ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ጥምየት ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ቘራሪ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ብምስናፍ ኢና ንእቃለሶ ፍራንቸስኮ፥ ጥምየት ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ቘራሪ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ብምስናፍ ኢና ንእቃለሶ 

ፍራንቸስኮ፥ ጥምየት ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ቘራሪ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ብምስናፍ ኢና ንእቃለሶ

ነፍሲ ወከፍና ንጥቕሚ ሰባትን እንነብረላ መሬትን ኢልና ስርዓት መግቢ ኣብ ምቕያር ግደ ኣሎና ከምኡ እውን ‘ኵላትና ኽንተሓባበር ንኽእል ኢና […] ንፍጥረት ንምክንኻን ነፍሲ ወከፉ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህልን ተመክሮን ናይ ገዛእ ራሱ ተበግሶታት ክእለትን ኣለዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኵ ዶንግዩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ናይ ሓቂ ለውጢ ንምግባር ናይ ምትሕልላይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምድልዳል” ከምዘድሊ ገሊጾም፥ “ነቶም ኣፍረይቲ ዀነ ንዓደግቲ ስነ ምግባራውን ዘላቕነትን ዝብሉ ውሳነታት ክገብሩ እምሕጸን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ምኽንያት ናብ ናይ ፋኦ - ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ጥምየትን ሓንሳእን ንሓዋሩን ምስዓር ሓደ ካብቲ ኣብ ደቅሰብ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆታት” ከምኡ እውን “ህንጡይ ሸቶ” ምዃኑ የረጋግጹ። እቲ ኣብ ዕለት 23 መስከረም እተኻየደ ዋዕላ መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ኣመራርታናን ኣገባብ ኣህላኽነትን” ብህጹጽ መፍትሒ ዘድልዩ ምዃኑ ከምዘመላኸተ ኣዘኻኺሮም፥ “ዕለታዊ ተግባራትና መጻኢና እዩ” ቢሎም ዝሓሸ ኣመራርታን ኣመጋግባን ንዝበለጸ ማሓድሮን ዝሓሸን ናብራ ዘማእከለ ጻዕሪ ነበራትዕ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ኣብዚ ዓመት እዚ ዘቕረቦ ቅዉም ሓሳብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣካባብያዊ ቀዋምነት ውሕስነት ዚህብን እዅል ዋጋ ዘለዎን መግቢ ምእንቲ ኺረክብ ብሓባር ስጒምቲ ኪወስዱ ከም ዘለዎም ዜጒልሕ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ንጥቕሚ ሰባትን እንነብረላ መሬትን ኢልና ስርዓት መግቢ ኣብ ምቕያር ግደ ኣሎና ከምኡ እውን ‘ኵላትና ኽንተሓባበር ንኽእል ኢና […] ንፍጥረት ንምክንኻን ነፍሲ ወከፉ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህልን ተመክሮን ናይ ገዛእ ራሱ ተበግሶታት ክእለትን ኣለዎ።

ኣብ ዓለም ጥሜትን ክራሽን

ቅዱስነቶም ኣብቲ መልእክቲ ብዛዕባ መግቢ ምርካብ ዝብል መሰረታዊ ጒዳይ እንክዛረቡ፥ ኣብ ዓለም ሰለስተ ቢሊዮን ዝዀኑ ሰባት ዝተመጣጠነ መግቢ ከምዘይረኽቡን ዳርጋ ኽልተ ቢሊዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ መጠን ንላዕሊ ብግዝፊ ሰብነት ወይ ብሕማቕ ኣመጋግባና ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ብምምጋብ ዝሳቐዩ እዮም። ስለዚህ ጥዕና ዅሎም ንምሕላው “ኣብ ኵሉ ደረጃታት ለውጢ” ምግባርን ስርዓት መግቢ ብሓፈሻ እንደገና ምውዳብን ኣድላዪ እዩ፥

መዓልታዊ ኣነባብራናን ኣመጋግባናን ንዓለም ንኣካባውያውን ምንቅስቓስ ዚጸሉ እኳ እንተ ዀነ ናይ ሓቂ ለውጢ ኽንገብር እንተ ደሊና ግና ነቶም ኣፍረይቲ ዀነ ንተጠቀምቲ ስነ ምግባራውን ቀጻልን ውሳነታት ኪገብሩ ንመንእሰያት ወለዶታት ከኣ ብዛዕባ ጥምየት ዘይብላ ዓለም ኣብ ምህናጽ ዝዓይዎ ኣገዳሲ ዕዩ ኪግንዘቡ ክንምሕጸኖም ኣሎና። ነፍሲ ወከፍና ነዚኽቡር ዕላማ እዚ ኣበርክቶክ ክንገብር ንኽእል ኢና።

መሰረታዊ ኣበርክቶ ንኣሽቱ ሓረስቶት

ር.ሊ.ጳ. ከም ዝገለጽዎ እቲ ኮቪድ - 19 ዘበገሶ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኣበርክቶ ነኣሽቶ ኣፍረይቲ መበገስን ክቡርን ዝዀነሉ ለውጢ ንኺገብሩ ኣጋጣሚ ከፊቱሎም እዩ፡ እዞም ኣፍረይቲ እዚኣቶም “ንለውጢ ከባቢ ኣየር ዘለዎም ተጻዋርንት ንምድልዳል” ከምኡ እውን “ምህርቲ መግቢ ክብ ንምባል ” ዚጠቅም ኣብ ዓውዲ መግቢ ዚርከብ ሓድሽ ምህዞታ ንምልላይ “ኬቀላጥፉ ኣድላዪ እዩ።” ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ፥

ጥምየት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ርትዓዊ ኣትሓሳስባ ኬሰንፎ ኣብ ቍጠባዊ ጥቕሚ ጥራይ ኬተኵር መግቢ ከም ካልኦት ናይ ሸቐጥ ነገራት ጌይሩ ዝምልከት ኣገባብ ምውጋድን ናይ ምትሕልላይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምድልዳል የድሊ።

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ፥

ር.ሊ.ጳጳሳትን ቤተ ክርስቲያንን ምስቶም ጥሜት ንምውጋድ ዝቓለሱ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም ናይ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ነቲ መሰረታዊ መሰላት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ውሕስነት መታን ክረክብ በረኸት ናይ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተማሕጺኖም ነቲ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ዝካየድ ጻዕሪ እውን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥ “እቶም ዘርኢ ተስፋ ዚዘርኡ ዝሰኣምምዑን እቲ ተበግሶትቶምን ውጥናቶም ዝያዳ ፍረ ዘለዎን ውጽኢታውን ምእንቲ ክኸውን ጸሎተይ እረጋግጽ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 

16 October 2021, 09:26