ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 75 ዓውደ ጉባኤ ከፊቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 75 ዓውደ ጉባኤ ከፊቶም  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 75 ዓውደ ጉባኤ ከፊቶም

እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብን ንመኽፈቲ እቲ ዓውደ ኣኼባ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን “ኣዚዩ ምልኩዕ ስድራ ቤታዊ ህሞት ዘረጋገጽ እዩ” ኢሎም። ኣቡን ወትሩ ምስክር ምሕረት ምእንቲ ኪኸውን እታ ነዚ እተዘኻኽር ቅዱስነቶም ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ንዝሳተፉ ንነፍሲ ወከፍ ኣቡን ኢጣሊያ ንእሽቶ “ብጽዕና ኣቡን” ዘርእስቱ ጽሑፍን ቅዱስ ምስሊ “ሕያዋይ ጓሳን” ከምዝለገሱን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሮማ ከተማ ሆተል ኤርጂፍ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ንዝካየድ መበል 75 ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ፍልዩ ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ ብስለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘበገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 22 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ነቲ መበል 75 ናይ ኢጣልያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ፍልዩ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ንኸበግሱ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናብ ዝካየደሉ ኣብ ሮማ ናብ ዝርከብ ኤርጂፍ መዕረፊ ኣጋይሽ ህንጻ በጺሖም ምስ ኣቡናት ኢጣሊያ ብሕታዊ ርክብ ኣካይዶም ብዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘበገሱን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሓበሮም፥ ቅዱስነቶም ንዅሎም ኣቡናት ኢጣሊያ ናይ ሕያዋይ  ጓሳ ቅዱስ ምስሊ ከምኡ እውን ብዛዕባ ብጽዕና ኣቡናት ዝዛረብ ሓጻር ሰነድ ለጊሶምን ቃለ ምዕዳን ሂቦም ሰዓት ሽዱሽተ ናብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ከምእተመልሱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስድራ ቤታዊ ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ምስ በጽሑ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ብስም ዅሎም ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ንቕዱስነቶ ቃል ሰላምታ ከምዘስምዑን ጳውሎስ ሻድሻይ ጠቒሶም ከኣ ኣብ እዋን እዚ እንፍጽሞ ዕዮ ቃል ክርስቶስ ንምዝካርን እምነት ንምሕዳስን ኣጋጣሚ ከም ዝኸውን ኣረጋጊጾም፡ እንተዀነ ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ መላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ጽን ብምብህሃል እንመያየጠሉ እውን እንሓስበሉ ኣኼባ እዩ ከምዝበሉን ድሕሪ እቲ ርክብ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ስተፋኖ ሩሶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥  እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብን ንመኽፈቲ እቲ ዓውደ ኣኼባ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን “ኣዚዩ ምልኩዕ ስድራ ቤታዊ ህሞት ዘረጋገጽ እዩ” ኢሎም። ኣቡን ወትሩ ምስክር ምሕረት ምእንቲ ኪኸውን እታ ነዚ እተዘኻኽር ቅዱስነቶም ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ንዝሳተፉ ንነፍሲ ወከፍ ኣቡን ኢጣሊያ ንእሽቶ “ብጽዕና ኣቡን” ዘርእስቱ ጽሑፍን ቅዱስ ምስሊ “ሕያዋይ ጓሳን” ከምዝለገሱን ኣዘኻኺሮም ቀንዲ ቅዉም ነገር ናይቲ ዓውደ ጒባኤ “ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያንን ጒዕዞ ሲኖዶስን” ዝብል እዩ። ጽን ኢልና ኣብ እንሰማምዓሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና ቅዱስ ኣቦና ብቐዳምነት ኣብ መንጐና ተረኺቦም ጽን ቢሎም ክሰምዑና ምድላዮም” ነዚ ሓቂ እዚ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

ኣቡናት ኢጣሊያ ኣብዚ ካብ ዕለት 22 – 25 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ዘለዎ ፍልዩ መበል 75 ሓፈሻዊ ኣኼባ፥ ሓፈሻዊ ኣርእስቱ “ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያንን ጒዕዞ ሲኖዶስን” ዝብል ኰይኑ ካብቲ ዝመያየጠሎም ቅዉም ነገራት ሓደ ብዛዕባ እቲ እተሓደሰ ሻድሻይ መጽሓፍ ክፍሊ ሕገ ቀኖና “ቀንዲ ምኽንያት ጸጋ ክህንታዊ ጸዋዕታ” ዝምልትን በዚ መሰረተ እዚ እውን ንናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብቝዕ ምስረቓን ሕንጸትን ክረኽቡ ምስ ዝብል መደብ ኣተሓሒዙ ክመያየጠሉ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ናይ ሰበኻ ፐሩጃን ቺታ ደላ ፒያቨ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ነቲ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 23 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተንትኖ ብወግዒ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ዕዮ ከምዘበገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኪደት ሲኖዳውነት ዘተኰር ቃል ብጹዕ ካዲናል ግረች

ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ተረኺቦም ብዛዕባ እቲ ሲኖዶስ ዝግበረሉ መገዲ ሰፊሕ ጸብጻብ ከምዝሃቡን ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ዘተኮሩ ብዝተፈላለየ ጐድንታቱ ዝድህስ ዝተፈላለየ ኣስተንትኖታት ይቐርብ ከምዘሎን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 November 2021, 16:00