ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ መንእሰያት ህያው ክፍሊ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኾኑ ይሰማዓዮም!

መንእሰያት ቀንዲ ክፍሊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ህያው ክፍሊ ቤተ ክርስቲያንን ኰይኑ ክስምዓኵም ተስፋ እገብር። ስለ ዝመጻእኵም አመስግነኵም! ምንጋስ ምግልጋል ማለት ምዃኑ ወትሩ ዘክሩ፡

ካብ ሰበኻ ሮማ ዝመጹ ክልተ መንእሰያት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ሓቢሮም ኣብ በዓለ ሆሳዕና ዘይኰነ ንፈለማ ግዜ ብውሳኔ ቅዱስነቶም ኣብ ዓመታዊ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ክበዓል ብዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰበኻታት መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ሓቢሮም ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኰይኖም ከምዘብዓሉን ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝውው ኣጽዋርን ንግድ ኣጽዋር ውግእን ደው ክብል ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ተመሓደርትን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግዳያት መጓዓዝያን መገድን ምዃኑ ከም ከምዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሰበኻታት ዓለም ኣብ እተበዓለሉ ዕለት ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኰይኖም ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ብኽልተ ንመላእ ሰበኻታት ዓለም ዝውክሉ መንእሰያት ሰበኻ ሮማ ተሰንዮም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ምስጋና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት

ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ንመንእሰያት ሮማን መላእ ሰበኻታትን ዓለም ብዝውክሉ ንዝመጹ ክልተ መንእሰያት ሰበኻ ሮማ፥

ኣብ ጥቓይ ከኣ ንዅሎም መንእሰያት ሰበኻ ሮማ ዝውክሉ ካብ ሮማ ዝመጹ ክልተ መንእሰያት ምሳይ ኣለዉ። ንዅሎም ነቶም ኣብቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጻእኵም መንፈሳውያን ነጋዶን መንእሰያትን ሰላም እብል። መንእሰያት ቀንዲ ክፍሊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ህያው ክፍሊ ቤተ ክርስቲያንን ኰይኑ ክስምዓኵም ተስፋ እገብር። ስለ ዝመጻእኵም አመስግነኵም! ምንጋስ ምግልጋል ማለት ምዃኑ ወትሩ ዘክሩ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንጉስ ዚምህረና!

ከምዝበሉን ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ጐድኖም ዝከነሩ ክልተ መንእሰያት ንዅሎም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተርኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ከቕርቡ ዓዲሞም፥ ኣብ ኢየሱስ ምእማን ክንደይ ሰናይ እዩ! ዝብል ቃል ከምዘቓልሑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጻውዒት ቅዱስነቶም

ንውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ “ንግድ ኣጽዋር ውግእ ደው ክብል” ጻውዒት ምስ ኣቕረቡ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ተመሓደርቲ ዝዝከሩሉ ዕለትን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግዳያት መገድን መጓዓዝያን ምዃኑ ዘኪሮም፥

ዕለት 21 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ብማያት ባሕሪ ዝመሓድሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝዝከሩሉ ዕለት እዩ፡ ነዞም በዚ ሃብቲ እዚ ዝመሓደሩ ኣብዚ ዕዮ እዚ እውን ብስገዳድ ዝምዝመዙ እጽሊ። ነቶም ብማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ዜጋታት ቅድስተ መርያም ኮኾብ ማያት ባሕሪ ኣብ እተሰምየ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተወዲቦም ዘገልግሉ ካህናትን ነቶም ብማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ኣባይቲ ስድራ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እተቕርቡ እተባብዕ፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንዅሎም እቶም ግዳያት መጓዓዝያን መገድን ንዘኽሮም ምእንታኦም ንጸሊ ኣብ መገዲ ሓደጋ ከይኽሰት ጥንቃቐ ንግበር ሓድራ!

እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍርያም ሰማእትነት ብጹዕ ማቻ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እውን ዕለት 20 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ብጽዕና ዝተኣወጀሉ ሰማእት ካህን ጆቫኒ ፍራንቸስኮ ማቻ ዘኪሮም፥

ዕለት 20 ሕዳር ኣብ ካቶቪትስ ኵላዊት ቤትተክርስቲያን ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዘውረዶ መስጐቲ ኣብ 1944 ዓ.ም. ንማህሰይትን ሞትን ዝተዳርጉ ኣብ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ዝተዳርጒ ካብ ጐይታ ብርታዐን ትሕትናን ረኺቦም ኣብ እምነት ጸኒዖም ሰማእትነት ዝተቐበሉ፡ ብጹዕ ከምዝበለቶም ሰማእትነቱ ዘርኢ ተስፋን ሰላምን ይዅን፡ ነዚ ሓድሽ ብጹእ እዚ ጣቕዒት ሓጐስና ንግለጸሉ!

ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 Nov 2021, 15:45