ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትሎም ኣብ ውግእ ሓድሕድ ስፐይን ዝተቐትሉ ሰማእታት ይዝክሩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ምእመናን ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 6 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትሎም ኣብ እዋን ውግእ ሓድሕድ ስፐይን ዝተቐትሉ ሰለስተ ሰማዕታት ከምዝዘከሩን ንብጽዕና እዋጅ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሰመራሮ፥ “ክርስቲያን ስለ ዝዀኑ ጥራሕ ዝተቐትሉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ስፐይን ሃይማኖታዊ መስጐጒቲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተቐትሉ ትሑታትን ተባዓትን መሰኻኽር ክርስቶስ ምዃኖም ዘረጋግጹ ሰማእትነት ዝተቐበሉ እቲ ኣብነቶም ሎሚ ንማሕበረ ክርስቲያን እዋን ፈተና እውን ከይተረፈ ኣብ ጸዋዕታኦም እሙናት ንኽዀኑ ዝሕግዙ እያቶም። ነዞም ሓደስቲ ብጹዓን ሓጐስና ብጣቕዒት ንግለጽ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተሳተፉሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ሰምዕዎ ቃል እዩ። ዕለት 6 ሕዳር ኣብ ስፐይን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን 2053 ኣብ ዕስራ ክፍለ ዘመን ብኣሳዶ ሃይማኖት ምኽንያት ዝተቐሉ ደቃ ኣብ እትዝከረሉ ዕለት ብጹዓን ዝተብሃሉ ምዃኖም ከምዝዘከሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዞም ሓደስቲ ሰለስተ ብጹዓን በነት ዳ ሳንታ ኮሎማ ደ ግራመነትን ጆሰፍ ኦሪዮል ዳ ባርቸሎናን ዶመነክ ዳሳንት ፐረ ደ ሩይደቢትለትስን ኣባላት ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ካፑቺን ኣብ 1936 ዓ.ም. ኣብ እዋን ውግእ ሓድሕድ ስፐይን ዝተቐትሉ ሰማእታት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምዃኖም የመላኽት።
ብጹዕ ካርዲናል ሰመራሮ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወጅሂ ሰማእት ወጅሂ ክርስቶስ ይንጸባረቕ
ኣብ ማነሬዛ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም እመ ብርሃን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወኪሎም ነቲ ናይ ኣዋጅ ብጽዕና መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑ ናይ ቅድስና ጒዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየተን ብጽዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “እዞም ሰማዕታት እዚኣቶም ብዘይ ፍርዲ ክርስትያን ምዃኖም ዝተቐትሉ” እንክብሉ ገሊጾም፥ . . . ነፍሲ ወከፍ ሰማእት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍሉይን ዘይድገምን ታሪኽ ዘለዎን ከምኡ እውን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ብዘየማትእ ስሙ ዝጽዋዕ ብምዃኑ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንዘመናት ዝደጋገም ታሪኽ ወትሩ ፍሉይን ንጽልን እዩ፡ ሰማዕትነት ዝደጋገም ዘይኮነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰማዕት ፍሉይ ታሪኽ እዩ” ከምዝበሉን እቶም ሰለስተ ሓደስቲ ብጹዓን “ሕይወቶም ምስ ሰማዕታት ቤተ ክርስቲያን ዘተኣሳሰሩ እያቶም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም እቲ ኽቡር መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ስለ ዚሓድር ተሓጐሱ [. . .] ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር (1ጴጥ. 4፥ 14,16)
ኣብ ወጅሂ ሰማእት ወጅሂ ክርስቶስ ይንጸባረቕ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።