ድለ

2021.11.12 Giornata mondiale dei Poveri ad Assisi 2021.11.12 Giornata mondiale dei Poveri ad Assisi 

ሥቃይን ሓጢኣትን ቤተክርስትያን ኣብ እንግድዓኽን ጹራ! ር.ሊ.ጳ ንደናግል ክላሪሰ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓም ናብ ኣሲዚ ኣብ ዝገበርዎ ሓጺር ሓውጾተ ኖልዎ ናብ ገዳም ቅድስት ክያራ ደናግል ክላሪሰ ክልተ ግዜ ብምብጻሕ ኣብቲ ቀዳማይ ሓጺር ሰላምታ እንከቅርቡ ድሕሪ መደብ ጸሎት ምስ ድኻታት ከኣ ዳግም ምሳኣተን ብምውሳእ ቤተክርስያን ንክትነጽሕ ክጽልያ ከማኡ እውን ጓሶታ ዝኾኑ ኣቡናትን ካህናትን ካብ ፈተና ሥልጣን ሓራ ክኾኑ ክጽልያ ሓደራ ኢሎምወን።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብዘን ደናግል እዚአን ፍሉይ ቈላሕታ ከምዘለዎምን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጸሎትን ከምዝተኣማመኑን ብዙሕ ግዜ ኣብ ርእሲ ምግላጾም መሥራቲተን ዝኾነ ቅድስት ክያራ ስለ ካልኦት ኣብ ምጽላይ ዝተወፈያን ብሰቂለ ሕሊና ጸሎት ዚዓበየ ኣብነት ከም እትህብን ፍሉጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ እዘን ሓንሳእ ናብቲ ገዳም ምስ ኣተዋ ምሉእ ሕይወትን ስለ መላእ ቤተክርስትያን ኩሉ ዘመደ ኣዳምን ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ጥራይ ተጸሚደን ዝነበራ ዕጽዋት ደናግል ጸሎትን ዋሕስ ኩሉ ሓዋርያውን ጒስነታውን ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ከምዝኾነ ብምዝኽኻር ስለ ቤተክርስትያን ብፍላይ ድማ ስለ እቶም ጓሶት ማለት ኣቡናትን ካህናትን ኣበርቲዔን ክጽልያ ተማሕጺኖም።

ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ‘ጐይታ ብጥቃይ ኪሓልፍ እንከሎ ኣነ ከየስተውዓልኩ ከይሓልፈኒ እፈርህ’ ንዝብሎ ጠቂሶም፣ ሽሕ’ኳ ምሉእ ሕይወትን ንጸሎትን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ኣስተንትኖን ዘወፈያ እንተኾና ብጣዕሚ ክጥንቀቃ ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም። እቲ ጥንቃቄ ብመስኮት ተቀሊቂልካ እንታይ ይኸውን ከምዝሎ ንምዕዛብ ካብ ዝግበር ውጥምና ዘይኮነ ሠናይ ዘበለ ዚሓስብ ሓንጐል ንዘይከውን ነገር ዝውዕል ግዜ የብሉን ምናዳ ኣብ ሕሜታን ቤላ ቤለውን ዚሓልፍ ግዜ የብሉን ምስ በልወን፡ ነዚ ዝበሉሉ ምኽንያት ንክገልጹ ከኣ ‘ምሉእ ብምሉእ ናይ ጐይታ ኰንካ ንኣኡ ጥራይ ንምስማዕን ሃምኻን ቀልብኻን ናባኡ ንምትኳርን ብዙሕ ጥንቃቄ የድሊ። ነዚ ንምግባር ሠላማዊ ልቢ ምውናን የድሊ። ነዊሕ እዋን ኣብ ገዳም ምቅማጥ ከዘሓሕል ስለዝኽእል ወትሩ ኣብታ ዕለተ ጸዋዕታ ምምላስ የድሊ። ነቲ ልብኻ ኣብታ ቀዳመይቲ ርክብ ዝስምዖ ዝነበረ ወትሩ ምዝካሩ የድሊ። ንጐይታይ ኢየሱስ ኣብ ምስዓብን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ምስናዩን ዝህቦ ታሕጓስ ወሰን የብሉን’ ምስ በሉ እዚ ግን ብላዕሊ ላዕሊ ዝሕሰብ ዘይኮነ ጽጹይ ሕልና መርመራ ብምግባር ድሕሪት ምልስ ኢልካ!

