ፍራንቸስኮ፥ ሕውነት ታሪኽ ዝስርሓሉ ኣገባብ እዩ
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ካብ ዕለት 8 ሕዳር ክሳብ ዕለት 9 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ጆርጅታውን መንበረ ጥበብን ናይ ኢየሱሳውያን ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት “ካቶሊካዊ ስልጣነ” ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ናይ “ምርኻብ ባህሊ” ዘማእከለ ዓውደ ጒባኤ ክካይድ እዩ። ናይ ምርኻብ ባህሊ ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞም “መጻኢ እንሃንጸሉ መገዲ” ክኸውን ዝገልጽዎ ክቡር ዋጋ ንምርግጋጽ “ምሉእ ዓቕምና ከነወፍየሉ” ሓደራ ዝበልዎ ቃለ ምዕዳን ዘቃልሕ ዓውደ ጒባኤ እውን ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዛ “መርበባዊ ተራኽቦ” ዝበዝሓ እዋናዊት ዓለም ንሓድሕድና ንምስምማዕን ንምርድዳእን ንቃለስ። ስለዚ ዘተ “ናይ ደቅሰብ ሓቀይና መገልጺ እዩ። እዚ ኸኣ ቅድድም ናብ ምትሕብባር ንምቕያር ብትዕግስቲ ክግበር ዘለዎ ተመክሮ እዩ።” እዚ ሓደ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 8 – 9 ሕዳር ኣብ ሮማ ኣብ ሕንጻ ማልታ እተመደበ “ማእከል ሃይማኖትን ሰላምን ዓለምን በርክለይ” ጆርጅታውን መንበረ ጥበብን መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነን “ናይ ምርኻብ ባህሊ፥ ናይ ብህልውትናን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን መጻኢ” ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዋዕላ ናብ ዘዳለዉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዀነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ሕመረት ኵላትና ኣሕዋት
እዚ ኣጋጣሚ እዚ ነታ ቐዳመይቲ ዝኽሪ ዓመት ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንምብዓል ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዝግበር ምርኻብ ዘለዎ ትርጒም ንምምርማር ዝዓለመ እዩ። ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ብቐዳምነት መሰረታዊ መደረ ንኸስምዑ፥ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ታግለን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒይክሶት ከምእተዓደሙን ኣብ ውሽጢ ናይቲ ዓውደ ርክብ ክፍለ - ግዜያቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ኣሲዚ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ “ኵላትና ኣሕዋት” ብዝብል ኣርእስቱ ዝደረስዎ ዓውዲ መልእኽትን ከምኡ እውን ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዊ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓድነት ዓለምለኻዊ ሰላምን ሓባራዊ ናብራን ዝገልጽ ናይ ሓባር ሰነድን ዘማእከለ ጥልቂ መጽናዕቲ ክካይድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ምሉእ ሓይሊ ንዘተ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ነቶም ነዚ ኣኼባ እዚ ዘሰናደዉ ሰባት ስለቲ “ኣገዳሲ ፍረ ነገር” ዝገበርዎ ቘራጽነትን ኣመስጊኖም፥ “ብዙሓት ንሓድሕዶም ንኽረዳድኡ ዘኽእልዎም መምሃራንን ጥበበይናታትን ንኽዀኑ” ከምዝሕግዞም ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም - ከምኡ እውን “መሰረታዊ መሰላቶምን ናጽነቶምን ኣፍልጦ ብምሃንብ ንኻልኦት ብኣኽብሮት ግልጺ ንምዃን ኣብ ምምሃር ምሉእ ሓይሎም ከውዕሉ” ዓዲሞም፥ “ሕውነት ታሪኽ እንጽሕፈሉን ኣገብረሉን ኣገባብ እዩ፡ ምእንቲ እዚ ኸኣ ቈራጽ ውሳነ ንኽንገብር እላበው” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ኣዳውለውቲ እውን እንተ ዀኑ ኾርገ ማርዮ በርጐሊዮ ከም ኢየሱሳዊ ካህንን ሊቀ ጳጳሳት ቦኖስ ኣይረስን ኮይኖም ካብ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኣትሒዙ ናይ ምርኻብ ባህሊ ዝብል ትምህርቶም ፍሉይ ምዃኑ ይዝክሩ። ትሕትና ልግሲ ከም እውን ትዕግስቲ ባህላውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ምግምማዕ ንምስጋር ዘኽእል ውጽኢታዊ ዘተ ንምኽዋን ዘብቅዕ መሰረት ከም ዝዀነ የጒልሑ።”