ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ቡልጋርያ ዘጋጠመ ሓደጋ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ይጽልዩ! ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ቡልጋርያ ዘጋጠመ ሓደጋ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ይጽልዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ቡልጋርያ ዘጋጠመ ሓደጋ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ይጽልዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዜና ብፍላይ ከኣ በቶም 12 ሕጻናት ዝርከብዎም ግዳያት ዝዀኑ 46 ሰባት ብርቱዕ ጓሂ ከም እተሰመዖም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብቶም እቶም በጻሕቲ ሃገር ናብ ዝኾነት ሰሜን መቀዶኒያ ርእሰ ብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ገሊጾም

ካብ ኢስጣምቡል ድሕሪ ዑደት ባህላዊ መስህብ ዝምለሱ ዝነበሩ በጻሕቲ ዜጋታት ሰሜን መቀዶኒያ ዘሳፈረት መጓዓዝያ ካብ እትጓዓዘሉ ዝነበረት መገዲ ወጺኣ ስዒቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት 46 ግዳያት ከምዝኾኑ ዝተሓበሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ቅርበትን ጸሎትን ዘረጋገጽሉ መልእኽቲ ናብ ርእሰ ብሔር ሰሜን መቀዶኒያ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 24 ሕዳር ለይቲ ካብ ኢስጣምቡል ዝምለሱ ዝነበሩ  በጻሕቲ ዘሳፈረት መጓዓዝያ ብዘጋጠማ ሓደጋ ባርዕ 46 ግዳያት ከምዝኾኑን እዞም ሸውዓተ ኣሰብኡትን ሰለስተ ኣንስትን ሓደ መንእሰይን ጥራሕ ገዛእ ርእሶም ከድሕኑ ከምዝኸኣሉን ኰይኑ ግና ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ እቲ ናይ ሕጐስ ጒዕዞ ናብ ዜሕዝን ፍጻሜ ከምእተቐየሮን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ከኣ ኣብ መገድታት ኤውሮጳ ብተደጋጋሚ ዘሰንብድ ሓደጋ ከምዘጋጠመን ከምዚ ዓይነት ሓደጋ እዚ እውን ክብ ይብል ከምዘሎ ይንገር።

ቅርበትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዜና ብፍላይ ከኣ በቶም 12 ሕጻናት ዝርከብዎም ግዳያት ዝዀኑ 46 ሰባት ብርቱዕ ጓሂ ከም እተሰመዖም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብቶም እቶም በጻሕቲ ሃገር ናብ ዝኾነት  ሰሜን መቀዶኒያ ርእሰ ብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ገሊጾም፥ “ልባዊ ቅርበት” አረጋግጽ ቢሎም፡ ምእንቲ ኵሎም ግዳያት እጽልይ፡ ነቶም ብሕይወት ዝተረፉ ሰባት እውን ቅርበቶምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት እውን ካብ እግዚኣብሔር ምጽንናዕ እምሕጸን ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መርመራ ጠንቂ ሓደጋ

ካብ ኢስጣምቡል ድሕሪ ዑደት ባህላዊ መስህብ ዝምለሱ ዝነበሩ በጻሕቲ ዘሳፈረት መጓዓዝያ ዘጋጠማ ሓደጋ ኣብ ሃገረ ቡልጋርያ ቑሸት ቦስነክ ምስ በጽሔት ምዃኑ ክሕበር እንከሎ እታ መጓዓዝያ ካብ እትጓዐዘሉ ዝነበረትሉ መገዲ ምስ ወጸት ጠንቂ ዝተፈጥረ ባርዕ ሓዊ እንታይ ምዃኑ ንምልላይ ናይ ቡልጋሪያ ሓይሊ ጸታ መርመራ ይካየድ ከምዘሎን እቶም ዜጋታት ዝሰኣነት ሃገረ ሰሜን መቀዶኒያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ብሔራዊ ሓዘን ከም ዝኣወጀት ኣፍሊጡ።

26 Nov 2021, 09:06