ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ህዝቢ ሃይትን ቨትናምን ይጽልዩ

ናብ ቤትኩም ምስ ተመለስኩም ብዛዕባ ሃይቲ ሓበሬታ ሃሰስ በሉን ስሌኣ ድማ ብዙሕ ጸልዩን

ኣብ ፍጻሜ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ክልተ ማለት ነቶም ብምዕልቕላቕ ማይን ክቱር ድኽነትን እተጐድኡ ህዝቢ ቨትናምን ሃይትን ጭቡጥ ምትሕብባር ክቐርበሎም መታን ንጸሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይተን ኣብ ርሑቕ ዝርከባ ሃገራት፥ ቨትናምን ሃይቲን ህልው ኩነታት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ቨትናም በቲ ቀረባ እዋን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ብዙሓት ዜጋታት ከም እተጠቕዑን ጸሎተይን ሓሳባይን ናብተን ዚሳቐያ ዘለዋ ብዙሓት ስድራ ቤት ከምኡ እውን ናብ ኵሎም ሰበ ስልጣናት እታ ሃገርን ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ገይረ ነቲ ህጹጽ ኩነታት እዚ ምላሽ ንምሃብ ዚጽዕሩ ዘለዉ ሰባት አተባብዕ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሲቺሊያ ብዝተራእየ ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ዝተተንከፈ ህዝቢ ዘኪሮም ነቶም በቲ ኣፖሎን መዲካነ እትሰምየ ህቦብላ መዲትራኒያን ዝተጒድኡን ንብረቶምን ኣባይእትኦምን ዝሳኣኑን ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠመሞ ሰለስተ ሰባት እዝክር ስሌኦም እጽልይ፡ ኵሉ እውን ኣብዚ ጸሎት እዚ ክሓብር ከምእተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ሃይቲ ከይርሳዕ

ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም እውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ “እታ ኣብ ደሩት ኵነታት እትነብር” ዘላ ሃገረ ሃይቲ ንገዛእ ርእሳ ከይትሕደግ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ናብ ቤትኩም ምስ ተመለስኩም ብዛዕባ ሃይቲ ሓበሬታ ሃሰስ በሉን ስሌኣ ድማ ብዙሕ ጸልዩን፡ ኣብታ “ብኣምሳሉ” ዘርእስቱ ናይ ኣጣልያ ናይ ተለቪዥን መደብ፡ ኣብ ሃይቲ ዘገልግሉ ሓደ ኣባል ማሕበር ካሚሊያውያን ኣባ ማሲሞ ሚራግልዮ ዝሃብዎ ምስክርነት ከምዘቕረቡን ንሶም ከምዝነግሩና፥ “ኣብ ሃይቲ ክንደይ ስቓይን ክንደይ ሓዘንን እዩ ዝርአ እዚ ክሳብ መዓዚ እዩ ዝቕጽል . . .” ዝበልዎ ቃል እዝክር ንሃይቲ ኣብ በይና ኣይንሕደጋ ሓደራ፡

እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Nov 2021, 08:16