“ሓቀይናዉያን ኵኑ”፥ ርክብ ኣብ ኣገባብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ! “ሓቀይናዉያን ኵኑ”፥ ርክብ ኣብ ኣገባብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ! 

“ሓቀይናዉያን ኵኑ”፥ ርክብ ኣብ ኣገባብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ!

. . . ጽን ኢልካ ምስማዕ ርክብ እዩ ኣብቲ ናይቲ ካልእ ተመክሮ ገዛእ ርእስኽ ምእታው ወይውን ምስታፍ ማለት እዩ። . . .

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንታይ ማለት እዩ? ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝፍጽምዎ ዕዮ ካብ ኣብነት ር.ሊ.ጳ. እንታይ ክረኽቡ ይኽእሉ? ዝብሉን ዝኣመሰሉን ካልኦት ሕቶታትን መልስታቶምን ብሰፊሕ እተቕርብ ስኒትን ሓቅነትም ምስማዕን ዕምቆትን ዝብሉ ቃላት ኣተመላኽት መጽሓፍ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ህንጻ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጒባኤ ኣድራሽ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔትን ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረኽ ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መብዛሕቲኡ ግዜ “ናይ ለውሃት ምሕረት ግዜ ካብ ስፍራ  ይበልጽ እዩ፡ ኣክንዲ ቦታ ምሓዝ ኪደት ምብጋስ ልልያን እናተዀላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለምን ዘተ ኣገልግሎት ምስማዕን ተስፋን ዝብልን ካልኦት ዘዘውትርዎም ቃላት ምብዛሕትና ዘይንርድኦ ወስታታቶምን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ተምበርኪኾም ኣብ እግሮም ወዲቖም ሰላም ምእንቲ ክገብሩ ዘርኣይዎ ናይ ትሕትና ተግባርን፡ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ኣእጋር እሱራትን ክሓጽቡ እንከለዉ ዘርእናዮ ጭቡጥ ተግባራት ዘይዝክሮ መን እዩ? ወይ ከኣ ንብዙሓት ቈልዑን ኣረጋውያንን ስንኵላንን ግዳያትን ብጭቡጥ ዝነብርዎ ሓልዮትን ኣብ ዝዀነ ይኹን ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ ኢዶም ዘይፈልይዋ ንእሽተይ ሻንጣ፥ ናብ ነፋሪት ክድይቡን ካብ ነፋሪት ክወርዱን ዝይፈልይዋ፡ ማንም ከይሓሰቦ ካብ ዝጓዕዙላ ማኪና ወሪዶም ምስ ሕዝቢ ሰላምታ ክለዋወጡን . . .  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ እዮም ዝደልዩ፥ ኣእምሮን ልብን ሰባት ዝትንክፍ ርክብ! ብዙሕ እዋን ዓቢይ ጦብላሕታ ዝስምዖም ጦብላሕታ ዘለዓዕሉን። እዚ ኵሉ ኣብ ቅድስነቶም እንራኸቦ ጭቡጥ ኵነት እዩ።

ኣብቲ ዓውደ ምረቓ ዝተረኽቡን መደረ ዘስምዑን

ኣብቲ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ጋዜጠይና ተወላዲ ኮሎምቢያ ኣርይ ዋልዲር ራሞስ ዲያዝ “ሓቀይናውያን ኵኑ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓቀይና ከም ምዃንካ ቀረባ ምዃን ኣብ ምርኻብ ዝብል ተራኻብነቶም እተቃልሕ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ዘርእይዎ ኣብ ኣእምሮን ልብን ኵሉ ተሓቲሞም ዝተረፉ ቃላቶምን ምስልታቶምን ወስታታቶም ብጥልቂ እትትንትን ብቤት ማሕተም ላቮሮ ዝተሓትመት መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣወሃሃድነት ዝተመርሐን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረችን ንናይ ሰፐይን ራዲዮ ኮፐ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣብ ኢጣሊያን ሃገረ ቫቲካንን ኤቫ ፈርናንደዝን ናይ ኣለተያ ካቶሊክ መርበብ ሓበሬታ ምኽትል ኣቦ መንበር ኸሱስ ኮሊናን መደረ ዘስምዑሉ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይታ መጽሓፍ ንኡስ ኣርእቲ እውን “ርክባትናን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣገባባትና ንኸነመሓይሽ ምስ ር.ሊ.ጳጳሳት” ዝብል ምዃኑ የመላኽት።

