2021.10.22 Capitolo Generale Figlie Maria Ausiliatrice 2021.10.22 Capitolo Generale Figlie Maria Ausiliatrice 

ንመንእሰያት ብፍቅሪ ጽን ቢልክን ብምስማዕ ተልእኮኽን ሓድሳ! ር.ሊ.ጳ ንሳለዛውያን ደናግል

ማሕበር ደናግል ደቂ ማርያም ረዳኢተ ክርስትያን መበል 24 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ሮማ ኣካይደን ኣብ ፍጻሜ ጉባኤ ከኣ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቀንዲ ገዳመን ከምዝብጽሕወንን፣ ብኣብነት እኖና ድንግል ማርያም ክምርሓ ሓደራ ብማለት ንመንእሰያትን ድኻታትን ብዘወፍያኦ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም ከምዘተባብዕወን ካብ ቅድስት መንበር ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ናብ ቀንዲ ገዳም ሳለዛውያን ደናግል ቅዱስ ዶን ቦስኮ ኣብ ዝበጽሑሉ ነተን ንመበል 24 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረን ብምምራጽ ሓዳስ ጠቅላሊት ሓለቃ ማሕበር ዝዛዘማን ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብ ነተን ሓዳስ ጠቅላሊት ሓለቃ ኰይነን ዝተመርጻ እናቴ ክያራ ካዝዎሎ ምስ ሓዲስ ጒጅለ ኣማኸርተን ዕውት ተልእኮ ክኾነለን ብምምናይን ነተን ኣገልግሎተን ዝፈጸማ ጠቅላሊት ሓለቃ ነበር ምስ ኣማኸርተን ብዝሃባኦ ኣገልግሎት ኣመስገኑ።

ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን ነቲ እተን ደናግል ከም ቀንዲ መሪሕ ሓሳብ ጉባኤኤን ዝመረጻኦ ኣርእስቲ ማለት ‘ኣብ ማእከል ዘመናዊ ዓለምና ሕይወት ዘመንጭዋ ማሕበራት’ ንዝብል ብመንፈስ ቃላት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ኣብሪሆምለን። እኖና ድንግል ማርያም ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ነቶም ዘሳስዩ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ‘ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ’ (ዮሓ 2-5) በለቶም። ቅዱስነቶም ነዚ ናብተን ደናግል ኣመልኪቶም ብሓደ ወገን ዘሎናዮ ዓለም ብዙሕ ባህልታት ዝውንን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘኸተሎ ወጥርን ግድልን ዝልለ እንክኸውን በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንቃል ኣምላኽ በቶም ድኹማትን ተኣፈፍትን  ዝኾኑ ወገን ሕዝቢ ብዝተፈላለየ ኩነታት ድኽነት ዝደሃኹን እቲ ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላው ብምብዛሑን ዘቅርብዎ ድምጺ ጽን ኢልክን ክተሰምዓ ይዕድም። እዚ ከኣ ጸዋዕታኽን ብሓቂ ፍርያም ንክኸውን ዳግም ክተበራብራኦ የዘኻኽረክን ኢሎም።

ፍርያማነት ጸዋዕታ ዳግም ምብርባር!

ቅዱስነቶም ኣብ ምሥረታ እቲ ማሕበርን ዝነበረ ፉሕፉሕ ዝብል ወንን ብዝሒ ፍረ ናይቲ ሽዑ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ብምዝካር እዚ መንፈስ እዚ ዳግም ንክበራበር እዋኑ ከምዝኾነ ገሊጾም። እቲኦም ሽዑ ዝነበሩ መራሕትን ኰስኰስትን ቀንዲ ዘተኰረሉ ናይቲ ሽዑ ግዜ ጸገማት ብምትንታንን ምጽናዕን ንኣኡ ዘድሊ መልሲ ንምሃብ ብምቅላስ እንክኾን ሎሚ እውን እዚ መንገዲ እዚ እዩ ጸዋዕታ ከሰስን ዝኽእል። ናይዚ ዘሎና ዓለም ጸገማትን ግድላትን ኣለሊኻ ንኣኡ ዝኸውን መልሲ ምሃብ እዩ። እዚ ከኣ ትርጉም ሰብ ውፉይ ሕይወት ዳግም ብምብራህ ነቲ እግዚአብሔር ኣቦ ብወዱን መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ዝገለጾ ፍቅሩን ሕያውነትን ጽባቄኡን ምብሳር ምዃኑ ምዝካር የድሊ ኢሎም።

