ፍራንቸስኮ፥ መበል 26 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ንሓድሽ ወለዶ ጭቡጥ ተስፋ ዝህብ ይዅን!
ዕለት 31 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ እቲ ኣብ ግላስጐው ንኽካየድ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እተጠልበ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዘኪሮም ውጽኢታዊ ፍታሕ ዘቕርብ ምእንቲ ክኸውን ስለ እቲ ፍጻሜ ንጸልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 31 ጥቅምቲ ኣብ ስኮትላንድ ከተማ ግላስጐ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እተጠልበ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ምልዋጥ ከባቢ ኣየር ዝብገሰሉ ዕለት ምዃኑ ቅዱስነቶም ብምዝኽኻር “ነቲ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር መራሕቲ ዓለም ምስ ለውጢ ዅነታት ኣየር ብዛዕባ ዚግበር ቃል ኪዳን ኺመያየጡ ዘርእይዎ ኣገዳሲ ፍጻሜ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶ ዓቢይ ቦታ ዝህብሉ ኣብዚ እዋን እዚ ዘጋጥም ዘሎ ህጹጽ ኵነታት ሓባራዊ መልሲ ናይ ምርካብ ዘለዎ ሁጹጽ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው ኵሉ ንሰናይ ውጽኢት እቲ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ክጽልይ፥
ገዓር ምድርን ድኻታትን መእንቲ ኺስማዕ ንጸሊ። እዚ ኣኼባ እዚ ንዚመጽእ ወለዶ ዜተኣማምን ተስፋ ብምሃብ ውጽኢታዊ መሊስ ዝህብ ይዅን!
ቢሎም፥
ምርኢት “ይሴባሕ” ዓዋዲት መልእኽቲ
ቅዱስነቶ ንዅሎም ምእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ነቲ ኣብ ገበላ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 31 ጥቅምቲ ብወግዒ ዝተኸፍቶ ኣብታ “ይሴባሕ” ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቲ ትሕዝቶ ዘተኮረ ናይ ሰእሊ ምርኢት ክበጽሑ “ኪድ እሞ ረአ” እንክብሉ ከምዝዓደሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ተፈጥሮ ንምቛብ ዝዕድም ምርኢት
እቲ ምርኢት “ለውጢ ዘምጽእ ስምዒት ንምብርባር” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ፡ ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ይሴባሕ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን እትጽውዕ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ዝገበረ፡ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣሳፍ ኡድ ዱዋላ ዘቕረብዎ ኣሳእል ንምርኢት ዘቕርብ ምስ ናይ ዘይንጽል ማለት ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለወን ብናይ ፊልም ደራሲትን ቀራጺትን ሊያ ጆቫናዚ በልትራሚ ኣሰናዳእነት ዝተመርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።