VATICAN-RELIGION-POPE-COLOMBIA-KIDNAPPING VATICAN-RELIGION-POPE-COLOMBIA-KIDNAPPING 

ኣብ ምድረበዳ ተኣሲረ እንከሎኹ ቅርበት እግዚአብሔር ተሰሚዑኒ! እናቴ ግሎርያ ናርቫኤዝ

ብ2017 ዓም ኣብ ማሊ ብጅሃዳውያን ተጨውያ ንልዕሊ ሠለስተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ማእሰርትን ስቃይን ዝጸንሓ ኮሎምብያዊት ፈላሲት ዝሓለፈ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ድሮ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ናጻ ዝወጸትን ንጽባሓቲ ኣብ መኽፈቲ ቅዳሴ ምስ ቅዱስነቶም ዝተዘራረባን እናቴ ግሎርያን ኣብቲ ሕሱም ግዜ ማእሰርቲ ከም ካቶሊካዊትን ከም ድንግልን ብርቱዕ ተነጸሎ እኳ እንተኣጋጠመን እቶም ሒዞመን ዝነበሩ ግን ክብረተን ከምዝሓለው ኣይሓብኣን። ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበራኦ ቃለ መሕትት እውን ንኩሉ ስለኤን ዚዓርግ ዝነበረ ጸሎት ከምኡ እውን ስለ እቶም ናጻ ንምውጻኣ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣመስጊነን።

ዜና ቫቲካን!

ሓደ ገዳማዊ ወይ ገዳማዊት መነኮስ ከምዚ ዓይነት ኣደራዕ እንክወርዶ ብዙሕ ግዜ መጽናንዒ ኰይኑ ዘገልግሎ እቲ ኣብ ገዳማዊ ሕይወት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝኲስኰሱሉ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ማንም ከሕድጎም ስለዘይክእል ለይትን መዓልትን ንጸሎተ ሰዓታት ማለት መዝሙራት ዳዊትን ካልእ ጸሎታትን ብግሊ ኣብ ሰሰዓቱ ብምጽላይ ከምዘሕልፉ እናቴ ግሎርያ ቸቺልያ ናርቫኤዝ እውን ዕለት ዕለት ምስ እዚ ጸሎት እዚ ገለ ቁሩብ ናይ ምንቅስቃስ ግዜ ኣብ ዝፍቀደለን ኣብቲ ጭው ዝበለ ምድረበዳ ይንቀሳቀሳ ከምዝነበራ ድሕሪት ምልስ ኢለን ብምስቊርቋርን ብሓቅዶ ሓሊፉ ዝብል ስምዒት እናተነበን ኩነታት ጭውያን ንሕስያ ዘይብሉ ማእሰርቲ ጅሃዳውያን ንዜና ኣገልግሎት ገሊጸን። ትኽክል ንምዃን ካብታ ዝተጨውያላ ዕለት ማለት ዕለት 7 ለካቲት 2017 ዓም ክሳብ እታ ሓራ ዝወጻላ ዕለት ጥቅምቲ 9 2021 ዓም ዓርባዕተ ዓመተን ሾመንተን ወርሕን ከም ዕለት ሓሊፈን። ከምቲ ምስላ ዝብሎ ‘ኣብ መወዳእታ እትጽንቀቅ ወይውን እትመውት ተስፋ እያ’ ብርቱዕን ኣጨናቅን ኩነታት እኳ እንተነበረ ንእናቴ ክሳብ መወዳእታ ከምዝጸንዓ ዝገበረን ተስፋ ምዃኑ ብምግላጽ ልዕሊ ኩሉ ግን ነቲ ስለአን ዚዓርግ ዝነበረ ጸሎት ጽንዓት ከምዝሃበን ገሊጸን።

