ር.ሊ.ጳ.፥ ፍቕሪ ዘለኣለማዊት እያ፡ እቶም ሰናይ ዚገብሩ ድማ ንዘለኣለም እዮም ዜውፍሩ!
ዕለት 14 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነገዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ “ከም ገንዘብን ሽመትን ዓወት እዛ ምድርን ኣካላዊ ጥዕናን ትርኢትን ዝኣመሰሉ ምድራውያን ነገራት ነባሪ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ሰናይ ከቶ ስለ ዘይትጠፍእ - ፍቕሪ ጥራይ እያ እትጸንዕ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓላፊ ነገራትን ካልእ ንዘለኣለም ዚነብርን ነገራት ኣሎ። “ቃል ጐይታ ኣይሓልፍን እዩ።” ኣብ መንጐ ደረትን ዝለኣለማውን ዘሎ ፍልልይ እቲ ኢየሱስ “ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ፡ . . . እዮም” (ማር። 13, 24-25)። እዚ ጥፋኣት ኣይኰነን፥ ኢየሱስ ከም ዚገለጾ “ውዒሉ ሓዲሩ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ዅሉ ሓላፊ እዩ” ነዚ እዩ ክነግረና ዚደለየ።” ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ማለት ‘ጽንዓት’ ዘመላኽት እዩ። ‘ጽንዓት’ እውን ሓላፊ እዩ። ኣብ ምወዳእታ ድማ “ሰማይን ምርድን ኪሓልፍ ቃለይ ግና ኣይክሓልፍን እዩ” ይብለና። ስለዚ እቲ ህይወት ሓደ ሰብ ዘቕንዓሉ ደረት ትርኢትን ዘመስርቐሉን እዩ ዘይሓልፍ . . .
ብዛዕባኡ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ድርኵኺት ዘለኣለም ክንሓስበሉ ከለና ውሳኔና ሎሚ ኢና እንገብር። ስለዚ ወትሩ ናብ ዘለኣለም ብምጥማት ንኢየሱስ ብምርኣይ ክንውስን ኣሎና። እቲ ዝቐለለ ከይከውን ይኽእል ብኡ ንብኡ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ እንተዀነ ግን ጽቡቕ ክኸውን እዩ፡ እዚ ድማ ርጉጽ እዩ!
ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ጥራይ እዩ
እቲ ናብ ኢየሱስ “ኣብ ድርኵኺት ዘለኣለም” ዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት ንምምላስ እውን ክሕግዝ ዝኽእል እዩ። - “ንሕና” ንህይወትና ኣብ እንታይ ኢና እነወፍያ ዘሎና? ኣብ ከም ገንዘብን ኣሳልጦ ኣብዛ ምድርን ደጋዊ ትርኢትን ኣካላዊ ጥዕናን ኣብ ዝኾኑ ነገራት ድዩ? ንዘለኣለም ከም እንነብር ኴይንና ምስ ምድራዊ ነገራት ለጊብና ዲና? እንኸደሉ ግዜ ምስ ኣኸለ ኵሉ ነገር ገዲፍና ኢና እንሓልፍ።”
ቃል ኣምላኽ ሎሚ የጠንቅቐና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ትርኢት እዛ ዓለም እዚኣ ይሓልፍ እዩ። ፍቕሪ ጥራይ እያ ነባሪት። ስለዚ ህይወት ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምዃን ካብ ታሪኽ ምምላጥ ማለት ኣይኮነን የግዳስ ብምብርታዕ ብፍቕሪ ንምልዋጥ ትእምርቲ ናይ ዘለኣለም ትእምርቲ ኣምላኽ ኣብ ምድራዊ ክውንነት ኣሰር ክህልዎ ምግባር ማለት እዩ።
ቃል ጐይታ ትዕግስቲ ይሓትት
ኢየሱስ “ኣብ መንጐ እቲ ዝሓልፍ ናይ ምወዳእታ ነገርን ኣብ መንጐ እቲ ዳሕራይን ዘሎን ፍልልይ ከም ዝገበረ” ኣጒሊሑልና እዩ። “ህይወትና ኣሕሊፍና ክንህብ ዝግብኣና ስለምንታይ እዩ? ኣበይ ኢና እነወፍያ ኣብቲ ንዘለኣለም ዚነብር ናይ ሓዋሩ - ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይ ከኣ ኣብቲ ሓላፊ ነገር እዩ?”
