ድለ

AFGHANISTAN-ECONOMY-LABOUR AFGHANISTAN-ECONOMY-LABOUR 

ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምውጋድ ድኽነት ነጥፍእ! ጻውዒት ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንኣገልግሎት ኩለንታዊ ምዕባለ ሰብ ‘ዝበለጸ መጻኢ ንምሕናጽ ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ነወግድ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዘሰናደዎ ጉባኤ ንዝሳተፉ ኣብ መንበሮም ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘መንግሥታት ወሃብቲ ሥራሕን ንዓቅሚ ሰብ ዝበጽሑ ሰባት ክብሩ ዚሓለዎ ሥራሕ ከወፍዩ በዚ ከኣ ውሉድ ናብ ሥራሕ ክወፍሩ ኣይክግደዱን እዮም’ እንክብሉ ቀንዲ ምኽንያት ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ጒድለት ክብረት ዝሕሉ ሥራሕ ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ድኽነትን ስእነት ሥራሕን ጭንቅን ጭቆናን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣባላት ማሕበረሰብን ሥድራቤትን ዘውርዶ ተጽዕኖ ካብ ልማኖ ጀሚርካ ክሳብ ምዝመዛ ብኻልኦት ዝከማኻ ሰባትን ማሕበራትን ተቁዋማትን ክሳብ ባርነት ዘብጽሕ እኳ እንተኾነ እቲ ዝሓሰመ ግን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ነቲ ብሕጻንነትን ነጻነትን ክሓልሙሉን ክጻወቱሉን ክሕጐሱሉን ዘለዎም ናይ ሕጻንነት ግዜ ኣይሽንኳይ ንሕጻናትን ንትሕቲ ዕድመን ን ዓበይቲ እኳ ንጋዳ ዘብል ከቢድ ሥራሕ ምስ ብጥሜት ዝተዓጽፈ ከብዶም ንነዊሕ ሰዓታት ኣብቲ ከቢድ ዋዕን ቊርን ብምሥራሕ ከምዝሳቀዩ ምግባሩ እዩ።

ከም ኩሉ ናይ ዓለምና ዓለምለኸ ዕለታት ነዚ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ትሕቲ ዕድመን ዝወርድ ኣደራዕ ንምቅላስን ንምንቅቃሕን ዝተወደበ ነዙይ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ዓለምለኸ ዕለት ሎምዘመን እውን ‘ክሓልሙን ክጻወቱን በዚ ከኣ ኪዓብዩን ዘይክ እሉ ሕጻናት ኣይክህልውን እዮም’ ዝብል ዳርጋ መፈክር ዝመስል መሪሕ ሓሳብ ሒዙ ሎምዘመን እውን ነዚ ዘይሓዊ ቊስሊ ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ንዝበለ ጸገም ዓለምና ክነወግድ ጻውዒት የቅርብ። ከመይ ናይዞም ምንም ዓይነት ዓገብ ዘይብሎም ሕይወቶም ንምድሓንን ንምዕቃብን ኣብ ዘይ ዕድመኦም ኣብ ሽቅለት ንክወፍሩ ዝቅሰቡ ሕጻናትን ትሕቲ ዕድመን ቅድሚ ዝኣገረ ጥዕናኦም  ኣብ ብርቱዕ ሓደጋ ኣውዲቁ ንኩሉ መሰላቶም ማለት ካብ መሰል ትምህርትን ኲስኰሳን  ሰላማዊ ናይ ሕጻንነት ግዜ ምሕላፍን ይግህስ።

ነዚ ቊስሊ እዚ ፈውሲ ንምንዳይ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንኣገልግሎት ኩለንታዊ ምዕባለ ሰብ  ‘ዝበለጸ መጻኢ ንምሕናጽ ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ነወግድ’ ብዝብል ሓሳብ ንዝመደቦ ጉባኤ ክሳተፉ ንዝመጹ ቅዱስነቶም ቅድሚ ጉባኤ ‘ኣብ ነፍስወከፍ ሃገር ንኩሎም ብማዕረ ዝባጻሕ ብቁዕ ኩስኰሳን ትምህርትን ከማኡ እውን ንኩሎም ብማዕረ ዘገልግል ሓለዋ ጥዕና  ንክህሉ ከም መበገሲ መንግሥታትን ወሃብቲ ሥራሕን ንወለዲ ክብረት ዘለዎ ሥራሕ ከቅርቡ እንተኽኢሎም ወለዲ ደቆም ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ መሰልን ነጻነትን ሕጻናትን ትሕቲ ዕድመን ዝግህስ ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ኣይሰዱን’ እንክብሉ ክንዮ ሰብኣዊ ሕሰምን ህርፋንን ነቶም ዓበይትን ዓቅሚ ሰብ ዝበጽሑን ብትሑት ደሞዝ ምምዝማዝ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ወለዲ ደቆም ናብ ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ከውፍሩ ዝግድድ ምኽንያት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዓለም ሓቆፍ ድርጅታትን ኣውፈርቲ ርእሰ ማልን ብሕታውያን ማሕበራትን የጠቃልል!