እዚ እንክብል ግን ነቲ ሎሚ ከም ሎሚ ንማሕበራት ዘጋጥም ዘሎ ግድላትን ተኣፋፍነቶምን ዘንጊዕና ኣይኮነን። እንተኾነ ዘሎና ኩነታት ናብ ካይሮስ ወይውን ናብቲ መበቆል ናይቲ ጸዋዕታ ምልስ ኢልካ ብምስትንታን ኣብቲ መሠረታዊ ዝኾነ ጉዳይ ንክተተኲርን ጣዕምን ጽባቀን ውፉይ ሕይወት ብቀዳምነት እቶም ዝተጸውዑ ንከስተማቅርዎን እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ንጸዋዕታ እግዚአብሔር ከም እኖና ድንግል ማርያም እሺ ሕራይ ከምዝበልካዮ ይኹነለይ ብማለት ከም ደቂ ኣንስትዮን ከም ማሕበርን ብጐይታን ብኩነታትን ዝሕተቱ ባእታ ምዃነን ዘይምዝንጋዕ። እዚ ምስ ዝግበር ናይ ዘመንና ነቢያት ወንጌልን መሰኻኽር ክርስቶስን ቅዲ ሕይወቱን ክኽወን ይከኣል። ነዚ መንገዲ ኣምላኽ እዚ እያ ቤተክርስትያን ወትሩ ከም መንገዳ ገቢራ ትስዕቦ ኢሎም።

መንገዲ ቤተክርስትያን መንገዲ ኣምላኽ እዩ!

ቅዱስነቶም እዚ መንገዲ እዚ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንታሪኽ ድሕነት ደቂሰባት ማለት ታሪኽ ምሥጢረ ሥጋዌ እግዚአብሔር ዝመረጾ መንገዲ ምዃኑ እንኪገልጽ እዚ ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ኩነታት ደቂሰባት ምእታውን ከማና ሰብ ኰይኑ ንድሕነትና ክውን ክገብርን ዝተኸተሎ መንገዲ ቤተክርስትያን እውን ኣብ መንጎ ሕዝቢ ኣትያ ከምኦም ኰይና ናብ ድሕነት ንክትመርሕ ነቲ እግዚአብሔር ዝፈጸሞ መንገዲ ከም መንገዳ ወሲዳ ብኣኡ ትጐዓዝ ከምዘላ ገሊጾም።

እዚ ብጽንዓት ኣብ ክርስቶስ ምሥራታ እንከረጋግጽ ብምንም ተኣምር ብዓለምን ዝተፈላለዩ መፈንጠራታትን ከይትወድቅ ይሕሉ። ሰብ ውፉይ ሕይወት ምናዳ ክጥንቀቁሉ ዘለዎም ብዓቢ ብልሓት ንጸዋዕታኦም ክእመኑ እዚ ከኣ እቲ መንፈስ ጸዋዕታ መሥረቲ ማሕበራት ሕያው ዝኾነ ውህበት እምበር ከም ዝኽሪ ዓቊርካዮ ዝንበር ኣይኮነን ኢሎም።