ንጹር እዩ። እዚ ግን ቀሊል ኣይኩነን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እቲ ኣብ ትሕቲ ህዋሳትና ዚወድቕን ብኡንብኡ ዜዕግበና ንነገራት ይስሕበና እዩ። ቃል ጐይታ ግን ባህ ዜብል እኳ እንተ ዀነ ብኡንብኡ ጥራይ ዘይኮነስ ትዕግስቲ እውን ዝሓትት እዩ።
“ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ” (ወንጌል ማተዎስ)
ሕይወት ኣብ ሑጻ ዘይምህናጽ
ኣብ ጒዕዞ ህይወት እቲ እትጭብጦ ዘበለ ነገረ ኣድላዪ ኣይኰነን፡ “ነቲ እንርእዮን እንትንክፎን ኣጥቢቕና ኽንሕዞ ንፍትን ኢና፣ ንዓና ድማ ዝሓሸ እዩ ዝመስለና - ‘ሰብ’ - እኳ እንተ ዀነ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ” እንክብል ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቃል ቅዱስነቶም ኣዘኻኪሮም፥
ህይወት ኣብ ሑጻ ኣይትህነጽ! ቤት ክትሃንጽ ኰለኻ ኣዕሚቝካ ትዅዕትን ድልድል መሰረት ተቕውም። ዓሻ ጥራይ እዩ ንዝርአ ነገር እተደርበየ ገንዘብ ቢሉ ክሓስቦ ዝኽእል። እቲ ኡሙን ወዲ መዝሙር ዝኾነ - ኢየሱስ ኣብ ከውሒ ህይወት ዝመስረተ እዩ። እዚ እቲ ዘይሓልፍ ቃል ኢየሱስ እዩ።
ሰማይ ኣብ ምድሪ ምህናጽ
እንታይ ከም ዘይጠፍእ ቅድሚ ምሕባሮም ከኣ ከልእ መሰረታዊ ሕቶታት የቕርቡ፥ “እቲ ሕመረት እንታይ እዩ፡ እቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ህያው ልቢ እንታይ እዩ? ብሓጺሩ ንህይወት ዜተኣማምንን መወዳእታን ዘይብሉ ዚገብሮ እንታይ እዩ?” ቢሎም፥
እቲ ማእከል፥ ትርግታ ልቢ ቃል ኣምላኽ ማለት እቲ ኣደልዲሉ ዘጽንዕ - ግብረ ሰናይ ዝውፈይ ፍቕሪ እዩ፡ ‘ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ’ (1ቆር. 13,8) ይብል ቅዱስ ጳውሎስ። እቶም ሰናይ ዚገብሩ ንዘለኣለም እዮም ዚውፈዩ። ለጋስን ሓጋዝን ሰብ እንተ ርኢና ዓቃላት ዕጉሳት ዘይቅየሙን ዘይጀሃሩን ዘይሕበኡን ብዓመጽ ባህ ዘይብሎምን (1ቆር. 13, 4-7) እዚ ሰብ እዚ ንሰማይ ኣብ ምድሪ ይሃንጻ። ምናልባት ኣይርአን ኣብ ስልጣን ብደረጃ ክብ ዘይብልን ኣብ ጋዜጣታት ዘይንገረሉን ይኸውን እንተ ዀነ ግን እቲ ዝገብሮ ኣይበርስን እዩ። እቲ ሰናይ ስለ ዘይጠፍእ ንዘለኣለም እዩ ዝነብር።
እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ከምዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።