እዚ ብላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንኣገልግሎት ኩለንታዊ ምዕባለ ሰብ  ናይ ቅድስት መንበር ዝተሰናደወ ጉባኤ እዚ ነዚ ቅዱስነቶም ዝበልዎ ኣቀዲሙ ተሰናድይሉስ እቲ ቀንዲ ጸገም ኣብ ክብረት ሥራሕን ዝግባእ ደሞዝ ብምሃብ ሥድራቤት ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ሠራሕተኛታ እንተደኣ ክብረት ዘለዎ ሥራሕን ስድራኦም ብግቡእ ንምንባይ ዚኣክል ደሞዝን ዝርከቦ ኰይኑ ሕጻናትን ትሕቲ ዕድመን ኣብ ትምህርቶምን ከም ሕጻናት ነጻ ኰይኖም ክጻወቱን ክሕጐሱን ኪዓብዩን ስለዝኽእሉ ቀንዲ ክነቃቅሑ ዘለዎም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይ ሥራሕ ዓለም ዝርከቡ ምዃኖም ተገንዚቡ፤ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ዝጸውዖም ወከልቲ ዓለም ሓቆፍ ኣውፈርቲ ርእሰ ማል ዝኾነ ተዀናተርትን ናይ ንግዲ ብሕታውያን ማሕበራትን ድርጅታትን ኣባላት ቤተክርስትያንን ነበሩ።

ቅዱስነቶም ንዘሎናዮ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ጸገማት ብምዝኽኻር ካባኡ ዝገድድ ጸገም ማለት ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ዘስዕቦ በሰላ ስለዝኸበደ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ነዚ በሰላ እዚ ንምውጋድ ዝሕግዙ ሓሳባት ንምስትንታን እሞ ኣብ ግብሪ ዝውዕል  ንመጻኢ መሪሕ ዝኸውን ተበግሶ ንምርካብ ምዃኑ ንተጋባእቲ ኣብርሁ።

ድሮ ዝነበረ ቊስሊ! ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝተጋደደ!

ሕጻናት ኣብ ሥራሕ ብምጽማድ ዝግበር ምዝመዛ ክብሉ ቅዱስነቶም ዝገለጽዎ በሰላ ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ንዘሎናዮ ኩነታትስ ይኹን ንመጻኢና ብብርቱዕ ስለዝጸሉ ኣገዳስነቱ ሓያል እዩ ኢሎም። ምናዳ ኣብ መጻኢ ከመይ ዝበለ ማሕበረሰብ ክንሓንጽን ከመይ ዝበሉ ብሱላት ሰባት ከምእንረክብን ወሳኒ መስመር እቲ ሎሚ ከም ሎሚ ነታ እንክንውለድ ምሳና ሓቢራ እትውለድን ብመሠረታዊ መሰል ደቂሰባት ክትሕሎ ዝተኣወጀትን መሰል ሕጻናት ኣብ ምሕላው እነርእዮ ትግሃትን ተግባርን ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣስሚሮም ተዛረቡ፤ እቲ ዘሕዝን ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብዚ ሎሚ ዓለም ብዓለሙ ዝዛረበሉ ዘሎ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ደቂሰባትን ከም ራብዓይ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ተባሂሉ ኩሉ ዝጀሃረሉን ዘሎ ዘመን ገና ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣሎ ክትሰምዕ ብዘይ ዘረባ ዘትርፍን መንፈስካ ዝርብሽን እዩ እንክብሉ እቲ ድሮ ንብዙሓት ሕጻናት ዘሳቂ ዝነበረ ቊስሊ ብለበዳ መሊሱ ከምዝተጋደደ እዚ ከኣ ቅድሚ ዝ ኣገረ ነቶም ሕጻናት ብኩሉ ኩሉ ከምዝጐድ ኦም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻርሮም ኣዘካኺሮም።

 [ እዚ ኩነታት እዚ ንጥዕናኦም ኣካላውን መንፈሳውን ጥዕናኦም ይጐድኦም ካብ ትምህርቶምን ኲስከሳኦምን ሕጻንነቶም ብሓጐስን ቅሳነትን ክነብሩ ኣይክእሉን፡ ለበዳ ኮቪድ ከኣ ነቲ ዝነበረ ኣጋዲድዎ። ]

መሰል ጥዕናን ኲስኰሳን ሕጻናት ይንፈግ ኣሎ!