ኩሉ ውህበት ኣምላኽ ኰይኑ ምንጩ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ዝዓበየ ሓላፍነት ሰብ ውፉይ ሕይወት ነቲ ወትሩ እናሓደሰ ጸጋታቱ ዝዕድል መንፈስ ቅዱስ ጽን ቢልካ ምስማዕን ምሳኡ ምትሕብባርን ቀጻሊ ተሓድሶን የድሊ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ናይ ሎሚ ሕይወት ዘድሊ ጸጋታት ብመሥረት እቲ መሥራቲ ማሕበር ዝጀመሮ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ክውን ስለዝገብሮ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ነገር ሓዲስ ስለዝገብር ብሓይሉ ሓዲስ መግለጺታት ናይቲ እንኮ ውህበት መሥራቲ ማሕበር ንምርካብ ይሕግዝ።

ቤተክርስትያን ዝተኸተሉ መንገዲ እዚ እዩ። ነዚ ከኣ ብቅዱሳን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዮሓንስ መበል 23ን ጳውሎስ ሻድሻን ከምኡ እውን ብዝቀለጠፈ ብፅዕናኦም እንጽበ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይን ሎሚ በዓሉ እንዝክር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ድሕሪ እቲ ጉባኤ ዝተኸተልዎ መንገዲ እዚ ነበረ ኢሎም።

ልባዊ ርክብ ዘለዎም ማሕበራት ምድንፋዕ!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረን ካብ ዝዘተያሉ ነጥብታት ሓደ ‘ኣብ ነንሕድሕደን ጽቡቅ ርክብ ዘለወንን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተኣሳሰራን ብውስጠ ባህላውን ሕውነታውን ልባውን ርክባት ዝተኣልማ ማሕበራት የድልያ’ ንዝብል እንደገና ብምጥቃስ እዚ ብሓቂ ከምዘድልየን ኣስሚሮምሉ።

ነዚ ክውን ንምግባር ከኣ መንፈስ ሥድራቤት ኣብ ማሕበረን ከደንፍዓ፡ ከምቲ ቀዳሞት ኣባላት ማሕበር ደናግል ሳለዝያን ኣብ ግዜ ምሥረታአን ኣብ ሞርነስ ዘርኣያኦ ሕውነትን ፍቅርን ምናዳ ከኣ ንፍልልያት ከም ሃብቲ ቈጺረን ንኩሉ ጽን ኢለን ክሰምዓን ሃንጐፋይ ኢለን ብምቅባልን ዘበርከታኦ ዕድል ሎሚ  እውን ከምዘድልየን ገሊጾምለን።

ነዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ውሽጢ ማሕበረን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ካልኦት ማሕበራት እውን ክተሓባበራን ብሓባር ክሰርሓን ነንሕድሕደን ንምትሕግጋዝ ሓላፍነት ለቢሰን ከምዚ ኣብ ሲኖዶስ ዝበሃል ዘሎ ብሓባር ክጐዓዛ ነዚ ግን ንመንፈስ ቅዱስ እዙዛት ኰይነን ነቲ ንሱ ዝህቦ ሕዳሴን ሃንደበታዊ ነገራትን ንምቅባል ልበን ብምኽፋትን ክገብራኦ ሓደራ ኢሎምወን።

ንመንእሰያትን ድኻታትን ምግልጋል!

ቅዱስነቶም ነታ ልብኻን ኣእምሮኻን ንመንፈስ ቅዱስ ዝህቦ ጸጋ ብሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር ኣብ ኣገልግሎት መንእሰያትን ድኻታትን ዝነጥፋ ማሕበራት ብቀጻሊ ከምዘመንጩ እውን ገሊጾም። ነዚ ከኣ ካብ ገዛእ ርእሰን ውጽእ ኢለን ኣብ ሻውላትን ብዙሓት ድኻታት ዝርከብዎ ቦታታትን ውጽእ ኢለን ብመንፈስ ማሕበረን ንስብከተ ወንጌል ክወፍራ ሓደራ ብማለት ሽሕ’ኳ ብዙሕ ጸገማት እንተሎን ብዓንዲ ርእሱ ሕጻናትን ኣጒባዝን ክትኲስኲስ እውን ከቢድ እንተኾነ ከምቲ ንሲኖዶስ መንእሰያት ስዒባ ዝወጸት ቃለ ምዕዳን ክሪስቱስ ቪቪት ክርስቶስ ሕያው እዩ ዝተማሕጸንክዎ ምስ መንእሰያት ክትሰርሓ ኣተባባዓክን ኢሎመን።

ዝኽሪ በዓል መበል 150 ዓመት!

