ድለ

ብጐይታ ምትእምማን ተመሃሩ! ር.ሊ.ጳ ኣብ ቅዳሴ ዝዓረፉ ጳጳሳት

ዓመት መጸ ንዕለት ኩሎም ምውታን ኣብ ዝስዕባ ዕለታት ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ኣብታ ዓመት እቲኣ ዝዓረፉ ካርዲናላትን ኣቡናትን መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕርጉ ዝዝከር ኰይኑ ዝሓለፈ ዕለት 4 ሕዳር 2021 ዓም ንዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ናይቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ዘዕረፉ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ 17 ካርዲናላትን 190 ኣቡናትን ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ብጐይታ ምትእምማን ካብዞም ዚሓለፉ ኣበው ተመሃሩ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

ዜና ቫቲካን!

ካብ ዓሚ ማለት ወርሒ ሕዳር 2020 ዓም ክሳብ ሎምዘመን ሕዳር ዕለተ ኩሎም ምውታን እንዝክረሉ ዝዓረፉ ጳጳሳት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ እንክኾኑ ካብዚኦም ገለ ክፋል ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 እውን ከምዝኾኑን እዚ ከኣ ስቃይ ኣብ ርእሲ ስቃይን ከቢድ ኩነታትን ከምዝነበረ ቅዱስነቶም ገሊጾም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ እውን እዞም በዚ ስቃይ እዝን ከብድ ኩነታትን ሕይወቶም ዝዛዘሙ ኣቦታት ሎሚ ኣብ ሓጐስ ጐይታ ኣትዮም ነቲ ጐይታ ‘ኣንቱም ብኣቦይ ዝተባረኽኩም ንዑ ነቲ ኣቦ ቅድሚ ፍጥረት ዓለም ዘሰናደውልኩም መንግሥቲ ውረሱ’ ዝበሎ ንክፍጽመሎም ጸልዮም።

ካብ ስቃይ ናብ ተስፋ ዝግበር ጒዕዞ!

ቅዱስነቶም ነቲ መጽሓፈ ሰቆቃው ኤርምያስ ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ዓለም እዚ እንከለው ኣብ ዘተኣማምን ትዕግሥትን ተስፋን ናይቲ ዘድሕን ጐይታ ኣሚኖም ነቲ ጒዕዞ ስቃይ ብዓወት ዝዛዝሙ ዘኪሮም።  

እዚ ስቃይ እዚ ናብ ኩልና ዝበጽሕ ስለዝኾነ ከኣ ካብቶም ዝሓለፉ ኣቦታት ከመይ ገቢርካ ከምትጻወሮን ብእምነትን ተስፋን ከም እትሰግሮን ምምሃር የድሊ። ኩሉ እቲ ኣብዚ ዓለም እዚ እንከሎና ዘጓንፈና ስቃይን መከራን ምጸትን እውን እምበር ንሞት ጥራይ ከመይ ገቢርካ ትቅበሎ ኢልና ክንሓስብ የብልናን። ከመይ እቲ ሓቀኛ ተስፋ ክርስትያን ዝዕምብበሉ ኣብቲ ዝጸልመተ ግዜ ፈተና ሕይወት ትርጉም የብሉን ዝብል ስቃይን ሓዘንን እንክወረና እዩ ጽንዓት ዘድሊ። ኣብ መንጎ ከምዚ ዝበለ ሓዘን እዩ እቶም ኣብ ጐይታ ዝጠብቁ ጐይታ ነቲ ስቃይ በቲ ኪኣትውዎ ዘለዎም ተስፋ ገቢሩ ዝልውጦ ኢሎም።

ምሥጢር ሓዘን!

ቅዱስነቶም ብእምነትን ብተስፋን ጸኒዕካ እንክትጐዓዝ ጸገማትና ይውገዱ እዮም ማለት ዘይኮነስ እቲ ስቃይና ንውሳጣዊ ምጽራይና ምሥጢራዊ መጋበሪ ወይውን ዕድል ይኸውን። ሓዘንን ስቃይን ገና ምሥጢር ኰይኖም እዮም ዝተርፉ እንተኾነ ነቲ ብመንፈስ ኣቦነት ኣብ ስቃይና ዝበጽሓና ጐይታ በዚ ምሥጢር እዚ ክንረኽቦ ንኽእል ኢሎም።

ንጉዳይ እዚ ምሥጢር ኣዕሙቊ ብምባል ከኣ ‘ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እዚ ሞት ዝደሓኑ ንዘሎና ጽጉም ኩነታት ብፍሉይ ዓይኒ ርኢና ንክንክእል ጸጋኡ ክንልምን የድሊ’ ምስ በሉ፡ ‘ምእመናን ክንዲ ንፈተናታትን ስቃይን ብምጉርምራም ኣብ ጐይታ ጽኑዕ ምትእምማን ብምግባር ክቅበልዎ የድሊ’ ብማለት ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 Nov 2021, 13:45