ር.ሊ.ጳ.፥ ንፍጥረት ክንከናኸኖ እንተ ዘይክኢልና ፍርዲ ኣምላኽ ከጋጥመና እዩ!
ር.ሊ.ጳ.፥ ንፍጥረት ክንከናኸኖ እንተ ዘይክኢልና ፍርዲ ኣምላኽ ከጋጥመና እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናብ ኣቡናት ስኮትላንድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ዝዛዘምዘሎ ኣኼባ ግልስኮ ዳግም ብምዝካር፥ “ከም ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝኣመሰለ ዓቢይ ብድሆ ኣብ ሎምን ንመጻእን ንምግጣም ስነ ምግባራዊ ሓላፍነት እዩ” ፍጥረት ኣምላኽ ክንሕልዎ ዝሃበና ናይ እታኽልቲ ስፍራ እዩ፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ኣይነባኽኖ ከምዝበሉን ኣስዒቦም ኣብ ስኮትላንድ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስክርነት ወንጌልን ኣብ ጉዕዞ ሓድነትን ጸኒዓ ኽትቅጽል” ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ስኮትላንድ ከተማ ግላስኮ ዝካየድ ዘሎ ዕለት12 ሕዳር ዝዛዘም መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ለውጢ ከባቢ ኣየር እቲ ዓለም ዝጽበዮ ዘሎ ተስፋታትን ውሳኔታትን ነባሪ መጻኢ ብቓል ኪዳን ኵሎም ውሑስ ኽኸውን ኣለዎ። እቲ ናይ ተግባር ግዜ ሕጂ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብታ ዕለት 9 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ናብ ስኮትላንድ ኣቡናት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ይገልጹ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ግላስኮ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ብዝሳተፉ ዘለዉ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተወከሉ ክዝከር እንከሎ፥ ኣብ መልእኽቶም “ንሓደ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ስነ ምግባራዊ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ እተጸውዐ ዓውደ ጒባኤ እዩ፡ እዚ ድማ እቲ ከም ስፍራ ኣታኽልትን ከምኡ እውን ከም ሓባራዊ መንበሪ ሰብኣዊ ስድራ ቤት እተዋህበና መለኮታዊ ፍጥረት ምዕቃብ እዩ።” እዚ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ግላስኮ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝተኸፍተሉ ዕለት ብቢቢሲ ዝተዘርገሐ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ዝበልዎ ሓሳብ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣከባቢ፥ ሓደ ካብቲ ሎሚ ዘሎ ዓቢይ ስነ ምግባራዊ ብድሆታት እዩ
ቅዱስነቶም ናብ ብጹዓን ጳጳሳት ስኮትላንድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣምላኽነቶም ነዚ ሕጂ ዘሎን ንዚመጽእን ወለዶታት ብሓላፍነት ዚሕተቱ “ዓቢይ ብድሆ” ዘጋጥሞም መራሕቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ “ጥበብን ብርታዐን ክህቦም” ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ምሕጽንታ ጸሎት፥
ግዜ ይጽንቐቕ ኣሎ፥ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸንቱ ኪኸውን የብሉን እንተዘይኰይኑ ግን እሙናት ኣመሓደርቲ ንኽንከውን እግዚኣብሔር ዝሃበና ትእዛዝ እንተዘየኽበርናያ ፍርዱ ከጋጥመና እዩ!
ከምዝበሉን እዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስነቶም ኣብታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከምኡ እውን ኣብ መባእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ብዛዕባ “እከይ ተግባር”፥ ብዛዕባ እቲ ደቅሰብ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ዝፍጽምዎ “እከይ” እንክገልጹ ዝብለዎ ምልስ ቢሎም ከምዘቃልሕዎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ጽሎት ምእንቲ ዅሎም ነቶም ግዳያት ለብዒ ኮቪድ - 19
ቅዱስነቶም ከምቲ ንኣቡና ስኮትላንድ ዝበለዎ ነቶም ኣብታ ሃገር በቲ ለብዒ ዝሳቐዩ ዘለዉ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ብጋህዲ ምጥማት ከምዘድሊ ተላብዮም ዕለት 9 ሕዳር ዝኽሪ ወፈያ ባዚሊካ ዘላተራኖ መንበር ኣቡን ሮማ ምልክት እቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ ጴጥሮስ ዘለዋ ምትእስሳር ከመላኽቱ እንከለዉ፥ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ “ንጐይታ ብተኣማንነት ንኽጸንዕ” ንኸተባብዓ ኣጋጣሚ ዘርህው ምዃኑ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ንሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ስኮትላንድ
ኣብዛ “ዝክረ በዓል መንበረ ጳጳስ ዘሮማ፥ ንወንጌል ንምግልጋልን ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎትና” ዘረጋግጽ እዩ። መላእ ሃገረ ስኮትላንድ ንቅድስተ ማርያም ሕድሪ ብምሃብ ከኣ ንዅሎም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ስኮትላንድ፥ ኣብዚ ጽንኩር ኣዋን እዚ “ኵሎም እቶም ኣብ ስኮትላንድ ዝርከቡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ወንጌል ሓሴት ፍትሓውን ሕውነታውን ጽግውእን መጻኢ ከምዝሓንጽን ብርሃንን ተስፋን ንምምጻእ ዘለዎ ሓይልን እሙናት መሰኻኽር ንምዃን ዝገብርዎ ቈራጽነት የሐድሱ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።