ር.ሊ.ጳጳሳትን ማሕሙድ ኣባስን፥ ኣንጻር ጸንፈይናታት ሰብኣዊ ሕውነት ምድንፋዕ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካ ንዝኣተዉ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን እብዚ ኣብ ዝተኻየደ ሻድሻይ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ሰናይ ርክብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዘሎ ርክብ ከምኡ እውን ኣብ መንጐ እተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ክህሉ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ከም እተሰመረሉን፥ ኢየሩሳሌም መራኸቢት እምበር ናይ ግጭት ከተማ ከምዘይኮነት ኣብ ኵሉ ዘሎ ኣፍልጦ ምዃኑ ዘረጋገጸ ክሌኣዊ ርክብ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ፍልስጥኤምን ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ኣብ መንጐ ክልቲኣቶም ወገን ዘተ ንምኽዋን ኣድላዪ ምዃኑ ኣብቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስን ኣብ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ከም እተሓበረን፡ እቲ ሕመረት ናይ ር.ሊ.ጳ. ርእሰ ብሔር ኣባስ ርክብ፥ ርእሰ ብሔር ኣባስ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እተተንከፈ ጒዳይ ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ኣገዳስነት ዘተ ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን!
ኣብቶም ዝተኻየዱ ክሌኣዊ ርክባት “እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ፍልስጥኤምን ዘሎ ሰናይ ርክብ ኣፍልጦ ከምእተወሃቦን ክሌኣዊ ረብሓ ዘለዎ ናይ ሓባር ስምምዓት” ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምክያዱን “ሰብኣዊ ሕውነት ንምድንፋዕ ኣብ መንጐ እተፈላለያ ሃይማኖታት ብሰላም ምንባር ወሳኒ ምዃኑ ኣፍልጦ ከምእተወሃበሉን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ኣቃልቦ ኣብቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝያዳ ጽኑዕ ቈራጽነት ብምግባር ነቲ ክልተ መንግስታትን ክልተ ጐረባብታ ሃገራት ኣብ ዝብል መፍትሒ ንኽብጻሕ ቀጥታዊ ምይይጥ ከም ብሓድሽ ክብግበስ ኣድላዪ ምዃኑ ከምእተገልጸ ኣፍሊጡ።
ንሰላማ ምዕያይ ኣድላዪ እዩ!
“ኢየሩሳሌም ግጭት ዝመልኣ ዘይኰነስ ኵሉ ሰብ ብሓባር ብሰላም ዝነብረላ መራኸቢት ከተማ ምዃና ኣፍልጦ ክወሃባን፡ እተን ኣብርሃማውያን ሰለስተ ሃይማኖታት መንነት ኵላዊ ክቡር ዋጋን ናይታ ቅድስቲ ከተማ ብኸመይ ክትዕቀብ ከም ዘለዋ ከምኡ እውን ውሕስነት ዘውህባ ዓለም ለኻዊ ፍልዩ ሕጊ የድልያ” ዝብል ናይ ሓባር ኣመለኻኽታ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ከም እተገልጸ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥ “ንሰላም ምዕያይ ኣጽዋር ዘይምጥቓም ከምኡ እውን ምስ ኵሉ ዓይነት ጸንፈይናውነት ምቅላስ ህጹጽ ምዃኑ” ዘተሓሳሰበ ምንባሩ ኣፍሊጡ።