እታ ዝቀረበትለን ሕቶ እውን ነቲ ምእንታአን ዚዓርግ ዝነበረ ጸሎትን ቅርበት ናይቶም ሰባትን ብከመይ ይርዳኣኦ ነበረ ዝብል እንክትከውን፡ እናቴ እንክምልሳ ‘ኣብ ዝኾነት ሁመት ዝድግፈኒ ዝነበረ ጸጋ እምነት ስለዝዀን እንታይ ኮን ይወርደኒ ኢለ ብዛዕባ እቲ ክስዕብ ዝኽእል ምንም ፍርሃት ኣይነበረንን እግዚአብሔር ከምዝድግፈኒ ከምኡ እውን መላእ ቤተክርስትያን ኣሕዋተይን መላእ ዓለምን ምእንታይ ከምዝጽሊ ይርድኣኒ ነበረ’ ቢለን ምስ መለሳ፡ ምስቶም ጨውዮምን ዝንበሩ ሰባትከ ከመይ ዓይነት ሃዋሁ ነበረ ትብል ሕቶ ሰዓበት።

ተጻይ ኩሉ እቲ ዝተገብረ ጭውያን ማእሰርትን እቶም ጨወይቲ ዳርጋ ተኸባቢርና ነርና ክብል እኽእል! ስለነፍስወከፎም እጽሊ ነረ! ኣብ ቅኑዕ ዝኾነ ነገራት ከኣ ኣድልዪ እንተኾነ እእዘዝ ነቢረ። ደሓን ዝኾነ ሰብኣዊ ርክብ ነሩና ክብል እኽእል ኢለን።

እንተኾነ ሓንቲ ወጻእተኛ ኣብ ኢድ ኣፍሪቃውያን ጨወየቲ እሞኸኣ ገዳማዊት ድንግል ኣብ ኢድ ኣስላምን በዓልቲ ፍሉይ ባህልን ኣብ ርእሰኽን ከመይ ዝበለ ኣመለኻኽታት ነርዎም! ንእትብል ሕቶ እንክምልሳ እውን ‘ገዳማዊት ድንግል ብምንባረይ ይንጽሉኒ ነሮም። ካቶሊካዊት እዩ ንእምነቶም ኣይክተልን። ወግሔ ጸብሔ ቅኑዕ እምነት ምስልምና እዩ ይብሉ ነሮም። ንሓሳቦም ንክገልጹ ብክብሪ እሓድጎም እንተኾነ ካቶሊካዊት ብምዃነይን ካልእ እምነት ብምስዓበይን ብዙሕ የጓይኑኒ ኣይነበሩን ኢለን።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ዝመጽእ ቀዳማይ ሕቶ ጉዳይ ሕይወት ስለዝኾነ ንሕይወተን ሰጊኤን ወይ ፈሪሔን እንተኾና ኣብ ዝተሓታሉ እውን ‘ፈጺመ ፈሪሐ ኣይፈልጥን። ጨውዮም ክወስዱኒ እንከለው ንዝኾነ ሓደጋ ብትብዓት ክቅበሎ ወሲነ ነበርኩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ እግዚአብሔር ብርቱዕ ምትእምማን ነሩኒ። እቲ ዝኸውን ክኸውን እዩ። እንታይ የፍርሃኒ ብዝብል ክሳብ ሞት ስንድውቲ ስለዝነበርኩ ምንም ፍርሃት ኣይተሰመዓንን’ ኢለን።