“ስለምንታይ ተጸዊዔ! ንመናባበሪ ሕይወተይ ዝጠቅመኒ ጥበብ ንክቀስምን ሥልጣን ንክህልወንንዶ! ማለት ኣብ ገለ ቦታ ሥልጣን ንክብጽሕዶ! ነዚ ኣይኮነን! እንታይ ደኣ ንከፍቅርን ንክፍቀር ንከፍቅድን እየ ተጸዊዔ ኢሎም።”

ስለቤተክርስትያን ምምላድ!  

ካብ ቅሳነት ኣእምሮን ሰላም ልብን ስግር ብምባል ከኣ ቅዱስነቶም ነተን ደናግል ሓደራ ዝበልወን ነቲ ሥራሕን ጸሎትን ዝብል ወርቃዊ ሕጊ መነኮሳት ብምዝኽኻር ኣእምሮይ ቅሱን ኢልካ ኢድካ ኣጣሚርካ ምንባር ዘይኮነ ኣእዳወን ክንዮ ንጸሎት ምዕጻፍ ኣብ ሥራሕ እውን ክንቀሳቀሳ ከምዘለወን ኣዛኻኸሩ። ነዚ ብዝምልከት ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዘይሠርሕ ኣይብላዕ’ ንዝብል ጠቀሱለን። ነዚ ምስ ዝገብራ ጐይታ ኪሓልፍ እንከሎ ክርድአን ከምዝኽእልን ምስ ተረደኤን ከኣ ነቲ ክብሎ ዝደለየ ከይስምዓ ከየሕልፋኦ ሓደራ ብማለት ስለ ቤተክርስትያን ምጽላይ ጥራይ ዘይኮነ መስቀላ ምስካም እውን ሓደ ካብቲ ተልእኮአን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸርወን።

“ግድላት ቤተክርስትያን ሥቃያ እውን ከይተረፈ ሓጢኣታ እውን ማለት ናትና ሓጢኣት ሓጢኣት ኣቡናትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ እንግድዓኽን ተሸከማ፣ ንሕና ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና። ነዚ ሰኸም እዚ ከኣ ናብ ጐይታ ኣብጻሓኦ እሞ ‘ሓጢኣተኛታት እዮም እንተኾነ ይቅረ በለሎም’ ቢልክን ጸልያ። ወትሩ ስለቤተክርስትያን ኣማልዳ ኢሎምወን።”

ሓጢኣት ከራክሰክን ኣይትፍቀዳ!

ቅዱስነቶም ናብ ናብራ ገዳማውን ብሕትውናውን ናብራ ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ካብ ሓጢኣት ነጻ ምዃን ከይምዘይኮነ ከመይ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና። መኽሰብ ናይዞም ገዳማውያንን ባሕታውያንን ዕጽዋት ሰብ ውፉይ ሕይወት ቀልጢፍካ ምንሳሕ እኳ እንተኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ ምልማድ ሓጢኣት ከራኽሰካ ከበላሽወካ ስለዝኽእል ናብዚ ደረጃ እዚ ከይወድቃ ሓደራ ኢሎምወን። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ሓጢኣት ዘራኸሶን ዘበላሸዎን ሰብ ክጠዓስ ይቅሬትን ምሕረትን ኪሓትት ብጣዕሚ እዩ ዘጸግሞ ኢሎም፣ እቲ ዝሓሰመ ሳዕቤን ናይዚ መንገዲ እዚ ከኣ ንሃጢኣት ከም ማንም ልሙድ ተርእዮ ሕይወት ገርካ ምውሳድ እዩ። እዚ ጸገም እዚ ከም ጒዕዞ ክንገልጾ እንተኾነ መኸዲ ዝኸውን ቲኬት ጥራይ እዩ ዘለዎ መመልሲ ክትረክብ ንጋዳ እዩ። እንተ መንገዲ እቶም ኣብዚ ደረጃ እዚ ዘይወደቁ ሓጢኣተኛታት ግን ይቅሬታ ምሕረት ምሕታት ከምዘድልዮም ይስቈሮም እሞ ይቅረ በለልና እንክብሉ ይንስሑ። ነዚ ፈጺምክን ኣይትዘንግዓ ‘ወትሩ ምሕረት ኣምላኽ ከምዘድልየካ ፈሊጥካ ምልማኑ’ ምስ በሉ ቤተክርስትያን እዚ ርክሰትን ብልሽውናን እዚ ከየጥቅዓ ተጊሀን ክጽልያ ሓደራ ኢሎም።  በዚ ሕማም እዚ ዝተለኽፉ ካህናት ደናግል ኣቡናት ብዙሓት እዮም። ነዚ ምኽንያት ዝኸውን ከኣ እቲ ብላቲን ኮሩፕስዮ ኦፕቲሚ ፐሲማ ማለት ናይቲ ዝበለጸ ሰብ ብልሽወና ዝሓሰመ እዩ ኢሎም። ስለዚ ካብዚ ንምድሓን ትሕትና ተላቢስካ ሓጢኣተኛ ምዃንካ ተሰቊሩካ ነቲ ኣብ ሓጢኣትካ ዘይኮነ ናብ ካልእ ዘተኰር መሓር ኩሉን ኣቦ ምሕረትን ዝኾነ ጐይታ ምምላስ የድሊ ኢሎም።