ዘራኽብ ድልድል ምህናጽ ዝኣመተ ዘተ

ራሞስ ዲያዝ ኣብታ መጽሓፎም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ባዕሎም “ድህረ ሓቂ” ቢሎም ኣብ ዝገልጽዎ መዋዕል ዝነብርዎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልልዋጥ ርክባቶም ብዕምቆት ዝትንትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ሰለስተ መሰረታዊ መዳያት ዜጒልሕ ኣብነታት እውን “ዕምቈት ምስማዕ” ከምኡ እውን ብልክዕ “ሓቅነት” ዝብሉ ቃላት ብምቕራብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ሰባት እንኰላይ ኣብ መንጐ እቶም ኣዚዮም  ሩሑቓት ዝኾኑን እተፈላለዩን ሰባት እውን ከይተረፈ ሓፈሻዊ ዕላማ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኪደት ድልድል ምቛም ዝብል ምዃኑ ዚሕብር እዩ። “ነቲ ናይ ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ፍጻመታቶም” ምርዳእ ማለት ንምስጢር ሓቛፍን ክቡራት ዋጋታት ዝመልኦ ንብዙሕነት ክፉት ምዃንን ንሓደ ማሕበረሰብ ሕንጸት ናብ ዝብል ርእየት ምባልን ዘመላኽት ርክብ ቀረባ ምዃንን ምንባርም” ማለት ከምዝኾነ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ኣብታ ናይታ መጽሓፍ መእተዉ የብርሁ። ምስክርነት እቶም ዝተራኸብዎም ኣመንትን ኢኣማንያንን ኢእግዚኣብኢራውይስንን ተሓበብርቶምን ብቐረባ ዝፈልጥዎምን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ተራ ሰባትን መሰረት ዝገበረት መጽሓፍ እውን ምዃና ይሕብሩ። ዕላማ እታ መጽሓፍ እውን፥ ኣንባቢ ኣብነት ር.ሊ.ጳ. ጽን ብምባል “ኣብ መገዲ ውልቃውን ማሕበራውን ዕብየት ( . . . )  ከብል ንምሕጋዝን ዘይምግዳስን ፈላላይ መናድቕን ሲኒካውነትን ጽልሙታውትን ንምውጋድን ዝመርሕ መገዲ” ምሕባር እዩ።

“እቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድመኦም ብዙሓት ሰባት እኳ እንተለዉ ደው እናበሉ ዘካይድዎ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ምስቲ ሰላም ቢሎም ዘዘራርብዎ ሰብ ከምዘለዉ እዮም ዝኣምኑ” (ገጽ. 26 ረኣ)

ብጽዕ ካርዲናል ግረች፥ ምስማዕ ስነ ጥበብ እዩ!

ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ እታ መጽሓፍ ብዘስምዕዎ መደረ ዝኸፈቱ ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች “ፍረ ነገር ዝርርብ ምስማዕ እዩ፡ ሓሳን ንሓሳብ ምልውዋጥ ካብ ምስማዕ እዩ ዝብገስ ኣብ ምስማዕ እዩ ዝቐውም”፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝህቢ ኣምላኽ ብምስማዕ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ጒዕዞ ከጀምሩ ምድላዮም ናይ ኣጋጥሚ ጒዳይ ኣይኮነ፡ ምስማዕ ከብሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ? ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርዊ ምዕዳን ሰነዶም፥ “ምስማዕ ስነ ጥበብ እዩ፡ ናይ ኣእምሮ ጒዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ልቢ እውን እዩ፡ ውህበት ዝብል ኣርኣእያ ዝሓዘ እዩ። ስለዚ ጽን ኢልካ ምስማዕ ከብሃል እንከሎ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ሓዲግካ ምርኻብ ማለት እዩ። . . . ጽን ኢልካ ምስማዕ ርክብ እዩ ኣብቲ ናይቲ ካልእ ተመክሮ ገዛእ ርእስኽ ምእታው ወይውን ምስታፍ ማለት እዩ። . . . ዝተበደለን ዝተዓመጸን ንዝተፈላለየ ዘስካሕክሕ በደል እተቓልዔ ጽን ቢልካ ምስማዕ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ፈውሲ ምቕራብ ማለት እዩ . . . ብጹዕነቶም ኣብ ምወዳእታ፥ ነቲ ከም ቤተ ክርስልቲያን ማሕበርሰብ ከምኡ እውን ሰብኣውነት መጠን ተሰኪምናዮ ዘሎና በሰላ ንምሕዋይ ምሹእ ግዜ ክኸውን ዝኽእል እቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተበገሰ ሲኖዶስ ምጥቃስ ይከኣል፡ እዚ ሲኖዶስ እዚ ነታ ጸማምን ካብ ምስማዕን ጽን ካብ ምባልን ርሒቓ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ዝፍውስ እዩ፥ ኣብዚ ፈውሲ በዚ እውን ኵላትና ንፍወስ። እቲ ሲኖዶስ ነቶም ዝተሓረጉን ተነጺሎምን ዝነበሩ ዘይትሰምዕ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ንኽስተምዕን ንምስማዕ ፍቃደይና ምዃና ዝምስክር እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከም ኣገልግሎት

