጋገጽዎን፥ “ጥንቓቔን ብርቱዕ ምድላዋትን ዝሓትት መደብ እዩ” ከምዝበሉ ይዝከር።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኮርያ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩን፥ ቅዱስነቶም ናብ ሰሜን ኮርያ ንኸካይድዎ ዝድለ ዘሎ ሓዋርያዊ መገሻ - ብሓቂ ይብሉ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን - ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ኣብ መስርሕ ሰላምን ንውጋድ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን መሰረታዊ ኣብርክቶ” ዝገብር ከም ዝኸውን ርግጸይና እየ” ከም ዝበሉን ይዅን ደኣ እምበር እቲ ናይ ቃል መልእኽቲ “ወግዓዊ ኰይኑ ክሳብ ዝኸውን ምጽባይ የድሊ፥ ወግዓዊ ኮይኑ ምስ ዝቐርብ ከኣ ብዝዕባ ኣፈጻጽማኡን መዓስን ዝብሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝጽናዕ ይኸውን” ኢሎም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም
ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ናይተስፋ ሰላም

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ውህደት ጉዳይ ሚኒስትር ወሃቢ ቃል ሊ ጆንግ ጆ “ኣብ ሰሜን ኮርያ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ እንተ ተፈጺሙ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰላም ኣብ ምህናጽ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ርግጸይናታት ኢና” እንክብሉ ድሕሪ ምግላጾም ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ቅዱስነቶም ናብ ኮርያ ምብጻሕ ከካይዱ ዝብል ርእሰ ጒዳይ ከም ብሓድሽ ከም እተለዓለን በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ወሃቢ ቃል ወሲኾም “ናብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ከካይዱ ዝብል ሓሳብ ናብ ክውንነት ንምብጻሕ ዘድሊ ሓገዝን ምትሕብባርን ከነቕርብ ድሉዋት ኢና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Nov 2021, 08:51