ምሕረት ምሕታት ፈጺሙ ኣይሰልቹኽን!

ንምሕረት ኣምላኽ ብዝምልከት ቅዱስነቶም ኣብ ኣርጀንቲና ቦነስ ኣየረስ እንከለው ሓደ ወዲ 94 ዓመት ዝኾኑ ሕይወትም ሙሉእ ኣብ ምንዛዝ ዘሕለፉ ካህን ሎሚ እውን እንተኾነ ሰፍ ዘይብል መስርዕ ኣብ ቅድሚ መንበረ ኑዛዜኡ ከምዘለው ብምዝካር ‘ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን መንእሰያትን ሠራህተኛታትን ካህናትን ኣቡናትን ደናግልን መጓሰ እግዚአብሔር ብምሉኡ ናብኡ ክናዘዙ ይኸዱ ከመይ ሕያዋይ ኣናዛዚ እዮም’ ኢሎም። ሓደ መዓልቲ እዚ ዘናዝዝ ገዳማዊ ካህን ናብቲ ናይ ሽዑ ጳጳስ ሎሚ ከኣ ር.ሊ.ጳ መጺኡ ‘ሓንሳእ ሓንሳእ ጽቡቅ ኣይስመዓንን ከመይ ብዙሕ እምሕር። ስለዚ ድሕሪ ምንዛዝ ናብ መንበረ ታቦት ከይደ ተንበርኪኸ ኦ ኢየሱስ ብዙሕ ስለዝመሓርኩ መሓረኒ እብል። እንተኾነ ኣብ ገለ እዋን ከኣ ነቲ ምኽኒት ናብኡ ንከጸግዕ ‘ጐይታየ እንተኾነ ንስኻ ኢኻ ነዚ ሕማቅ ኣብነት ዝሃብካኒ’ እብሎ’ ኢሎምዎም። ነዘን ቃላት እዚ ካህን እዚ እንክዝክር ጐይታ ይቅረ በለልና ንክብሎ ትሕትናና ጥራይ እዩ ዝጸበ እብል ኢሎም።

ካህናት ጓሶት እምበር ሰበሥልጣን ንከይኮኑ

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ምኽሮም ነዘን ዕጽዋት ደናግል ክላሪሰ ‘ንቤተክርስትያን ዘክራ ንሽማገለታት ዘክራ ነቶም ብዙሕ ግዜ እንግልሎም ንኣቦሓጎታትን ኣደዓባያትን ዘክራ’ እንክብሉ ሓደራ በልወን።

“ኣቦን ኣደን ኣብ ሥድራቤት ከመይ ገቢሮም ከምዝሠርሑ ዘክራ! ብዙሕ ግዜ ኣብ ፍጻሜ ወርሒ ንክበጽሑ ዝብላዕ ንክህልዎም ክሳብ ክንደይ ከምዝሠርሑ ዘክራ! ሥድራቤት ንደቆም ምኲስኳስ ብግቡእ ክፈልጡ ጸልያ፣ ንሕጻናትን መንእሰያትን ከቢብዎም ዘሎ ሕሱም ፈተና ዓለማውነትን ዘክራ! ስለ ቤተክርስትያን ጸልያ። ነተን ከማኽን ሕይወተን ዘወፈያ ደናግል ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ዝሠርሓ ዘክራ! ንካህናት ዘክራ! ቅድስት ተረዚና ስለካህናት ክትጽሊ ኣብ ገዳም ቀርመሌዎስ ኣትያ። ንሕና ውሉደ ክህነት ጸሎት ብጣዕሚ የድልየና ኣሎ። ሕያዎት ጓሶት እምበር ሰበሥልጣን ከይንከውን ካህናትስ ይኹኑ ኣቡናት ጓሶት ንክኾኑ መንፈስ ጒስነት ምእንቲ ክህልዎም ጸልያ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!

 

13 Nov 2021, 13:29