ኤቫ ፈርናንደዝ እውን ብወገነን፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምርኻብ ፍልዩ ብቕዓቶም ንኣና ህያብን ወንጌል ንኸስትውዓልን ንኽማርኽን ዝድርኽ እዩ። ነዚ ንምቅላሕ ድማ ህርኵት ጻዕሪ ይሓትት፥ ከምቲ ቅዱስነቶም ዓቕሞምን ሓይሎምን ንርክብ ከምዘዕልዎ፡ እዚ ንክፍጻም ከኣ ትሕትናን ለጋስ ምዃን ይሓትት እንክብላ . . .

ኣብ መንጐ ምዃንካን እትብሎን ዘሎ ስኒት

ኣስዒቦም ኣብቲ ዓውደ ምረቓ መደረ ዘስምዑ ናይ ኣለተያ ካቶሊካዊ መርበብ ዋና ኣሰናድኢ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቺለ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘሕደረሎም ከቢድ ስቓይን ኣብ ምምላሶም ኣብ ነፋሪት ካብ ሓደ ጋዜጠይና ዝቐረበሎም ሕቶ . . . ዝሃብዎ መልሲ ተጋጊኻ እንተነርካ ተጋግየን ጌጋ ገምጋም ገይረ ነይረ እንክብሉ ክእመኑ ምስማዕ ናይ ሓደ ሓቀይና ዘተን ናይ ምርኻብ ባህሊ ዝነብር ሰብ መግለጺ እዩ። . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ወንጌል ዘራኽቡ ድልድል እዮም። መጋበርያ ወንጌል እዮም። ብቓሎም ወስታኦምን ዝፍጽምዎን ኵሉ ዕዮታቶም ኣቢሎም  ወንጌል እዮም ዘራኽቡን ቢሎም እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ስነ ምርኻብ እተገልግል ናይ ሕንጸት መጽሓፍ ጥራሕ ዘይኮነ መንፈሳዊት መጽሓፍ እውን እያ ከምዝበሉ ዜና ቫትካን ሓቢሩ።

ናይታ ምጽሓፍ ደራሲ ራሞስ ዲያዝ

ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ራሞስ ዲያዝ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እታ መጽሓፍ ናይ ሓባር ዕዮ ውጽኢት እያ፡ “ሓቅነት ይሃልዅም” ዘርእስታ መጽሓፍ ሓደ ጋዜጠይና ክፍጽሞ ዝኽእል ሓጢኣት ኣቐዲሙ ንምውጋድን ንኸይፍጽሞ “ሓቀይና ምዃን” ኣብ ዝብል መገዲ ምጒዓዝ ምዃኑ ተመላኽት። ሓቅነቱ እተረጋገጸ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ትዕግስትን ትብዓትን ዚሓትት እኳ እንተኾነ ፈላላይ መናድቕ ንምእላይ ዘራኽብ ድልድል ንምሕናጽ ዝሕግዝ እዩ . . . ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

“ሓቀይናዉያን ኵኑ”፥ ርክብ ኣብ ኣገባብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ!
21 October 2021, 09:34