ርግጽ እዩ ንሓደ ኣማኒ እሞ ከኣ በዓል ውፉይ ሕይወት ናይ መጀመርያ ግብረ መልሲ ከምኡ እኳ እንተኾነ ምስ ምንዋሕ ግዜን ተነጽሎን ብዙሕ ውረድ ደይብ ምህላው ፍሉጥ ስለዝኾነ እናቴ ኣብዚ ግዜ ተነጽሎ ብልጭታ ተስፋ ኰይኑ ከም ምልክት ኣብ ልበን እግዚአብሔር ከምዘሰንየን ዝተሰምዔን እንተሎ ተሓቲተን እንክምልሳ ‘እወ እግዚአብሔር ኣብ ጐድነይ ከምዘሎ ይርድኣኒ ነበረ ምናዳ ዳዊት እንክደግምን ቁሩብ ነጻነት ረኺበ ኣብቲ ምድረ በዳ ቁሩብ ክዘዋወር ምስ ተፈቅደለይ ስፍሓት እቲ ምድረበዳን ዕብየት ፍጥረት እግዚአብሔርን እንክርኢ ከምኡ እውን ንግሆ ጸሓይ እንክትበርቅን ኣብቲ ጎቦታት ምድረበዳ ኣብ ነንሕድሕደን ተጣሚረን ዘለዋ ኣግማል ብርሑቅ ኪጐዓዛ እንክርእን ምልክት ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ጐድነይ ይረኣየኒ ነበረ። ኣብ ዝኾነ ግዜ ከኣ ዓቢ ውሕስነቱ ይስመዓኒ ነበረ’ እንክብላ ነቲ ዘይውዳእ ዝመስል ዝነበረ ግዜ ጸልማት እግዚአብሔር ከመይ ገቢሩ የብርሃለን ከምዝነበረ ምስ ገለጻ፡ ኣብ መወዳእታ ዝቀረበትን ሕቶ ‘እቲ ማእሰርቲ ከምዝተወድኤ መኣስ ተረዲኡክን’ ትብል ነበረ። ‘ኣብ ባማኮ በጺሐ ኣብ ገዛ ፕረሲደንት እቲ ሃገር ንካርዲናል ዘርቦ ምስ ፕረሲደንት ሃገረ ማልን ሚኒስተር ባህልን ሃማኖትን ናይታ ሃገር ምስ ረኸብክዎም ኣብታ ሁመት እቲኣ ነጻ ከምዝኾንኩ ተረዲኤ’ እንክብላ ምስ መለሻ በቲ ሃንደበታዊ ፍጻሜ እንታይ ከምዝተሰምዔን ወይውን እንታይ ይሓስባ ከምዝነበራ ተሓቲተን እንክምልሳ ‘ቅድሚ ዝኣገረ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልበይ ምምስጋን ነበረ። ደጋጊመ ዝብሎ ዝነበርኩ ‘ከም ኣምላኽና ዓቢ ኣምላኽ የሎን ማለት ኣብ ሰማይስ ይኹን ኣብ ምድሪ ዝደለዮ ዝገብር ኣምላኽ! ወትሩ ዝደጋግማ ዝነበርኩ ከኣ `እግዚአብሔር ብርሃነይን ድሕነተይን እዩ ትብል ኰይና ነታ ነጻነተይ ዳግም ክረኽባ ብምኽኣለይ ንእግዚአብሔር ወትሩ ከምስግን እየ። ቀጺሉ ምስጋናይ ናብ ቤተክርስትያነይ ናብ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ሰበሥልጣን ሃገረ ማልን መንግሥቲ ሃገረ ጣልያንን ኣገልግሎት ጸጥታኡን ከምኡ ክሳብ ኣነ ነጻ ዝኸውን ዝተቃለሱ ኩሎም ሰባት አመስግን። ልዕሊ ኩሉ ግን ጸሎት ዝኾነ ሃረርታ ሰባት ስለተረጋግጽ ብጸሎት ንዝደገፉ ኩሎም ኣመስጊነ’ ኢለን።

ብሓቂ ዓቢ ተኣምር ክትብሎ ዝከኣልን ምስጋና ዘድልዮን ጉዳይ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ እዩ እንተኾነ ናብ ንቡር ክትምለስ ከኣ ኣድላዪ ስለዝኾነ ንእናቴ ግሎሪ ዝቀረበት መዛዘሚት ሕቶ ቁሩብ ንድሕሪ ምልስ ኢለን እንታይ ይገብራ ከምዝነበራን ሕጂኸ እንታይ ክገብራ ከምዝሓስባን ነበረት። እናቴ ኩነታት ማሕበረን ንምግላጽ ፍራንቸስካዊ ማሕበርና ነቲ ኣብ ካራንጋሶ ሃገረ ማሊ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ሕጂ እውን ገና ይቃለስ ኣሎ። ኣብኡ ኣብ ሓደ ማእከል ኣገልግሎት ጥዕና ንሕዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ርእሲ ምግልጋል ብዙሓት ዘኽታማት እንረድኣሉ ማእከል እውን ኣሎ። ካብቶም ዘኽታማት መብዛሕትኦም ኣደታቶም ኣብ ምውላዶም ዝሞታ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ምጥፋእ መሃምነትን ቅድን ስፌትን ኣገልግሎት እውን ንገብር። ብቁጠባ እውን ንድኻታት ንምርዳእ ናይ ልቃሕን ውህለላን ወዘተ ነወፊ። ሕጂ እውን ነዚ ንምቅጻልን ንምድንፋዕን እዩ እንክብላ ቃለን ሃባ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

26 October 2021, 15:00