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ናይቲ ማሕበር ምልስ ብምባል እዚ ማሕበር እዚ ብቅዱስ ዶን ቦስኮ ካብ ዝምስረት 150 ዓመቱ ስለዘቊጸረ ነዚ ዓቢ ዝኽሪ በዓል ንምግባር ኣብ ዝሸባሸባሉ ግዜ ነዚ ዕድል እዚ ጸዋዕታውን ተልእኯኣውን ዳግመ ሕይወት ንምዝራእ ንተሓድሶ ክጥቀማሉ ሓደራ ቢሎም። ምስዚ ኣተሓሓዚኦም እውን ነቲ ኣብ መጀመርያ እቲ ማሕበር ክምሥረት እንከሎ ንዝነበረ ጸጋ ከይርስዓ ከምኡ እውን ኣብቲ ፈለማ ዝነበረ ትሕትናን ዋሕድን ብሓይሊ እግዚአብሔር ነቶም ብኣኡ ተማኖም ነቲ ጒዕዞ ዝጀመሩ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣድናቂ ዕብየት ከምዝበጽሐን ክንደይ ድንቂ ዝኾነ ነገራት ከምዝፈጸመን ኣይትረስዓ ድሕሪ ቢሎም እታ ጠባቃኦም ዝኾነትን ብሽማ ማሕበረን ዝጽዋዓላን ረዳኢተ ክርስትያን ማርያም ክትሕግዘክን እያ። ንስኽን ደቃ ኢኽን። እተን ንሳ ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ዝበለተን ቃላት ኣብ ጒዕዞ ሕይወትክንን ንእትገብራኦ ብመንፈስ ኣለሊኽን ንምኽኣልን ቅኑዕ ውሳኔ ንምግባር ክሕግዛኽን እየን። ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዝብላ ቃላት ድንግል ማርያም።

ኣብነት ድንግል ማርያም!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነተን ደናግል ኣብነት ሕይወተን ክኾነን ዝኽእል እንትርፊ ማርያም ካልእ ከምዘየሎ ብምዝኽኻር ‘እኖና ድንግል ማርያም መስተውዓሊት ሰበይቲ ብምልኣት ኣብታ ሽዓ እትገብራ ሓልዮት ጥራይ እተተኩር ኣብነት ትኹንኩም። ኣብነታ ምስ እትስዕባ ጥንቁቃት ሰማዕቲ ንጸገማትን ኣድላይነትን ብቀሊሉ ተረዲእክን ከምቲ ንሳ ወይኒ እምበር የብሎምን ዝበለቶ ደስታ ፍቅርስ ይኹን ካልእ ነገራት ጐድሉ እንክትርእያ ጐይታየ እዚ እምበር ጐዲሉ ክትብላ ነዚ ግን ብቃላት ጥራይ ዘይኮነ ብኣገልግሎት ቅርበትን ርሕራሔን ሓልዮትን ክትገብራኦ ሓደራ። ከምዚ ብምግባርክን ዘይሕሱ ተስፋ ክትህባ ኢኽን። ከም እኖና ድንግል ማርያም ናይ ተስፋ ሰበይቲ ንምስዃን ኣብቲ ሳለዝያዊ መንፈስ ምልስ ኢልክን ወትሩ ኣብ ጐድኖም ኰንክን ንመንእሰያት ፍቅርኽን ክትገልጻን ጽን ኢልክን ክትሰምዓን ኣሎክን ክብሉ ድሕሪ ምምዓድ ንኩለን ኣመስጊኖም ብመንፈስ ጸሎት ቅርበቶም ገሊጾም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትወን።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 October 2021, 15:10