ድለ

ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ነታ ንሱ ዝተመላለሳ መንገዲ ምስዓብን ብኣኣ ምምልላስን እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ኣነ ግና፡ ብመንፈስ ተመላለሱ፡ ትምኒት ስጋ ድማ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ። ከመይሲ፡ ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ፣ መንፈስ እውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ ኽትገብርዎ እትደልዩ ነገራት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ ኽልቲኡ ንሓድሕዱ ይጻረር እዩ። ብመንፈስ ንነብር እንተ ኣሊና፡ ብመንፈስ ንመላለስ።’ (ገላ 5.16-17,25)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብዛ ክትንበብ ዝሰማዕናዮ ናብ ሰብ ገላትያ ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያን ብመንገዲ መንፈስ ቅዱስ ክመላለሱ ይምሕጸኖም (5.16፣25)። ኣብዚ ሓደ ኣገባብ ሕይወት ኣሎ። እዚ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ምምልላስ እዩ። ከምሓቁ እንተኾይኑ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ማለት ምስዓቡ ከምታ ቀዳሞት ኣርድእቱ ዝገበርዋ በታ ንሱ ዝተመላለሳ መንገዲ ምምልላስ የድሊ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ነታ መንገዱ ንዝጻረር ዘበሉ ኩሉ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንገስ ኣብ ጥቅሚ ገዛእ ርእስኻ ካብ ዝኣስር ማለት ካብቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ድላይ ስጋ ዝብሎ ምውጋድ የድሊ። ብመንገዲ ክርስቶስ ንክትመላለስ መራሒ ዝኾነና መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ጒዕዞ እዚ ኣደናቂ ጒዕዞ እኳ እንተኾነ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ኣድካሚ እዩ። እዚ ጉዕዞ እዚ ኣብ ጥምቀት ይጅምር ክሳብ ሞት ከኣ ንምሉእ ሕይወትካ ይቅጽል። ኣብ ነዊሕ ጎቦ ንዙረት እትገብሮ ጒዕዞ እሞ ንሕሰብ! ንፋሱ ከባቢኡ ትርኢቱ ኩሉ ኣደናቂ እዩ! እቲ ጫፍ ክትበጽሖ የወናውነካ! እንተኾነ ብርቱዕ ጻዕርን ጽንዓትን ይሓትት።

እዚ ምሳሌ እዚ ኣብተን ‘ብመንፈስ ምምልላስ’ ‘ብኣኡ ክትምራሕ ምፍቃድ’ ዝብላ ቃላት ንክንኣቱ ይሕግዘና። ሓደ ተግባር ዘመልክታ ናይ ምንቅስቃስን ጒዕዞን መግለጺ ኰይነን ምንቅስቃስ ክትጅምር ከሎኻ ኣብ ቀዳማይ ጸገም ደው ከይበልካ ኣብቲ ካብ ላዕሊ ብዝመጽእ ሓይሊ ተኣማሚንካ ንክትግስግስ ዝደፋፍኣ እየን (ጓሳ ሄርማስ 43,21)። ሓደ ክርስትያን ነዚ ጒዕዞ እዚ እንክጐዓዝ ናይ ሕይወት ኣዎንታዊ ራእይ ይውንን። እዚ ግን እቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ እከይ ህልም ኢሉ ጠፊኡ ማለት ኣይኮነን ወይውን እቲ ካብ ውሽጥና ዝግንፈል ኣነነት ዝዓብለሎ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስን መን ከማይ ዝብል ትዕቢትን ዘለዎ ኣሉታዊ ሓይልታት ተኣልዮም ማለት ኣይኮነን እንታይ ደኣ እግዚአብሔር ወትሩ ካብ ዝኾነ ተቃውሞና ዝሕይልን ካብ ዝኾነ ሓጢኣትና ዚዓብን ኣምላኽ ምዃኑ ምእማን ማለት እዩ። እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ።       

ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ በዛ መንገዲ እዚኣ ተማላለሱ ክብል እንከሎ ኣብ ደረጃኦም ውርድ ኢሉ ዳርጋ ከም ልመና እዩ ዘቅርቦ። ነቲ ብካልኣይ ኣካል ዝቀርብ ትእዛዛዊ ቃል ማለት ‘ብመንፈስ ተጐዓዙ’ ንዝብል ቃል ኣለሳልስ ኣቢሉ ናብ ንሕና ዝብል ወሪዱ ብመንፈስ ንመላልሰ ይብል። እዚ ማለት ከኣ ሓደ መንገዲ ሃየ ብሓባር ጒዕዞ ንጀምር ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ከኣ ነፍቅድ እዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ምሕጽንታ ወይውን ሓደ ኣገባብ ሓደራ ምባል እዩ። እዛ ምሕጽንታ ቅዱስ ጳውሎስ ከስ ንሱ እውን ንገዛእ ርእሱ እዚ መሪሕ እዚ ከምዘድልዮ የብርህ። ሽሕ’ኳ ቅዱስ ጳውሎስ ክርስቶስ ምሳኡ ከምዝነብርን ንሱ ኣብ ክርስቶስ ከምዝነብርን (2,20) ርግጸኛ እንተነበረ ናብታ ዕላማ ማለት ጫፍ እቲ ጎቦ ከምዘይበጽሐ ይርዳእ ነበረ (ፊል 3,12)። ሓዋርያ ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ እታ ማሕበር ኣይገብርን! ማለት ‘ኣነ ሓለቃኹም እየ ንስኹም ከኣ ተመራሕቲ! ኣነ ኣብ ጫፍ እቲ ጎቦ ነጺሐ እየ ንስኹም ገና ኣብ ጒዕዞ ዘሎኹም ኢኹም’ ኣይበለን እኳ ደኣ ማዕረ ማዕረኦም ኰይኑ ኣብ ሓባራዊ ጒዕዞ ይሳተፍ። እዚ ከኣ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ነዚ ከኣ ምስቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምውህሃድ ከምዝገብር ጭቡጥ ኣብነት ይህቦም። ንሕና እውን ምስ ሕዝቦም ዝጐዓዙን ካብ መጓሲኦም ዘይፍለዩ ጓሶት ክንረክብ እንከሎና ክንደይ ደስ ዘይብለና። እዚ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ ቅሳነት ነፍሲ ይፈጥረልካ።      

እዚ ብመንፈስ ምምልላስ እዚ ግላዊ ሥራሕ ጥራይ ኣይኮነን! እታ ማሕበረ ክርስትያን ብሓባር ንእትገብሮ ጒዕዞ እውን ይምልከት። ከም ሓቁ በዛ ሓዋርያ ጳውሎስ ዘምልክታ ዘሎ መንገዲ ገቢርካ ማሕበረ ክርስትያን ምቋም ደስ ዝብል እኳ እንተኾነ ብርቱዕ ጻዕሪ ይሓትት። እተን ትምኒት ስጋ ክብል ዝዝርዝረን ፈተናታት ስጋ ኰይነን ኩልና እዘን ፈተናታት እዚአን ኣለዋና ማለት ቅንኢ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ረሲዕነት ቂመ በቀል ወትሩ ሕማቅ ከምዝስመዓና ይገብሩ! ነዚ ንክትስዕር ጽኑዕ ሕጊ ምግባርን ኣብ ምክትታሉ ምጽናዕን ብቀሊ ዝመጸና ፈተና ክኸውን ይኽእል! እንተኾነ ከምዚ ብምግባር ክክንዲ ንላዕሊ ኣብት ጫፍ ዕላማኻ ምድያብ ንታሕቲ ምምላስ ኰይኑ ካብ ዕላማ ሓርነት ክርስትና የዘንባል። ብመንገዲ መንፈስ ቅዱስ ንምምልላስ ቅድሚ ዝኣገረ ንጸጋን ፍቅርን ኣምላኽ ቦታ ምሃብ የድሊ። ንጸጋ እግዚአብሔር ቦታ ክንህብ ኣሎና ክንፈርህ የብልናን። ቅዱስ ጳውሎስ ትርር ብዝበለ መንገዲ ድምጹ ምስ ኣስምዔ ነንሕድሕዶም ክጻወሩ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ጾር ክጸውር ይዕድሞም! ምናልባት ሓደ እንተተጋገየውን ብመንገዲ ትሕትና ክተኣራረሙ ይዕድሞም። እስኪ ንቃላት ጳውሎስ ጽን ቢልና ንስማዕ።  ‘ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብዘይ ፍላጥ እንተ ሰሓተ፡ ንስኻትኩም መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘማላእኩም፡ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብልኡም መንፈስ ኣቕንዕዎ። ኰይኑ ግና፡ ንስኻ እውን ምእንቲ ኸይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ` (ገላ 6.1-2) ይብል። እዚ ዝንባሌ እዚ ካብ ሕሜታን ቤላቤለውን ስም ምጽላምን ብጣዕሚ ርሑቅ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ምምልላስ ነዚ መቀረት እዚ ሒዝካ ምጒዓዝ እዩ። በዚ መቀረት እዚ ከኣ ንዘተጋገየ ክትእርምን ንሕና ንባዕልትና ናብቲ ሓጢኣት ከይንወድቅ ከኣ ንገዛእ ርእስና ብመንገዲ ትሕትና ክንሕሎ የድሊ።          

