ፍራንቸስኮ፥ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ፈሰስ ዓለም ሓድሽ ሰብኣውነት የድሊ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንዘካይዶ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ጒባኤ መኽፈቲ ዕለት 23 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ቅዱስነቶም፥ “ወድሰብ ምስቲ ክገጥሞ ዘለዎ ብድሆታት ብዝተሓሓዝ ኣገባብ ንትርጒምን ዋጋን ሰብኣውነት” ዳግም ክረኽቦ ከምዝግባእን ቅዱስ መጽሓፍ “ንርክባት ግብኡ ክብሪ ዝህብ ስነ ሰብ ፈልዩ ዘመላኽት ኣገዳሲ መዋህዶታት” የቕርበልና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነቲ ኣገዳሲ መኣስሮ ሰብኣዊ ህላወ” ዝትንክፍ ሰውራ ኣብ ግምት ብምእታው “መሃዝነት ዝመልኦ ጻዕሪ” ከምኡ እውን “ብዛዕባ ህላወ ወድሰብ ኣብ ዓለም ዳግም ምሕሳብ” ኣድላዪ እዩ። ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ “ኣገዳሲ ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ናይ ባህሉ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናብ ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጒባኤ ንመኽፈቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝኾነን፥ ብቐዳምነት ነቲ ለብዒ ዘበገሶ ብዝሕ ሕቶታት መልሲ ክንህበሉ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም፡ ገለ ካብዚ ሕቶታት እዚ “መሰረታዊ ህላወ - ብዛዕባ ኣምላኽን ሰብኣዊ ምዃንን ዝምልከት ሕቶ” ከም ኣብነት ኣቕሪቦም፥

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኵነታት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን እዚ ሓድሽ ቍጠባዊ መደባት ወይ ነቲ ኾሮና ተህዋስ ንምጥፋእ ሓድሽ ናይ ስነ ሕክምና ትእዛዝ የድልየና ጥራሕ ዘይኰነስ ኵሉ ድማ በቲ ባህላዊ ልምዲ ዝማዕበለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ራእይ እተመርኰሰ ሓድሽ ሰብኣዊ ኣረኣእያ የድልየና እዩ።

ድምዳመ ርእየታት ዓለምን ሰብኣውነት ዘርክስን

ኣብ እዋን መወዳእታ 1965 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ እዋን ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ - ጳውሎስ ሻድሻይ “እቲ ሰብኣውነት ዘርክስ ጽዩፍ ዓለማዊ ርእየት ንክርስቲያናዊ ርእየት ዓቢይ ፈተና ኰይኑዎ ኣሎ” ቢሎም “ነቲ ሓድሽ ሰብኣውነት” ኣፍልጦ ክወሃበሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ጠቒሶም፡ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ዳርጋ 60 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፥ እዚ ርዅስ ሰብኣውነት እዚ ክሳዕ ሕጂ ዝኵር እዩ፥

ኣብዚ ምዝዛም ርእየት ዓለም ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ መዋእል እቲ ብሰነ ኣህዝ እተራቐ ሰውራ ሓድሽ ለውጥታት ኣብ ዓውዲ ስነ ፍልጠት ዝድነቕ ርኽበታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ርእየታት ዓለም ዝተቐብረ እውን እዩ ዝመስል፡ እዚ ኸኣ ሰብ ምዃን እንታይ ማለት እዩ ቢልና ንኽንሓትትን ሰብኣውነት እንንደገና ንኽንሓስበሉን ይድርኸና።

መሐበርታት ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ፍስሓን ተስፋን”

ናይዚ ግዜና ባህላዊ ኣርኣእያ ፈሰስ “ኢሉ ዝገልጾ ህሞት እዚ መወከሲ እዚ ንዓለም ክሳዕ ክንደይ ከምዝጸለዋን ቤተ ክርስቲያን ከምእተስተውዕሎን ነዚ ንምብዳህ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ፍስሓን ተስፋን” መገዲ ከምዘመላኽተናን ከምኡ እውን “ብምትእምማንን ብትብዓትን ብኣእምሮኣዊ ኣሳልጦ ክህንህበሉን ነቲ ስጋን ነፍስን ዝፈላልይ ቍሳዊ ዓለም ክንመዝኖ ከም ዘድልየና ዝሕብር ውሳኔ እዩ” ስለዚ እውን ሓባራዊ ቅዋም ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ነቲ ኣድላዪ ዝኾነ ህላወ ደቅሰብ ዝትንክፍን ናይ ምሕሳብን ስጒምትን ጻዕሪ ዝሓትት ሰውራ ይካየድ ኣሎ። ወዲሰብ እቲ ብዛዕባ ምፍራይን ምውላድን ሙማትን ኪደት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብዛ ምድሪ ዝነበሮ ርድኢት እናተቐያየረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ እዚ ወድሰብ ኣብ ብምሉኡ ፍጥረት ዘለዎ ፍሉይነት ኣብ ቅድሚ እንስሳታት ዘለዎ ፍሉይነትን ምስ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘለዎ ርክብን ኵሉ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ።

ሰብ ከም ኣገልጋሊ ሕይወት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብነቐፌታን ብከሓድነትን ኣገባባት ከይተሓለሉ “ሰብ ኣብ ዓለም ምህላዉ ብመሰረት ሰብኣዊ ልምዲ - ከም ኣገልጋሊ ህይወት ደኣ እምበር ከም ጐይታ ሕይወት ከምዘይኮነ፡ ምስ እዚ እውን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ምትሕብባርን ሓልዮትን ኣብ ዝብሉ ክቡራት ዋጋታትን ጸኒዑ ናይ ሓባር ረብሓ ሓናጺ እዩ። ኣብ ጐድኒ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚለዓል ሕቶ ሎሚ ንሰብን ንመንነቱን ዝምልከት ሕቶ ኣሎ፥

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ እቲ ወድሰብ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ዝተሓላለኸ ርክብ ግቡእ ክብሪ ዝህብ ፍልጠት ስነ ሰብእ ፈልዩ ዘመላኽት ኣገዳሲ መዋህዶታት ምስቲ ዝነብረሉ ግዜን ቦታን ኣዛሚዱ የቕርበልና እዩ።

እቲ “ኣብ መንጐ ጥንታዊ ጥበብን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥበብን ዘሎ ምትሕንፋጽ ፍርያም ረባሕታ እዩ።” ይዅን እምበር ሎሚ መጽሓፍ ቅዱሳውን ናይ ብሉጽ ዘመን ሰብኣውነት ነቲ ካልእ ባህልታትን ካልእ ሰብኣዊ ልምድታትን ክፉታት ክዀኑ ይግባእ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ እዚ “ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ደቅሰብ ዚለዓል ዘጨንቕ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ እቲ ዝበለጸ መጋበርያ እዩ። ከመይሲ ዓለም ካብ ቀደም ሕጂ ብዝያዳ “ንትርጒምን ዋጋን ወድሰብ ምስቲ ዘጋጥሞ እዋናዊ ብድሆታት ብዝተተሓሓዘ ኣገባብ ዳግም ክረኽቦ ኣድላዪ ስለ ዝኾነ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 November 2021, 08:35