ቅዱስነቶም ናብ ትርጉም ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምልስ ይብሉ እሞ ናብቲ ሕጻናት ኣብ ገዛ ብዝገብርዎ ናኣሽቱ ነገራት ዝጅመር እሞ ብ ኡ ኣቢሉ ኣብ ናብ ምልክን ሥራሕን ብምብጻሕ ካብታ መሰሎምን ግቡኦምን ዝኾነት ከከም ዕድሜኦም ክህልዎም ዘሎ ነጻ ግዜ ማንም ክሻመዎም ከምዘይብሉ የዘኻኽሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ‘ሽሕ’ኳ ሕጻናት ንስድራቤቶምን ንማሕበረሰብን ክሕግዙ ዝገብርዎ ፋሕተርተር ኣብ ዕብየቶምን ምዕባሌኦምን ደጋፊ እንትኾነ ካብ ክ እለቶምን ፍልጠቶምን ንምፍላጥ ዝገብርዎ ፈተነ ንላዕሊ ኪሓልፍ የብሉን እንክብሉ ኣጠንቂቆም።

“ስለዚኸስ ንኩንኖ ዘሎና ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ክንዮ እዚ እዩ! ኣብ ዓውለማዊ ቊጠባ ከም ኣፍረይቲ ንክትጥቀመሎም ዝግበር ምዝመዛ ሕጻናት ንመኽሰብን በለጽ ካልኦትን ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ከኣ ንሕጻናት መሰል ጥ ዕናን ትምህርትን ኲስኰሳን ውህድ ምዕባይን ናይ ምሕላምን ጸዋታን ተኽ እሎን ዘጠቃልል እዩ፤ ነዚ መሰል እዚ ምግሃስ ብሓቂ የሕዝን፤ ኪሓልምን ክጻወትን ኪዓብን ዘይክ እል ሕጻን ብሓቂ የሕዝን፤ እዚ መጻኢ ናይቶም ሕጻናትን መጻኢ ናይ መላእ ሕብረተሰብን ከም ምስራቅ ኰይኑ ናይ መላእ ዘመደ ኣዳም ዘይሓዊ ቊስሊ እዩ ኢሎም።”

ድኽነትን ተስፋ ቊርጸትን ስድ ቤታት! ቀንዲ ምኽንያት!

ቅዱስነቶም ናብዚ ምዝመዛን በለጽን ሽቅለት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘብጽሑ ቀንዲ ምኽንያታት እንገልጹ ‘ሕሉፍ ድኽነት ሽቅለት ኣልቦነትን እዚ ኣብ ስድራቤታት ዘስ ዕቦ ተስፋ ቊርጸትን’ እንክብሉ ኣሕጽር ኣቢሎም ይዝርዝሩ። ነዛ ቅንዋት እዚኣ ብከመይ ኮን ንፍውሳ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንኪመስሉ ከኣ ‘ነዛ ቅንዋት እዚኣ ካብ ሱራ ምሒኻ ንምምንቋስ ኩልና ብሓባር ድኽነት ንምውጋድን ንዘሎ ሃብቲ ዓለም ኣብ ኢድ ውሑዳት ዘንብር ዘሎ ናይ ሥርዓተ ቁጠባና ሓባጥ ጐባጥ ንምትኽኻልን ክንሰርሕ የድሊ ኢሎም።

ኣብ ዓለምና ንዝርከቡ መንግሥታትን ተዋሳእቲ ወፍሪ ሽቅለትን ብም ዕሩይ ደሞዝ ክብረት ዝሕለወሉ ሥራሕ ንክፈጥሩ በዚ ከኣ ስድ ቤታት ደቆም ናብ ሽቅለት ክሰዱ ከይተገደዱ ንዘድልዮም ነገራት ከምዝረኽቡ ንክገብሩ ክነተባብዕ የድሊ። ኣብ ነፍስወከፍ ሃገር ናብ ኩሎም ዝባጻሕ ብቊዕ ኣገልግሎት ትምህርትን ኲስኰሳን ከማኡ እውን ብዘይ ሌላ ጉሌላ ንኩሉ ዝኸውን ኣገልግሎት ጥ ዕና ንክነውሕስ ጻዕርታትና ክነወሃሃድ የድሊ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 Nov 2021, 16:19