ንሕና እውን እንተኾነ ብዛዕባ ካልኦት ሕማቅ ፍርዲ ክንህብ ወይውን ሕማቅ ክንዛረብ እንተጀሚርና ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ድኻምነትና ክነስተንትን ኣሎና። ንካልኦት ክትፈርድ ክንደይ ኮን ቀሊል እዩ። እቲ ዘገርም ኩልና ብሕሜታን ቤላበለውን ሊቅነትና ዘመስከርና ኢና እንመስል። ዕለት ዕለት ንካልኦት ክንሓምን ክንፈርድን ንርከብ፣ እንተኾነ ንገዛእ ርእስና እስከ ንመልከት። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ሓውና ወይ ሓውትና ክጋገዩ እንከለው ንክንእርሞም ዝደፋፍኣና ኣብታ ጌጋኦም ተሓባበርት ኰና ሓለፍነት ከምዘሎና እንተዘይኰይኑ ካልእ እንታይ የመልክት ቢልና ምሕታትን ምስትንትንታንን ኪሕግዘና እዩ። መንገስ ቅዱስ ኣብ ርእሲ መንፈስ ትሕትና ምጽጋው  ክንተሓጋገዝ ጾር ሓድሕድ ክንጸውር ይዕድመና። ኣብ ሕይወት ነፍስወከፍና ክንደይ ጾር ኮን ይህሉ! ጾር ሕማም! ጾር ስእነት ሥራሕ! ጾር ጽሞናን ብሕትውናን! ጾር ስቃይን ቃንዛን! ወዘተ። እዝን ካልእን ቅርበትን ፍቅርን ኣሕዋትን ኣሓትን ይሓቱ። ኣብዚ ቃላት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ነዚ ጥቅሲ እዚ እንክትርጒም ዝብሎ ክሕግዘና ይኽእል ‘ኣሕዋተይ! ሓደ ካብ ኣሕዋት ገለ ዓገብ እንተፈጸመ . .  ብመንገዲ ትሕትና ኣርምዎ።  ንክትእርሞ ዓውዓው እንክትብል ብውሽጢ ልብኻ ግን ኣፍቅሮ። ወትሩ ኣፍቅር ይብል ነበረ። ክተተባብዖ ከሎኻስ ይኹን ቢልካ  ኣባታዊ ሓልዮታ እንክትገልጸሉ! ክትገንሖ እንከሎኻ ብርትዕ ዝበለ እኳ እንተኾነ ወትሩ ግን ኣፍቅር’ ይብል ነበረ። ዝዓበየት ሕጊ ሕውነታዊ ምትእርራምከስ ፍቅሪ እያ። እዚ ከኣ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ምፍቃር እዩ። ንጸገማት ካልኦት ተዓጊስካ ምኽኣል ስለ ጉደለታት ካልኦት ብሱቊታ ምጽላይ ከመይ ገቢርና ክንሕግዞምን ክንእርሞምን ከምዘሎና እግዚአብሔር ጥበቡ ክህበና ምጽላይ የድሊ። እዚ ቀሊል ኣይኮነን። እታ ዝቀለለት መንገዲ ክትሓምን ክትፈርድን እያ። ያኢ ኣነ ፍጹም ከምዝኾንኩ ኰይነ ስም ካልኦት አጸልም። እዚ ክግበር የብሉን። ትሕትናን ትዕግሥትን ጸሎትን ቅርበትን የድሊ።

ብታሕጓስን ብትዕግሥትን መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ብምፍቃድ በዚ መንገዲ እዚ ንጐዓዝ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
03 November 2021, 12:42
ንኩሉ ኣንብብ >