ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ገዓር ምድርን ድኻታትን ኣርኣያ ምዕባለ ኪቕየር ጻውዒት ይቐርብ!
ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቀ መርበባዊ ሜላ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዝደረስዎ መቕድም ዝተነብራ ንንባብ ዝበቕዔት “ይሴባሕ” ዘርእስታ ብቋንቋ እንግሊዘይና “ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ቃል ኪዳናዊ ጥምረት” ዝብል ኣርእስቲ ዝተውሃባ፡ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ስኮትላንድ ከተም ግላስጐው ዝካየድ ዘሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ምኽንያት ብቫቲካን ቤት ማሕተም ተሓቲማ ንንባብ ከምዝበቐዔትን እዛ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጒተረዝ ርእይቶ እውን እተጠቓልል መጽሓፍ እዚኣ ካብቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ብምርጋፍ እውን ብናጻ ንምንባብ ዝከኣል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም፥ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ነታ ሓባራዊ ቤትና ብዛዕባ ምክንኻን እትገልጽ ይሴባህ ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቲ ከምዘቕረብኩን ብዛዕባ ሓባራዊ ቤትና ማለት ብዛዕባ መሬት በቲ ሓላፍነት ዘይስምዖ ጠባያት ብኣሉታዊ መገዲ ንምዝመዛን ንሓደጋ እውን ከም እነቃልዓን ገሊጸን ብዛዕባ እዚ ዘተ ክብገስ ጻውዒት ኣቕሪበ እየ። እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቍጠባውን ሃይማኖታውን ማሕበርሰብኣውን ኣብ ፖለቲካውን ኣብ ትምህርታውን ባህላውን ዓውድታት ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ቦታታት ዘሎና ሓባራዊ መንበሪ ንምክንኻን እንገብሮ ጻዕሪ እወታዊ ጽልዋ ምግባር አሐጒሰኒ። ድሕሪ ሕትመት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ “ካቶሊካውያን ምስ ፍቑር ሓው ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ከምኡ እውን ምስ ኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዕለት ሓደ መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተፈጥሮ ከብዕሉ ዓደምኵ”፡ እቲ ህጹጽ መልእኽቲ “ይሴባሕ” ኣብ ኣገዳሲ ኣዋጃት ብፍላይ ከኣ ነቲ ብዛዕባ ጽዋዕታና ሐለውቲ ፍጥረት ኣምላኽ ምዃንና ዝገልጽ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሃይማኖታዊ ባህልን ዝተፈላለዩ ውሳኔታትን ስለ እተቓልሑ አመስግን። ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ምቅይያር ከባቢ ኣየር ዘማእከለ ካብ ቤት ምስልምና ዝወጸ ሰነድን ካብ ቡድሃ ሃይማኖት “ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር መልእኽቲ ናብ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ዝብል ሰነድን ብሓጐስ እዝክር።
ይሴባህ ዓዋዲት መልእኽቲ ሓለውቲ ሓባራዊ ቤትና ንምዃን ዓለም ለኻዊ ጻውዒት እያ፡ እቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባትን ማሕበረሰባትን ኣብ መልእኽትታት ይሴባህ ንኸንተሓባበርን ንኽተኣኽኽብን ዝወስዶ ተበግሶታት ኣዚዩ ዘደንቕ እዩ። እታ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቀ መርበባዊ ሜላ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዝደረስዎ መቕድም ዝተነብራ ንንባብ ዝበቕዔት “ይሴባሕ” ዘርእስታ ብቋንቋ እንግሊዘይና “ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ቃል ኪዳናዊ ጥምረት” ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ካብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2021 እተብዓለ ፍሉይ ዓመት ይሴባህ ኣብ ግቡእ መደብደምታ ምብጻሑ ዝምስክር እዩ።
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ደቂ ሰብ ከወገድዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኮቪድ - 19 ህጹጽ ኵነታት ኣብ ይሴባህ ከም ምሳልያዊ ሳዕቤን ገይረ ዘቕረብክዎ “ብኽያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን” ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ምክንኻን ንፈሽል ከምዘሎና ንምዝኽኻር እዩ። ስለዚ እቲ “ብምኽንያት ምድሪ” ዝወክል ማሓድርኣዊ ቅልውላው ከምኡ እውን እቲ “ገዓር ድኻታት” ነቲ ማሕበራዊ ቅልውላው ዝውክል ብሰንኪ ናይ ጥዕና ቅልውላው ማለት ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣዚዩ ብርቱዕ ኮነ። እቶም ቅድመይ ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 በታ “ፍቕሪ ኣብ ሓቂ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም፥ “ሰብ ንኣካባቢ ዚሕዘሉ መገድታት ነቲ ንገዛእ ርእሱ ዚሕዘሉ መገድታት ይጸልዎ እዩ” (ፍቕዲ 51) ዝበልዎ ሓሳብ ክሳብ ክንደይ ሓቂ እዩ!
ይዅን እምበር ቅልውላው ኣጋጣሚ ከም ዝኾነ እውን ኣይንረስዕ፥ ከመይሲ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ኣለሊኻ ካብኡ ንኽትመሃር ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው “እቲ ንዓለም ዜጋጥማ ዘሎ ስቓይ ከም ናይ ብሕታዊ ስቓይ ቀይርናን በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢልና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከቕርቦ ዝኽእል ኣበርክቶ ነስተውዕል” (ይሴባህ ቍ። 19 ረአ)። ብጀካ ፍትሓዊ መጻኢ ምእንቲ ኪህልወና ኣካይዳናን ልምድታትናን እንቕየረሉ እዋን እዩ። ኣብ ሕውነት ፍቕሪ ከምኡ እውን ሓባራዊ ምርድዳእ እተመስረተ ሓድሽ ዓይነት ኣድማሳዊ ሓድነት ነማዕብለሉ እዋን እዩ። ተስፋይን ጸሎተይን ከምቲ ናብቲ ቅልውላው ክንኣቱ ኸለና ዝነበረና ምዃን ዓቂብና ከም ዝነበርናዮ ኴንና ክንወጽእ ከም ዘይንኽእል እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ኵነታት ኣየር ከም ዚሕብሮ ነቲ ንማሕበረሰብ ብፍላይ ከኣ ንኣከባቢ ኣየር ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ኣድማሳውን ብርቱዕን ምዃኑ እተረድእዎ መብዛሕቲኦም ደቅና እያቶም። ብኽፉት ልቢ ክንሰምዖም ኣሎና። ዕድመኦም ብዘይገደስ ጥበበይናታት ስለ ዝዀኑ መምርሒኦም ክንስዕብ ኣሎና። ብዓብዪ ሕልሚ እንሓልመሉ ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ክንሓስበሉ ከምኡ እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ስጒምቲ እንድወስደሉ እዋን እዩ። ስጒምቲ እንወስደሉ ብሓባር እንዓየሉ እዋን እዩ!
ፍራንቸስኮ